ድለ

Vatican News
2019.11.19 ር.ሊ.ጳ ምስ ጳጳሳት ሃገረ ጃፓን 2019.11.19 ር.ሊ.ጳ ምስ ጳጳሳት ሃገረ ጃፓን  (Vatican Media)

እንኮ ተልእኮኹም ሕይወት ምክልኻልን ስብከተወንጌልን እዩ! ር.ሊ.ጳ ንጳጳሳት ጃፓን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቀዳማይ ዕለት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሃገረ ጃፓን ምስ ጳጳሳታ ብምርኻብ ‘ናይ ደቂ ሰባት ሓባራዊ ምዕብልና ከደንፍዑን ነታ ብነጻ ዝተዓደለት ፍቅሪ ንኩሉ እተወፍይዎ ናይ ዓወት ባህሊ ብምኽፋትንተስፋ ቊርጸት መንእሰያት ክዋግኡን’ ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን ኣምኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ቃለ ማዕዳ ብዝተኻእለ መጠን ከምዘሎ ተርጒምና ነቅርበልኩም ኣሎና።

ዝኸበርኩም ጳጳሳት ኣሕዋተይ!  ጐይታ ንሃገረ ጃፓን ክበጽሕ ፍቃዱ ምዃኑ ከምኡ በቲ ዝገበርኩምለይ ምውቕ ተቅባል ብጣዕሚ ሕጉስ እየ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ታካሚ ብስም ኩላ ካቶሊካዊት ማሕበር እዛ ሃገር ንዘቅረቡለይ ሠናይ ቃላት አመስግን። ኣብዚ ቀዳማይ ወግዓዊ ርክብ ምሳኹም እንክራኸብ ንኩለን ማሕበራትኩም ምእመናንኩም መማህራን ትምህርተ ክርስቶስኩም ካህናትኩም ገድማውያንን ገዳማውያናትኩምን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ሰላምታይ አቅርብ። ንኩሎም ሕዝቢ ጃፓን እውን ኣብዚ ፍሉይ ግዜ ንግሥነት ሓጸይን ምጅማር ዘመነ ራይዋን ፍቅረይን ጸሎትየን ክገልጽ እፈቱ።

ምናልባት ትፈልጥዎ ትኾኑ ካብ ንእስነተይ ነዚ ክፍሊ መሬት ፍሉይ ፍቅርን ተገዳስነትን ነሩኒ። እዚ ድፍኢት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ካብ ዝሕዘኒ ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ እነሆ ኸኣ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ሎሚ በጺሔ። ሎሚ ጐይታ ንኣሰር ዓበይቲ ሰበኽቲ ወንጌል ተኸቲለ ኣብ ማእከልኩም ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ስብከተ ወንጌል ኰይነ ክርከብ ፈቂዱለይ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘሳቨርዮ ኣብዚ ምድሪ ኣዚ ካብ ዝበጽሕ 470 ዓመታት ሓሊፉ። እዛ ምብጻሕ እዚኣ ስብከት ክርስትና ኣብ ሃገር ጃፓን ዝጀመረላ እያ። በዚ ዝኽሪ እዚ ንኩሎም ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ንቃል ወንጌል ኣብዚ ክዘርኡ ዝተወፈዩ ንሕዝቢ ጃፓን ብዓቢ ቅብኣትን ፍቅርን ዘገልገሉ ንዝሃበ ጐይታ ነመስግን። እዚ ናቶም ተወፋይነት ንቤተ ክርስትያን ጃፓን ፍሉይ ወጅሂ ሂብዋ። ንሰማዕትነት ቅዱስ ጳውሎስ ሚኪን ብጾቶምን ነቲ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ፈተነ ክሳብ ሞት ምስክርነቱ ዝሃበ ብፁዕ ጁስቶ ታካያማ ኡኮን ንሕሰብ። ኣብ ግዜ ስደት እታ እምነት ንክትቅጽል ርእሶም ዘወፈዩ ነታ ክትዓብን ክትጸንዕን ብዙሕ ፍረ ክትፈርን ዝነበራ ንእሽቶ መጓሰ ክርስትና ዓቢ ሓገዝ ነበረ። ከምኡ ነቶም ኣብ ዞባ ናጋሳኪ ተሓቢኦም ዝነበሩ ክርስትያን በቲ ብሕቡእ ንውሉድ ወለዶ ዘስተምሃርዎ ትምህርተ ክርስቶስን ጸሎትን ዝዓደለዎ ምሥጢረ ጥምቀትን እምነት ክርስትና ክጸንሕ ክኢሉ። እዘን ሓቀኛ ናይ ገዛ ኣብያተክርስትያን እዚአን ምናልባት ከይተረደኣኩም ነታ ቅድስት ሥድራ ናይ ናዝሬት እናኣንጸባረቃ ኣብ ምድሪ እዚ የብርሃ ነበራ።

መንገዲ ጐይታ ሕይወትኩም ኣብ ዕለታዊ ናብራ ምእመናንኩም ዘበርክቶ ተራ የርእየና።እዛ ህላዌ ጐይታ ከኣ  ናይ ጸጥታ ህላዌ ኰይና ዝክሪ ናይታ ኣብ ቃል ጐይታ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብስሙ ኣብ ዝተኣከቡሉ ንሱ ኣብ ማእከሎም ከምዝህሉን ሓይልን ርሕራሔን መንፈሱ ከኣ ከምዘሰንዮምን ኣብ ማቴ 18.20 እትገልጽ ዝኽሪ እያ። መበቈል ማሕበረ ክርስትያንኩም በዚ ምስክርነት ዝተወቅረ ኰይኑ ንዝኾነ ተስፋ ቊርጸት ዝጻባእ ክትክተሎ ንዘሎካ ጐዳና ዝሕብር እዩ። ሕያው ቤተክርስትያን ኢኹም። ንስም ጐይታ እናጸወዔትን ንሱ ከመይ ገቢሩ ኣብ ማእከል ስደት ከምዝመርሓ እናስኣስተንተነትን ትነብር ቤተክርስትያን ኢኹም።

እታ ብምስክረንት ሰማዕታት ብተኣማንነት ዝተዘርኤት ዘርኢ ኣብ ምዱብ ግዜኣ ጐይታ ንከፍርያ ብትዕግሥቲ ምጽባይኩም ንባህሊ ጃፓን ከመይ ገቢርኩም ክትሰብክዎ  ከምዝከኣልኩም ዘመልክት ዓቢ ጥበብ ተልእኮ ስብከተወንጌልኩም ኣዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ብማበረሰብ ጃፓን ዓቢ ተቀባልነት ዝረኸበ ገጽታ ቤተክርስትያን ክትሃንጹ ክኢልኩም። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ነቲ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ሃገርኩም ዘበርከትኩምዎ ብዙሕ ነገራት እዩ። ብሓቂ ዝምስገን ሥራሕ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ምዕራፍ ታሪኽ ዓድኹምን ኩላዊት ቤተክርስትያን በቲ ኣብ ናጋሳኪን ኣማኩሳን ብዓለም ለኸ ደረጃ ሓብራዊ ውርሻ ባህሊ ዓለምና ዝኾና ኣብያተ ክርስትያን ብምውፋይ ተኻሒሱ። ልዕሊ ኩሉ ግን እታ ወትሩ ሕያው ዝኾነት መንፈስ ማሕበራትኩምን ልዕሊ ዝኾነ ስብከተ ወንጌል ብስልቲ ዝኾነት ተስፋኹምን እየን ዝዝከራ።

ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ መሪሕ ቃል ‘ንኩሉ ሕይወት ምክልኻል’ ዝብል ኰይኑ ናይ ጵጵስናና ተልእኮ ዘመልክቶ እዩ። ኣቡን ወይ ጳጳስ ክንብል ከሎና ኣብ መንጎ ሕዝቡ ኰይኑ ከም ጓሳ ንኩሉ ሕይወት ክከላኸል መታካእታኡ ክኸውን ጐይታ ዝመርጾ እዩ። እዚ ከኣ ክነተኩረሉ ንዘሎና ነገራት የነጽረልና።

ስብከተ ወንጌል ናይዚ ቦታ እዚ ብዓቢ ሃሰሳ ውህደት ባህልን ወንጌልን ከምእው እውን ዘተን እሂን ምሂንን ዝተመልከተ እዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝማዕበለ ፍልይ ብዝበለን ርእሱ ብዝኸኣለ መንገድን ሓደስቲ ኣገባባት ስብከተወንጌል ኣማዕቢሉ። ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብዙሕ ጽሑፋትን ትያትርን ሙዚቃን መጋበሪታቱን መብዛሕትኡ ብቋንቋ ጃፓን ከምዝተደርሰ ኩልና ንዝክሮ እዩ። እዚ ዘመልክተልና ጉዳይ እንተደኣ ሃልዩ እቶም ቀዳሞት ሰበኽቲ ወንጌል ነዚ ቦታ እዝን ንህዝቡን ክሳብ ክንደይ የፍቅርዎ ከምዝነበሩ እዩ። ንኩሉ ሕይወት ምክልኻል ቅድሚ ዝኣገረ ንሕይወት ናይቶም ኩሎም ሓደራ ዝተዋህቡኻ ናይ ምፍቃር ዓሚቊ ጠመተ ክህልወካ ኣሞ ንሳቶም ቅድሚ ኩሉ ውህበት ኣምላኽ ምዃኖም ምፍላጥ እዩ። ከምቲ ኣብ ፓናማ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ንመንእሰያት ዝበልክዎ ‘ንእተፍቅሮ ጥራሕ ኢኻ ከተድሕን እትኽል። ሃንጐፋይ ኢልካ ተቀቢልካ እታሓቊፎ ጥራይ እዩ ክልወጥ ዝኽእል’ እዩ ነገሩ። ዕላማ ምሥጢረ ሥጋዌ ንነፍሲ ወከፍና ዝኾነት ሕይወት ብነጻ ትዕደል ጸጋ ምዃና ከብርሃልናን ዝኾነ ካልእ ምኽኒትን ሓሳባትን ካልኣዊ ምዃኑ የረጋግጸልና። ንዝኾነ ሕይወት ምክልኻልን ወንጌል ምስባኽን ክልተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ወይውን ዝገራጨው ኣይኮኑን እኳ ደኣ ነንሕድሕዶም ይመላልኡ።  ክልቲኤን ዘጠንቅቃና ጉዳይ እንተልዩ ሎሚ ከም ሎሚ ነቶም ብብርሃን ወንጌል ኢየሱስ ንዓና ሓደራ ንዝተዋህቡ ካብ ኩለንትናዊ ምዕባሌ ደቂሰባት ክዕንቅጽ ካብ ዝኽእል ነገራት ንክንሕሎ እዩ።

ኣብ ሃገረ ጃፓን ቤተክርስትያን ንእሽቶ ከምዝኾነትን ካቶሊካውያን ውሑዳን ከምዝኾኑን ንፈልጥ ኢና ኰይኑ ግን ኣብዚ ፍሉይ ኩነታትኩም ነታ ሓያልን ንጽርትን ዝኾነት ትሕትና ዝተላበሰ ምስክርነት ክትህብ እትኽእልን ምስ ካልኦት ባህልታት እምነት እተካይድዎ ዘተን ቀንዲ ናይ ስብከተወንጌልኩም ዕዮ ገዛ ምዃኑ ክትዝንግዑ የብልኩምን። ነቶም ልዕሊ ፍርቂ ጃፓናውያን ካቶሊክ ዝኾኑ ብዙሓት ካብ ካልእ ዓድታት ዝመጹ ሠራሕተኛታት እትበርክትዎ ተቅባልን መስተአንግዶን ከም ናይ ማሕበረሰብ ጃፓን ምስክርነት ወንጌል ጥራይ ዘይኮነ ናይ ቤተክርስትያን ዓለምለኻውነት የመልክት። እዚ ከኣ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ልዕሊ ዝኾን ምትእስሳርን ዓሌትን ሓያል ከምዝኾነ ናብ ኩሉ ከኣ ከምዝበጽሕ የመልክት።

ብሰማዕትነት ዝቆመት ቤተክርስትያን ብልዑል ነጻነት ክትዛረብ ትኽእል ብሕልፊ ነተን ብሕጹጽ ዝቀርባና ሕቶ ሰላምን ፍትሕን ናይ ዓለምና ብዝምልከት። ኣብ ዝቀልጠፈ ግዜ ናጋሳክን ሂሮሺማን ክበጽሕ እየ። በቲ ዝወረደ ክልተ ኣህለቅቲ ደብዳባት ኣብዘን ክልተ ከተማታት ስለዝሞቱ ክጽሊ እየ። ነቲ ንስኹም ዘቅረብክምዎ ትንቢታዊ ጻውዒት ምዕናው ኑክልያራዊ ኣጽዋር እውን ክጋውሕ እየ። ነቶም ገና ናይዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ታሪኽ ደቂሰባት በሰላ ሒዞም ዝጐዓዙ ዘለው ክረኽቦም ሃረር እብል። ከምኡ እውን ነቶም ናይ ሠለስተ ዕንወታት ግዳይ ዝኾኑ ክርክብ ሃረር እብል። እዚ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሔ ሥቃይ እዚ ንሰብኣውን ክርስትያናውን ግድነት ምሕጋዝ ብነፍስን ብሥጋን ንዝሳቀዩ ንመልእኽቲ ተስፋ ወንጌልን ምፍዋስን ዕርቅን ንኩሉም ምብጻሕን ንዝብል ግዴታና ናይ ተጠንቀቅ ደወል እዩ።  ክፉእ ነገር ናይ ሰባት ምርጫ ኣይገብርን መን መን ምዃኑ እውን ኣይዓጅቦን። በታ ኣዕናዊት ዝኾነት ሓይሉ የዕኑ ጥራይ። ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስን ማይን ብዙሓት ግዳያት ዝገበረን ብዙሕ ንብረት ዘዕነወን እዩ። ነቶም ዝሞቱ እግዚኣአብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቅበሎም ንሥድራቤታት ግዳይ ከጸናንዖም ነቶም ንብረቶምን ገዛውቶምን ዝሰኣኑን እውን ጐይታ ክኽሕሶም ንልምን። ኣብዚ ዓድስ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ድምጻ ሓፍ ኣቢላ ሕይወት ዝዓበየ ውህበት ጐይታ እዩ ኢልና ክንከላኸለልና ነዚ ንክነደንፍዕን ፍርሃት ኣይሰማዓና።

ኣብ ጃፓን ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመላእ ሕብረተሰብ ዝኸውን ንጹር ምስክርነት ወንጌል ክተወፊ ንእትገብርዎ ጸዓሪ ኣተባብዕ። እቲ ብኩሉ ተቀባልነት ዘለዎ ብዙሓት ዝመርጽዎ ቤተክርስትያን እተወፍዮ ኣገልግሎት ትምህርቲ እውን ዓቢ መጋበሪ ስብከተወንጌል ኰይኑ ነቲ ዘሎኩም ዓቢ ኣበርክቶ ኣእምሮን ባህልን በቲ መንነቱን ተልእኮኡን ከምዝውሰን ፍሉጥ እዩ።

ዝተፈላለዩ ጸገማት ሕይወት ንገለ ኣባላት ማሕበረሰብኩም ከም ሓለንጊ ዝገርፉ ጽምዋን ተስፋቊርጸትን ከምዘለው ይረድኣና እዩ። ብተደጋጋሚ ዝረኤ ፈተነ ርእሰ ቅትለትን ምፍርራህ መሳቱን መንፈሳዊ ግድል ከምዝፈጥሩልኩም ርግጽ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ንመንእሰያት ዝትንክፍ ነገራት ኣሎ። ሓደራ ዝብለኩምከስ ንመንእሰያት ፍሉይ ኣተኩሮ ክትገብሮ እንታይ ከምዘድልዮም ኣጽኒዕኩም ርእሶም ዝኽእሉሉ ባህሊ ዘጥርዩሉ ሃዋሁ ክትፈጥሩ ነቲ ካብ ጐይታ ብነጻ ዝተቀበልናዮ ፍቅሪ ምስ ኣሕዋትና ብነጻ ክንካፈሎ እሞ ሓጐስን ዓወትን ዝተጐናጸፈ ሕይወት ንክነብሩ ደግፍዎም። መንእሰያትኩም ኣድላዪ ምንጪ ተስፋ ንርእሶምን ንመሳቱኦምን ክኾኑ ሕያው ምስክርነት ፍቅሪ ክርስትና ሃብዎም። ነተን ፍቅርን ርሕራሔን ስኢነን ዝሳቀያ ባህልታት ምስ ወንጌል ብምዕላስ ስብከተወንጌልኩም ቀጽሉ።

እት ግራት ሰፊሕ ሠራሕተኛታት ግን ውሑዳት ምዃኖም እፈልጥ እየ! ኰይኑ ግን ንሥድራቤት ዘዋስእን ንደቂሰባት ዝኩስኩስን ተልእኮ ሃሰስ ክትብሉን ክተደንፍዑን ከተዕብዩን ኣተባብዓኩም። ንዝኾነ ተልእኮ ሓዋርያነት መበገሲ እቲ ሰባት ዝርከብዎ ቦታ ክከውን ኣለዎ እዚ ከኣ ልማዳቶምን ስራሓቶምን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ከተማስ ይኹን ኣብ ገጠር ኣብ ቦታ ሥራህስ ይኹን ኣብ ዪኒቨርሲቲ ነቶም ሓደራ ዝተዋህቡኹም በቲ ናይ ርሕራሔን ምሕረትን ወንጌል ክተሰንይዎም ሓደራ።

ንኣብያተ ክርስትያናትኩም ክበጽሕን ምስኦም ሓቢረ ንክቅድስን ስለዘፍቀድኩምን እንደገና አመስግነኩም። ጴጥሮስ ኣብ እምነት ከጽናዓኩም ይደሊ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ከአ ንኩነታት ብዓይኑ ክርእን ብኢዱ ክትንክፍን ኣሰር ሰማዕታትኩም ተኸቲልኩም ንክትሕደሱን ስለዝኾነ ጐይታ ነዚ ጸጋ እዚ ክህበኒ ምእንታይ ጸልዩ። ጐይታ ንዓኹምን ንማሕበራትኩምን ይባርኽ።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 November 2019, 17:04