ድለ

ሃብቲ ቤተ ክርስትያን ኢኹም! ር.ሊ.ጳ ንድኽታት ዓለምና!

ብማሕበር ሓው ወይውን ብማሕበር ሕውነት ዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ በቶም ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት ዘወፍዩ ምእመናን ዝቆመ ሎም ዘመን እውን ንሳልሳይ ግዜኡ ብዛዕባ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ንምዝታይ ኣብ ሉርድ ተጋቢኡ ኣሎ። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ናይ ርእየት ማለት ብቪድዮ መልእክቲ ከምዘመሓላለፉን ነቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ዝነኣሱ ዝተሓቱ ሃብቲ ቤተክርስትያን ከምዝኾኑ ዝገልጽ ነበረ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንመልእኽቶም ብፍቅሪ ናይቶም ዝተሓቱን ዝነኣሱን ናይ ዓለምና ይጅምሩ እሞ’ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሓገዝኩም ሓገዝ ነፍስወከፍኩም እደሊ ነፍሲወከፍኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሐሔር ኣድለይቲ ከምዝኾንኩምን እግዚኣአብሔር ከምዘፍቅረኩምን ክገልጸልኩም እፈቱ። እወ እግዚኣአብሔር ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንጸሎትኩም ጽን ኢሉ ይሰምዕ። ከመይ ጸሎት ድኻታት ንእግዚኣአብሔር ከምዝራሕርሖ ኣጸቢቅና ንፈልጥ ኢና። ነዞም ደቁን ኣሕዋቱን ዝኾኑ ሃብቲ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ድኻታት ከኣ ወትሩ ከጸናንዖም ይደሊ’ ኢሎም።

“ንስኹም ንኣሽቱ ዝኾንኩም! ንስኹም ድኻታትን ተኣፈፍትን ዝኾንኩም ሃብቲ ቤተክርስትያን ኢኹም። ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ ፍሉይ ቦታ ኣሎኩም ኣብ ልቢ እኖናን ድንግል ማርያም ኣብ ልቢ እግዚኣአብሔር እዩ ሰፈርኩም። ሕይወትኩም ኣብ ትሕቲ ዓመጽ ኣብ ትርከበሉ ግዜ ኢየሱስ እዩ ኣባኹም ኰይኑ ዚዕመጽ ዝግፋዕ` ኢሎም።”

ማሕበር ሓው ወይ ሕውነት!

እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ከምዘሎ ኣብ ቤተክርስትያን ብዘገልግሉ ምእመናን ዝቆመ ኰይኑ ብ2014 ዓቢ መንፈሳዊ ንግደት ኣብ ሮማ ጌሩ ከምዝነበረ ብወርሒ ሕዳር 2016 ከኣ ብኣሽሓት ዚቊጸሩ ብዙሓት ግዳም ሓደር ኣኪቡ ምስ ር.ሊ.ጳ ከምዝራኸቡ ጌሩ ነበረ። ብድሕሪ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ ከኣ ነታ ንመጀመርያ ግዜ ብር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ዝተኣወጀት ዓለምለኸ ዕለት ድኻታት ክሳተፉ በቂዖም።

ናብ ምንጪ እስኪ ንመለስ!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለኣኽዎ ሓጺር ናይ ርእየት መልእኽቲ ዘተኰሩሉ ነቶም ኣብ እግሪ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከቡ ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቊሳሎም ክንዝንነሎም ዝጽውዕ እዩ።

“ሕይወትኩም ኣብ ትዕመጸሉ ኣብ ትግፍዓሉ ነፍሲወከፍ ግዜ እትግፋዕን እትዕመጽን ዘላ ሕይወት ኢየሱስ ምዃና ዘክሩ። ሎሚ ር.ሊ.ጳ ከጸናንዓኩም ይደሊ ኣሎ! ሓንቲ ምጽንናዕ ክህበኩም እደሊ! እግዚአብሔር ከምዘፍቅረኩም ከረጋግጸልኩም እደሊ! ሃየኸስ ናብቲ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ ጐይታ ተመለሱ። ንኩሉ ኣብኡ ክትረኽብዎ ኢኹም። መጋበሪኹም ከኣ ጸሎትን ምሥጢራትን እዮም።”

ጸሎትን ምሥጢራትን!

ናብቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ ኩሉ ዝኾነ ጐይታ ንምምላስ ዘድልዩ ክልተ ቀንዲ መንገድታት ኣለዋ። ቀዳመቲ ጸሎት እንክትከውን ነዚ ኣብነት እትኾነና ከኣ እታ ብሃህ ኢሉ ዝተኸፍተ ማዕጾ ቤተክርስትያን እትምሰል እኖና ድንግል ሰለዝኾነት ኣብኣ ዝጽጋዕ ዘበለ ከኣ ክዕወት እዩ።

ጸልዩ! በዚ ከኣ ንእኖና ድንግል ማርያም ኣብ ውሽጥኹም ክትረኽብዋ ኢኹም! ጥበቅዋ! ከመይ ንሳ ሃህ ኢላ ዝተኸፍተት ማዕጾ ቤተክርስትያን እያ። ንሳ ንመንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ተቀቢላ እያ። ንሳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ሂባትና። መሪሓ ናብኡ እተብጽሓና እውን ንሳ እያ።

እታ ካልአይቲ መንገዲ ዝበልኩኹም መንገዲ ምሥጢራት እያ። ምሥጢራት ትዕድልቲ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ኮይኖም ብኣኦም ገቢሩ እግዚኣአብሔር የሕውየና ፍቅሩን ርሕራሔኡን ከኣ ይገልጸልና።

“ክርስትያንዶ ክትኮኑ ትደልዩ ኢኹም! ምሥጢረ ጥምቀት ሕተቱ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ናብቲ ናይ ምሕረት ጸጋ ዘውህብ ምሥጢረ ንስሓ ቅረቡ፣ በዚ ምሥጢር እዚ ገሩ እግዚኣአብሔር ርሕራሔኡ ከርእየኩም ሓራ ከኣ ከውጽኣኩም እዩ። ንቅዱስ ቊርባን ዕለት ዕለት ተቀበልዎ! ንበርዎ! ሕይወትኩም ግበርዎ! በዚ ምሥጢር እዚ ንጐይታ ኣብ ኣካልኩምን ኣብ ነፍስኹምን ከምዝሓድር ትገብርዎ። እዚ ምሥጢር እዚ እምነትን ሓጐስን ክህበኩም እዩ። ንምሥጢረ ቀንዲል እውን ንበርዎ። ከመይ እዚ ምሥጢር እዚ ነቲ ኣብ ኣካልኩምን ኣብ ኣእምሮኹምን ዘሎ ኣቊሳል ክዝንነልኩም እዩ። በዚ ከኣ ነቲ ንዓለም ዘድሕን ፍቅሪ ክትቅበሉ ኢኹም።”

ንዓለም ዘድሕን ፍቅሪ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ንዓለም ዘድሕን እንኮ መጋበሪ ፍቅሪ ምዃኑ ብምርግጋጽ እግዚአብሔር ከኣ ከኣ ንዓለምንናን ንነፍሲ ወከፍናን በዚ ፍቅሪ እዚ ከድሕነና እዩ ድላዩ። ስለዚ ነዚ ካብ ሞት መንዚዑ ከድሕነኩም ንዝኽእል ዓቢ ፍቅሪ ኣግዚኣአብሔር ተቀቢልኩም ንካልኦት ኣካፍሉ።

“ነናብ ዝመጻእኩምሉ ክትምለሱ ከሎኹም ከምታ ዝመጻኩማ ኣይኮንኩምን ክትመልሱ ዘሎኩም። ብተስፋ መሊእኩም ተመለሱ። ሕያዋን መሰኻኽር ፍቅሪ እግዚአብሔር ኰንኩም ተመለሱ። ንዓለም ምሉእ ከኣ ነቲ ሕቡእ ሃብትኹም ኣዘንትው። እዚ ሕቡእ ሃብቲ እዚ ኢየሱስ እዩ። ምስ እኖና ድንግል ማርያም ተጓዓዙ ከመይ ንሳ ጥራይ እያ ናይ ፍቅርን ርሕራሔን እግዚአብሔር ሓዋርያት እትገብረኩም። ነዚ ከምእትገብሩ ከኣ ብኣኹም እተኣማመን እየ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
15 November 2019, 18:34