ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ዘኬዎስ ብጥማቶ ፍቅሪ ኢየሱስ ንኽንልወጥ ፍቓደይናታት ንዅን

ቀዲሙ ዝርእይ ኢየሱስ እምበር ዘኬዎስ ኣይኰነን፡ ካብቲ ኩሉ ከቢብዎ ዝነበረ ሕዝቡ ክንየው ፈልዩ ይርእዮ፡ ናይ ጐይታ ምሕረት ዝደልይ ሕዝቢ፡ ምሕረት እዩ ቀዲሙ ዝርእየና

ሰንበት ዕለት 3 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፡ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባበ ብዛዕባ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረጽ ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ብኢየሱስ ተራእዩን ዝተለወጠን ዝዛረብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 19 ካብ ፍቕዲ 1-10  ዘቕርቦ ቃል ኣሞርኵይዞም፥ እግዚኣብሔር ሓጢኣት ዝኹንን ሓጥኣን ግና ዘድሕን ፍቕሪ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ናይ ኢየሱስ ናይ ምሕረት የዕንቲ ምድሓን ንዘድልየና ነኣና ቀዲመን ይጥምታናን ምሕረቱ የብጽሓልናን፡ ንሓጥኣን ዘይዅንን ዘይንጽል፡ በንጻሩ ናብ ቅኑዕ መገዲ ንኽምለስ ዘናድይ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝልውጥ ጥማተ፡ ኣመለኻኽታናን ኣገባባት ሕይወትና ዝልውጥ ናይ ምሕረት ጥማተ ኣባና ከምዘሎ ይስምዓናዶ?

ነቲ ኣብ እያሪኮ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረጽ ዘኬዎስ ዘጓነፎ እዚ ምጥማት ብምሕረት እዩ፡ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም እናተጓዕዘ ንእግረ መገዱ ኣብ ኢያሪኮ ይኣትው፡ ኢየሱስ ብብዙሕ ሕዝቢ ተዓጂቡን፡ ካብቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ እቲ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረጽ ሓደ እዩ፡ ሕዝቢ ንመንግስቲ ሮማ ዝኸፍሎ ዝነበረ ቐረጽ ዝቕበል ጥራሕ ዘኰነስ ብላዕ እውን ዝሓትት ዝነበረን በዚ ተግባር’ዚ ኣቢሉ ናይ ውልቁ ሃብቲ ዘደልብ ዝነበረ እውን እዩ። ብናይ ካልኦት ድኻም ዝህብትም ዝነበረ። ስለዚህ እዩ ድማ ብሕዝቢ ዝተጸልኤን ዝተነጸለን ዝነበረ፡ ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት ይሰምዕ ስለ ዝነበረ ተሃንጢዩ ክፈልጦ ቢሉ ቁመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ከኣ ናብ ሳግላ ይሓኵር፡

ቀዲሙ ዝጥምት ኢየሱስ እዩ

ዘኬዎስ ቅድሚ ንኢየሱስ ክርእይ ምድላዩ፡ ምርኣይ ኢየሱስ ይቕድሞን የማዕድዎን

ቀዲሙ ዝርእይ ኢየሱስ እምበር ዘኬዎስ ኣይኰነን፡ ካብቲ ኩሉ ከቢብዎ ዝነበረ ሕዝቡ ክንየው ፈልዩ ይርእዮ፡ ናይ ጐይታ ምሕረት ዝደልይ ሕዝቢ፡ ምሕረት እዩ ቀዲሙ ዝርእየና፡ ከም ደለይቲ ምሕረት እቲ ምሕረት ቀዲሙ የማዕድወና፡ እቲ ናይ መለኰታዊ ምሕረት ጥማተ ኣባና ናይ ምልዋጥ ተኣምር ዘፈጽም እዩ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ኢየሱስ ንዘኬዎስ ብስሙ ዝጽውዖ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እንክብሉ እውን ይሓትቶ፡

እግዚኣብሔር ሓጢኣት ይዅንን፡ ንሓጥኣን ምእንቲ ድሕነት የናድይ

ነቲ ሓለቓ ቐረጽ ተቐበልቲ ኢየሱስ ብስሙ ይጽውዖ፡ ንኽቋየቖን ንኽወቕሶን ክሰብኰን ዘይኰነስ፡ ድላይ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ ናብ ቤቱ ኽኣትው ፈተወ፡ ነዚ ዝርእይ ዝነበረ ሕዝቢ ግና የዕረምርም! ከመይ ገይሩ ናብቲ ሓጢኣተይና ቤት ይኣትው እንክብሉ ንሓድ ሕዶም እናተረኣኣዩ ይዘራረቡን ይዕንቀፉን እውን፡ ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብ ዘሎ ፍልልያት እንከብርሁ፥

ምስትንዓቑን ኣብ ሓጢኣቱ ምሕዳግን ማለት ኣብ ክፍኣት ከም ምሕዳግ ማለት እዩ ዝኸውን፡ ገዛእ ርእሱን ማሕበረሰብን ንኽሃስይ ምሕዳግ እዩ ዝኸን፡ እግዚኣብሔር ግና ሓጢኣት ዝዅንን ሓጥኣን ግን ክልወጥ ዝደልይ ብምዃኑ፡ ንምድሓኑ የናድዩ፡ ክደልዮን ናብ ቅኑዕ መገዲ ንኸምርሖ ቀዲሙ የናድዮ፡ በቲ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ዘኬዎስ ዝነብሮ ፍጻሜ ምሕረት እግዚኣብሔር ክብጻሕ ዘይደሊ ይህሉ ዶ?

ዘኬዎስ ምፍቃርን ምውፋይን ይመሃር

ኣብ ቤት ዘኬዎስ ተኣምር ይፍጸም፡ ናይ ምልዋጥ ተኣምር፡ ኢየሱስ የቃልበሉን የእንግዶን፡ እቲ ዘአንገደ ዘኬዎስ ብናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ይእንገድ፡ ኣመለኻኽታኡን ተግባራቱን ንኽልወጥ ይገብር፡ ሃብቲ ገንዘብ እውን ብኸመይ ክትጥቀመሉ ከምዘለካ ዝመርሕ ጥማተ ኢየሱስ ይራኸቦ፡ ናይ ሃብቲ ገንዘብ ምሩኽ ምዃን ክሳብ ክንደይ ገዛእ ራስኻ ምውራድ ምዃኑ እውን ይርዳእ፡ ነዚ ኹሉ ኢየሱስ ኣብ ቤቱ ብምእታው ዘብርሃሉ ሕይወት እዩ፡

ንሃብቲ ገንዘብ ዝነበሮ ኣመለኻኽታን ኣጠቓቕማን ኩሉ ይቕየር፡ ካብ ድኻታት ዝተቐበሎ ገንዘብ ብማዕረ ንኽመልስ ጥራሕ ዘይኰነስ ክሳብ በርባዕተ ዕጽፊ ክፈድይ ወሰነ፡ ክሳብ ኢየሱስ ናብ ቤት ምእታዉ በቃቕን ስሱዕን እዩ ዝነበረ፡ ደሓር ግና ለጋስ እውን ይኸውን፡ ኣብ ልግሲ ዘሎ እውነተይና ሓሴት የስተማቕር፡ ሓጢኣተይና እውን እንተነበረ ስለ ዝተፈቕረ ምስ ፍቕሪ ስለ ዝተራኸበ እዚዩ ይሕጐስን ብተራኡ እውን ንኻልኦት ከፍቅር በቕዔ፡ ምትሕብባርን ሱታፌን ክነብር ይጅምር።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ብናይ ኢየሱስ ምሕረት ዝተጠመትና ምዃንና ወትሩ ክስምዓና ዘብቅዕ ጸጋ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተማሕጺኖም፡ ዝተመሓሩ ነዚ ምሕረት’ዚ ናብ ካልኦት ዘብጽሑን ኵሉ ምስቲ ክደልየና ዝመጽእ ምሕረት እግዚኣብሔር ንኽራኸብ ነቲ ምሕረት ንመስክር ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከምዘዕረጉ ቸራዞ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ዘኬዎስ ብጥማቶ ፍቅሪ ኢየሱስ ንኽንልወጥ ፍቓደይናታት ንዅን
04 November 2019, 17:01