ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስቲ ካባኻ ዝተፈልየ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዘለዎ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ

ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኣብ ልዕሊ ከተማታትና ዘሎና ኣጠማምታ ንሕቶ ንኸነእትው ዝገብረና ኩነት እዩ ዝነብር፡ ብዘይተገዳስነትን ምስትንዓቕን ድዩ ወይ ውን በቲ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ደቀ እግዚኣብሔር ምዃንና ከፍልጠና ብዝኽእል እምነት

ዕለት 6 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱን፡ ልክዕ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጐስ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ኣናተዘዋወረ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዝብል ካብ ዝርአዮ ጽሑፍ ተበጊሱ፡ ነቲ ኣልቦ እምነት ዝነበረ ኣረመን ህዝቢ ብጽልኢ ዘይኰነ ብዓይነ እምነት ይርእዮ፡ ንሕና እውን ልክዕ ከምኡ ኣብ መንጐ ወንጌልን ዘይኣምን ዓለምን መራኸቢ መገዲ ንኹን እንክብሉ ከምዝመዓዱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ገሊጸን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ልዕሊ 12 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን፡ ካብቲ እምነት ዘይብሉን ካብ እምነትና ዝተፈልየ እምነት ካብ ዘለዎ ምርሓቕ ዘይኰነ ምስኡ ከራኽብ ዝኽእል ድልድል ምቛም የድሊ እንክብሉ ነቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 17 ካብ ፍቕዲ 22 – 23 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም፡ ጳውሎስ ነታ ብጣዖታት እተዕለቕልቕ ዝነበረት ከተማ ምስ ርአየ፡ እዚ ኵነት’ዚ ካብታ ከተማ ንኸህድሞ ዘይኰነስ ምስቲ እቲ ኣረመን ጣዖት ኣምላኺ ዝነበረ ሕዝቢ ንኽራኸብ ዘኽእሎ ድልድል ንኽፈጥር ይተባባዕ፡

መልእኽቲ እምነት ብጥንቃቔ ምብህልታው

ጳውሎስ ናብቲ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ፥ ናብ ምኵራብን ኣደባባይን ናብቲ ፖለቲካዊ ሕይወት ናብ ዝካየደሉን ባህላዊ ኵነት ናብ ዝንበረሉ ማእከል ኣርዮስፋጐስን ይበጽሕ፡ ንከተማ ኣቴናን ነቲ ኣረመን ዓለም ብጽልኢ ዘይኰነ ብዓይኒ እምነት ጠመቶ!

ሎሚ እምበኣር ብባህሊ ኣቢልና ዘራኽብ ድልድል ንኽንሃንጽ፣ ምስቲ ካባና ዝተፈልየ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዘለዎን ካባና ምስ ዝተፈልየን ዘራኽብ ድልድል ንምሕናጽ መንፈስ ቅዱስ ክምህረና ንለምኖ፡ ወትሩ  ድልድል ሓነጽትን ወትሩ ምስ ካልእ ንምርኻብ ዝተዘርገሔ ኣእዳው ይሃልወና፡ ብዘይ መጥቃዕቲ፡ ናይ እምነት መልእኽቲ ብጥንቃቔ ንኸነብህልትው ብቕዓት ጸግወና ንበሎ፡ ነቶም ንኽርስቶስ ዘይፈልጡ ብፍቕሪ ተነቓቒሕና ዝነቐጹ ኣልባባት እውን ንኸነማሙቕ  መታን … ንኽርስቶስ ብዘስተንትን መንፈስ ምቕራብ እዩ፡

ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኣብ ልዕሊ ከተማታትና ዘሎና ኣጠማምታ ንሕቶ ንኸነእትው ዝገብረና ኩነት እዩ ዝነብር፡ ብዘይተገዳስነትን ምስትንዓቕን ድዩ ወይ ውን በቲ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ደቀ እግዚኣብሔር ምዃንና ከፍልጠና ብዝኽእል እምነት ኢና እንቐርብ ዝብል ሕቶ ንኸነቕርብ ይድርኸና።

ጳውሎስ ኣብ መንጐ ኣረመን ዓለምን ወንጌልን መራኸቢ ክኸውን ዘብቕዖ ጥማተ ይመርጽ፡ ኣብቲ ጥንታዊ ዓለም ውሩይን ፍሉጥን ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ተቕዋም ስፍራ፥ ኣርዮስፋጐስ ናይ እምነት መልእኽቲ ንምብህልታው ዘብቅዕ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብነት ይህብ፡ ነቶም ኣምላኽያን ጣዖታት ብምግሳጽን ብምጥቃዕን ዘይኰነስ ዘራኽብ ድልድል ሓናጺ ብምዃን ኢየሱስ ክርስቶስ የበስሮም፡

ጳውሎስ፥ ዘይተፈልጠ ኣምላኽ የበስር

ጳውሎስ ኣብታ ከተማ እናተዘዋወረ ካልእ ምንም ተክለ ምስሊ ዘይነበሮ ዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዝብል ኣብ ሓደ መሰውኢ ዝረአዮ ጽሑፍ መሰረት ገይሩ፡ እግዚኣብሔር ዘይኽወል ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ ነቲ ከይፈለጥዎ ዘምልኸዎ ኣምላክ የበስሮም፡ ነዚ ከኣ ካብቲ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተበጊሱ ክሳብ ግልጸት እግዚኣብሔር ይዛረብ፡ … ኩሉ ክረኽቦን ክፈልጦን ዝክእል ኣምላኽ የበስር፡ ቅዱስነቶም ኣብ ሓደ እዋን በነዲክቶስ መበል 16፥ ነቲ ጳውሎስ ዘይፈለጥ  ኣምላኽ ዝብል ዝርአዮ ጽሑፍ ዘይፍለጥ ፍሉጥ ኣምላኽ  እንክብሉ ገሊጾም ጳውሎስ ነዚ ዘይፍለጥ ፍሉጥ ኣምላኽ ኣበሲሩ ዝበልዎ ጥልቂ ትንተና ጠቒሶም፡ ዘይፈልጥዎ ግና ዝፈልጥዎ ኣምላኽ ቢሎም፡ ጳውሎስ ብብስራተ ወንጌል ኣቢሉ ንምልዋጥ ይዕድም፡ እቲ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዝብል ስብከቱ ንገሊኣቶም ዕንቅፋት ንገሊኣቶም ከኣ ዕሽነት ምስ ኰነ፡ እቲ ዝተኸተሎ ኣገባብ ብስራተ ወንጌል ትሩፍ ዝዀነ ከይኑ ክስምዖ እውን እንተገበረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሓደ ካብቶም ናይ ኣርዮስፋጐስ ባይቶ ኣባል ዝዀነ ዲዮናስዮስ ዝስሙን ደማሪስ ኣትበሃለት ሰበይትን ነቲ ንሱ ዘበሰሮ ኣብ ሞትን ትንሳኤን ዝጸንዔ እምነት ይቕበሉ፡ ኣብ ኣቴና ብኽልተ ድምጺ ተቐባልነት ይረክብ፡ ብሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን፡ (ዲዮናስዮስን ደማሪስን)።

እንልብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝዛዘሙ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስቲ ካባኻ ዝተፈልየ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዘለዎ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ
06 November 2019, 17:46