ንሰባት ኣኣብ ዝነብርዎ ረኺብካ ምስባኾም የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንጉጅለታት ዋህዮ ስብከተ ወንጌል
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታት ቊምስናታትና ጸገማት ሓዋርያዊ ጒስነትን ኣብ ግምት ብምእታው ‘ሎሚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምእመናን ካብ ቊምስናታትና እኳ እንተረሓቁ ብግድን ተቀላጢፍና ክንገብሮ ዘሎና ኣኣብ ዘለውዎ ከድና ኣብ ቦታ ሥራሖምስ ይኹን መንበሪኦም ብምኻድ ክንረኽቦም ቃል ወንጌል ክንሰብከሎም ኣሎና። እንተደኣ እቲ ርክብና ብሓቂ ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝነቀለ ኰይኑ ንሕይወቶም ከምዝልውጥ ኣይጠራጠርን ከመይን ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓሙቚ ልብና ምስ ኣተወ ይልውጥ’ እንክብሉ ነቶም ወትሩ ዘይደክም ዝበልዎም ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ነዚ ዋህዮታት ዝመሥረቱ ሎሚ ግን ወዲ ተስዓ ዓመት ቆምስ እውን ምስኦም ከምዝረኸብዎም ተመልኪቱ።
ቅዱስነቶም ነዞም ዓመት ዓመት ዝጋብኡ ካብ ሓሙሽተ ክፍላተ ዓለማት ዝተጋብኡ 6 ሺሕ ሰባት ምስቶም ንልዕሊ 35 ዓመት ቆምስ ናይ ቅዱስ ኤውቶርጅዮ ሰበኻ ሚላኖ ካብ 1977 ክሳብ 2012 ዝነበሩ ኣባ ፕየርጆርጆ ተቀቢሎም እንከመስግንዎም ‘ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ዓመታት ፍረ ጻማኻ ክትርኢ ሃረር ምባል ሰብኣዊ እኳ እንተኾነ ወንጌል ግን ናብ ካልእ ወገን እዩ ዝደፍእ። ብሓቂ እተድኑቁን እትምስገኑን’ ኢኹም ኢሎሞም።
ጐይታ ሓንሳእ ሓንሳእ ፍረ ሥራሕና የርእየና እዩ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ዘጠንቀቆም ነገር እንተልዩ ገለ ዝኾነ ነገር እንተገበርኩም ፍረ እውን እንተረኣኹም ከይትዕበዩን ናታትኩም ከይመስለኩምን ዝተኣዘዝኩምዎ ከምዝገበርኩም ብምዝካር ‘ንሕና ብዙሕ ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና እቲ ዝገበኣና ኸኣ ኢና ገርና’ በሉ ዝበሎ እኳ እንተኾነ ነገሩ ኰይኑ ግን ከምቲ ጐይታ ኣብ ካልእ ምሳሌ ዝብሎ እቶም ተጊሆም ግቡኦም እናፈጸሙ ዝረኽቦም ኣገልገልቲ ብዙሕ ይንእዶም ‘እቲ ጐይታ ባዕሉ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ከምዝገልግሎም’ እውን ይገልጽ። ስለዚኸስ እሙናት ኣገልግሎትን ወትሩ ትጉሃትን ጥንቁቃትን ኰና ምስ እንርከብ ነቲ ዓቢይን መወዳእታ ዘይብሉን ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ብኢድና ክንትንክፎ ብዓይንና ክንርእዮ ንኽእል በዚ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ጐይታ ፍረ ጻዕርና የርእየና።
እዚ ኩሉ ሥራሕ ብ40 ወለንተኛታት ኣብ ቊምስና ኤስቶርጅዮ ሚላኖ ጀሚሩ!
ብ1987 ኣብ ፕየርጆርጆ ምስ ቁሩባት ተሓባበርቶም ትኽክል ንምዃን 40 ብፍቃዶም ብነጻ ዝተወፈዩ ምእመናን ዝጀመርዎ ዋህዮ ሰበኽቲ ወንጌል ሎሚ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለምና በጺሑ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ኰይኖም ኣለው።
ቃል ኣምላኽ ጽን ቢልካ ምስማዕን ምሥጢረ ክርስቶስ ምሥራዕን!
እዚ ተልእኮ እዚ ከቢድ ስለዝኾነ ምስ እትደኽሙ ብኡ ንብኡ ደገፍ ናይቲ መጸናንዒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ለምኑ። ከምዚ ብምግባርኩም ከኣ ነቲ ኣብ ሓይላ ፈጺማ ዘይተተኣማመን ማሕበር ሓይሊ ክስምዓኩም እዩ እንክብሉ ኣተባዕዎም።
ዝኾነ ርክብ ብምስክርነት ሕይወት ክልውጥ ይኽእል!
ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ቊምስናታትና ምልስ ይብሎ እሞ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብሕዙን ቃና ‘ሎሚ ካብ ቊምስናታትና ብዙሓት ምእመናን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ርሒቆም ይርከቡ` ክብሉ ገሊጾም።
ነቶም ዝተሓቱ ናይ ምሕረት ሥራሕ መሰኻኽር ኩንዎም!
ቅዱስነቶም ኣብታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከተ ወንጌል ቀቅድሚ ምጅማሩ ንሓዋርያት ዝመረጸላ ሁመት ምልስ ይብሉ ነቶም ሰብ ትሑት መነባብሮ ዓሳ ብምግፋፍ ዝናበሩ ዝነበሩ ጴጥሮስን እንድርያስን ያዕቆብን ዮሓንስን ኣብ ደንደስ ቀላይ ምስ ረኣዮም ኣተኲሩ ከምዝጠመቶምን ሕይወቶም ከምዝለወጠሎም ይዝክሩ።
ቅዱስነቶም ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እውን ብወርሒ መስከረም 2015 ንኣባላት ናይዚ ዋህዮታት ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ነቲ ሓቀኛ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ዘረጋግጽ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ዓንዲ ማእከሎም ክገብሩ ከምቲ ጐይታ ዝገብሮ ዝነበረ ከኣ ቈላሕታኦም ኣብቶም ትሑታትን ዝተረስዑን ክገብሩ ሓድራ ኢሎምዎም ከምዝነበሩ ይዝከር።
እዚ ኣብ ቊምስናታት ዋህዮታት ናይ ስብከተወንጌል ምምዕባል ኣብ ፕየር ጆርጆ ብ1986 ናብ ኣመሪካ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ሓንቲ ቊምስና ካብ ሓደ ኣብ ኮርያ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰባኬ ወንጌል ዝተቀድሐ ኰይኑ ፍረኡን ቊምነገሩን ብምርኣይ ኣብ ሚላኖ ብ1987 ጀመርዎ ሎሚ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ብዙሕ ቊምስነታት ተዘርጊሑ ብዙሕ ፍረ ስብከተ ወንጌል ዝተረኽበሉን ንብዙሓት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ቊምስናታቶም ርሒቆም ንዝነበሩ ቃል ኣምላኽ ብቀሊሉ ከምዝብሰሩ ዝገብር ዘሎን እዋናዊ ናይ ስብከተ ወንጌል መጋበሪ ምዃኑ ይምስከረሉ።