ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ይሕብሩ

እቲ ብዙሕ ዝተሳቐየ ፍቑር ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ብዓብይ ሓንቀውታ ብሉጽ መጻኢ ይጽበይ ኣሎ፡ ብፍላይ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከብቅዕን

ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳዊ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ከምዝዀኑ ገሊጾም፡ ህልዉ ኩነታት ቦሊቪያ እውን ዘኪሮም፡ ምእንቲ ቦሊቪያ ክጽለይን ተላብዮም፡ ዕለቱ ስለ ጻማ መሬትን ዕዮን ናይ ምስጋና መዓልቲ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ናይ ኢጣሊያ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ቅዱስነቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ንኽበጽሑ ድላይ ኣሎኒ እንክብሉ ገሊጾምሎም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 11 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ድላይ ከምዘለዎ ብወግዒ ከምዝሓበሩ ዝገለጹ ጉወራ ኣስዒቦም፡ ቅዱነቶም ንሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘኪሮም ኣብታ ሃገር ሰላም ጭቡጥ ክኽውንን ብምኽንያት እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ ብዘስዓቢ ከቢድ ሓደጋ 490 ሺሕ ዝግመቱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዘይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ይርከቡ ከምዘለዉ እውን ገሊጾም፡ ነቲ ሕዝቢ ሰብኣዊ ድጋፍ ክቐርበሉ ጻውዒት ኣመሓላሊፎም፡ ኣብታ ሃገር ናይ ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ ንምቛም ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪርን ናይ ተቓወምቲ ሓይሊ ነበር መራሒ ሪክ ማቻር ዘካይድዎ ናይ ሓባር ዘተ ሰንፈላል ከይኑ ከምዘሎን፡ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ክብገስ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

እቲ ብዙሕ ዝተሳቐየ ፍቑር ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ብዓብይ ሓንቀውታ ብሉጽ መጻኢ ይጽበይ ኣሎ፡ ብፍላይ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከብቅዕን ነባሪ ሰላም ውሑስ ክኸውንን፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ከይተሓለሉ ንናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ ህርኩት ጻዕሪ ከሳልጡን ናይ መላእ ሃገርን ሕዝብን ናይ ሓባር ረብሓ ከማዕድዉን፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳን እተካይዶ ኣብ ዘላ ጉዕዞ ብሔራዊ ዕርቂ ከሰንያ ኣምሕጸን፡ ኵላትኩም ምእንቲ እታ ወትሩ ፍቕራ ዝስምዓኒ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ክትጽልዩ እላበው

ከምዝበሉ ጉወራ ሓቢሮም፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ይሕብሩ

 

11 November 2019, 17:14