ሃብቲ ቤተ ክርስትያን ኢኹም! ር.ሊ.ጳ ንድኽታት ዓለምና!
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንመልእኽቶም ብፍቅሪ ናይቶም ዝተሓቱን ዝነኣሱን ናይ ዓለምና ይጅምሩ እሞ’ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሓገዝኩም ሓገዝ ነፍስወከፍኩም እደሊ ነፍሲወከፍኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሐሔር ኣድለይቲ ከምዝኾንኩምን እግዚኣአብሔር ከምዘፍቅረኩምን ክገልጸልኩም እፈቱ። እወ እግዚኣአብሔር ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንጸሎትኩም ጽን ኢሉ ይሰምዕ። ከመይ ጸሎት ድኻታት ንእግዚኣአብሔር ከምዝራሕርሖ ኣጸቢቅና ንፈልጥ ኢና። ነዞም ደቁን ኣሕዋቱን ዝኾኑ ሃብቲ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ድኻታት ከኣ ወትሩ ከጸናንዖም ይደሊ’ ኢሎም።
ማሕበር ሓው ወይ ሕውነት!
እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ከምዘሎ ኣብ ቤተክርስትያን ብዘገልግሉ ምእመናን ዝቆመ ኰይኑ ብ2014 ዓቢ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማ ጌሩ ከምዝነበረ ብወርሒ ሕዳር 2016 ከኣ ብኣሽሓት ዚቊጸሩ ብዙሓት ግዳም ሓደር ኣኪቡ ምስ ር.ሊ.ጳ ከምዝራኸቡ ጌሩ ነበረ። ብድሕሪ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ ከኣ ነታ ንመጀመርያ ግዜ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ዝተኣወጀት ዓለምለኸ ዕለት ድኻታት ክሳተፉ በቂዖም።
ናብ ምንጪ እስኪ ንመለስ!
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለኣኽዎ ሓጺር ናይ ርእየት መልእኽቲ ዘተኰሩሉ ነቶም ኣብ እግሪ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከቡ ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቊሳሎም ክንዝንነሎም ዝጽውዕ እዩ።
ጸሎትን ምሥጢራትን!
ናብቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ ኩሉ ዝኾነ ጐይታ ንምምላስ ዘድልዩ ክልተ ቀንዲ መንገድታት ኣለዋ። ቀዳመቲ ጸሎት እንክትከውን ነዚ ኣብነት እትኾነና ከኣ እታ ብሃህ ኢሉ ዝተኸፍተ ማዕጾ ቤተክርስትያን እትምሰል እኖና ድንግል ሰለዝኾነት ኣብኣ ዝጽጋዕ ዘበለ ከኣ ክዕወት እዩ።
ጸልዩ! በዚ ከኣ ንእኖና ድንግል ማርያም ኣብ ውሽጥኹም ክትረኽብዋ ኢኹም! ጥበቅዋ! ከመይ ንሳ ሃህ ኢላ ዝተኸፍተት ማዕጾ ቤተክርስትያን እያ። ንሳ ንመንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ተቀቢላ እያ። ንሳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ሂባትና። መሪሓ ናብኡ እተብጽሓና እውን ንሳ እያ።
እታ ካልአይቲ መንገዲ ዝበልኩኹም መንገዲ ምሥጢራት እያ። ምሥጢራት ትዕድልቲ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ኮይኖም ብኣኦም ገቢሩ እግዚኣአብሔር የሕውየና ፍቅሩን ርሕራሔኡን ከኣ ይገልጸልና።
ንዓለም ዘድሕን ፍቅሪ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ንዓለም ዘድሕን እንኮ መጋበሪ ፍቅሪ ምዃኑ ብምርግጋጽ እግዚአብሔር ከኣ ከኣ ንዓለምንናን ንነፍሲ ወከፍናን በዚ ፍቅሪ እዚ ከድሕነና እዩ ድላዩ። ስለዚ ነዚ ካብ ሞት መንዚዑ ከድሕነኩም ንዝኽእል ዓቢ ፍቅሪ ኣግዚኣአብሔር ተቀቢልኩም ንካልኦት ኣካፍሉ።