ድለ

2019.11.18 ጉጅለታት ዋህዮ ስብከተ ወንጌል 2019.11.18 ጉጅለታት ዋህዮ ስብከተ ወንጌል 

ንሰባት ኣኣብ ዝነብርዎ ረኺብካ ምስባኾም የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንጉጅለታት ዋህዮ ስብከተ ወንጌል

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ቊምስናታት ብዋህዮ ስብከተወንጌል ዝፍለጡ ቅድሚ 30 ዓመታት ብኣባ ፕየርጆርጆ ፐሪኒ ካብ ሰበኻ ሚላኖ ዝተመሥረቱ ልዕሊ 6 ሺሕ ዝኾኑ ንዓመታዊ ርክብ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተረኽቡሉ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ተራኺቦም። ቅዱስነቶም ከኣ ‘እቲ ርክብ እንተደኣ ፍረ ፍቅሪ ክርስትና ኰይኑ ንሕይወት ይልውጥ’ እንክብሉ ምኽሮም ለጊሶምሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታት ቊምስናታትና ጸገማት ሓዋርያዊ ጒስነትን ኣብ ግምት ብምእታው ‘ሎሚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምእመናን ካብ ቊምስናታትና እኳ እንተረሓቁ ብግድን ተቀላጢፍና ክንገብሮ ዘሎና ኣኣብ ዘለውዎ ከድና ኣብ ቦታ ሥራሖምስ ይኹን መንበሪኦም ብምኻድ ክንረኽቦም ቃል ወንጌል ክንሰብከሎም ኣሎና። እንተደኣ እቲ ርክብና ብሓቂ ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝነቀለ ኰይኑ ንሕይወቶም ከምዝልውጥ ኣይጠራጠርን ከመይን ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓሙቚ ልብና ምስ ኣተወ ይልውጥ’ እንክብሉ ነቶም ወትሩ ዘይደክም ዝበልዎም ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ነዚ ዋህዮታት ዝመሥረቱ ሎሚ ግን ወዲ ተስዓ ዓመት ቆምስ እውን ምስኦም ከምዝረኸብዎም ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ነዞም ዓመት ዓመት ዝጋብኡ ካብ ሓሙሽተ ክፍላተ ዓለማት ዝተጋብኡ 6 ሺሕ ሰባት ምስቶም ንልዕሊ 35 ዓመት ቆምስ ናይ ቅዱስ ኤውቶርጅዮ ሰበኻ ሚላኖ ካብ 1977 ክሳብ 2012 ዝነበሩ ኣባ ፕየርጆርጆ ተቀቢሎም እንከመስግንዎም ‘ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ዓመታት ፍረ ጻማኻ ክትርኢ ሃረር ምባል ሰብኣዊ እኳ እንተኾነ ወንጌል ግን ናብ ካልእ ወገን እዩ ዝደፍእ። ብሓቂ እተድኑቁን እትምስገኑን’ ኢኹም ኢሎሞም።

ጐይታ ሓንሳእ ሓንሳእ ፍረ ሥራሕና የርእየና እዩ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ዘጠንቀቆም ነገር እንተልዩ ገለ ዝኾነ ነገር እንተገበርኩም ፍረ እውን እንተረኣኹም ከይትዕበዩን ናታትኩም ከይመስለኩምን ዝተኣዘዝኩምዎ ከምዝገበርኩም ብምዝካር ‘ንሕና ብዙሕ ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና እቲ ዝገበኣና ኸኣ ኢና ገርና’ በሉ ዝበሎ እኳ እንተኾነ ነገሩ ኰይኑ ግን ከምቲ ጐይታ ኣብ ካልእ ምሳሌ ዝብሎ እቶም ተጊሆም ግቡኦም እናፈጸሙ ዝረኽቦም ኣገልገልቲ ብዙሕ ይንእዶም ‘እቲ ጐይታ ባዕሉ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ከምዝገልግሎም’ እውን ይገልጽ። ስለዚኸስ እሙናት ኣገልግሎትን ወትሩ ትጉሃትን ጥንቁቃትን ኰና ምስ እንርከብ ነቲ ዓቢይን መወዳእታ ዘይብሉን ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ብኢድና ክንትንክፎ ብዓይንና ክንርእዮ ንኽእል በዚ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ጐይታ ፍረ ጻዕርና የርእየና።

እዚ ኩሉ ሥራሕ ብ40 ወለንተኛታት ኣብ ቊምስና ኤስቶርጅዮ ሚላኖ ጀሚሩ!

ብ1987 ኣብ ፕየርጆርጆ ምስ ቁሩባት ተሓባበርቶም ትኽክል ንምዃን 40 ብፍቃዶም ብነጻ ዝተወፈዩ ምእመናን ዝጀመርዎ ዋህዮ ሰበኽቲ ወንጌል ሎሚ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለምና በጺሑ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ኰይኖም ኣለው።

“ነቲ ካብ መንፈስ ናይቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ጐይታ ኣብ ቅድሜኹም ዝሰርዓልኩም ነገራት ንምስዓብ ኣይትሰልክዩ። ዝኾነ ፍርሂ ናይ ሓደስቲ ነገራት ኣይዓንቅጽኩም። ኣብ ቅድሚ እቲ ዘይተርፍ ዕንቅፋታትን ጸገማትን ስጉምታትኩም ኣይተዝሕሉ። ከመይ ኣብ መንገዲ ስብከተወንጌል ብዙሕ ጸገማትን ዕንቅፋትን ኣይሰኣንን እዩ። ናይ ስብከተወንጌል ሓዋርያ ምስ ኰንካ ወኒ ክጐድል የብሉን ኢሎም።”

ቃል ኣምላኽ ጽን ቢልካ ምስማዕን ምሥጢረ ክርስቶስ ምሥራዕን!

እዚ ተልእኮ እዚ ከቢድ ስለዝኾነ ምስ እትደኽሙ ብኡ ንብኡ ደገፍ ናይቲ መጸናንዒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ለምኑ። ከምዚ ብምግባርኩም ከኣ ነቲ ኣብ ሓይላ ፈጺማ ዘይተተኣማመን ማሕበር ሓይሊ ክስምዓኩም እዩ እንክብሉ ኣተባዕዎም።

“ቊምስናታትና ብብዙሕ ተበግሶታት ተጐቢኤን ትርኢ ኰይኑ ግን ንሕይወት ሰባት ብዕምቘት ክትንክፉ ኣይትርእን። ንዓኹም ዝተዋህበ ተልእኮ እውን ምናዳ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኩለን ቊምስናታትና ክትበጽሑ እዩ። ነዚ ዕውት ዝገብሮ ከኣ ቃል ኣምላኽ ጽን ቢልካ ምስ እትሰምዕን ምሥጢረ ክርስቶስ ማለት ምሥጢረ ሞቱን ትንሣኤኡን ምስ እትሰርዑን እዩ ኢሎም።”

ዝኾነ ርክብ ብምስክርነት ሕይወት ክልውጥ ይኽእል!

ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታት ቊምስናታትና ምልስ ይብሎ እሞ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብሕዙን ቃና ‘ሎሚ ካብ ቊምስናታትና ብዙሓት ምእመናን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ርሒቆም ይርከቡ` ክብሉ ገሊጾም።

“ስለዚኸስ ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምትዕርራይ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ሕጹጽ ጉዳይ እዩ። ንምእመናን ኣብቲ ዝነብርዎን ቦታ ሥራሖምን ብምኻድ ክትውድብዎም ከማ ማሕበር ክርስትያን ክተቁምዎምን የድሊ። ኣብ ሕይወትና ንክርስቶስ እንተደኣ ረኺብና ንገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሕዞ ኣይንኽእልን። ንተመኩሮና ምስ ካልኦት ክንካፈል እንከሎና ወሳኒ እዩ። እታ ቀንዲ ጐደና ስብከተወንጌል ከኣ እዚኣ እያ። ሓደ ሰብ ኣብ እትረኽቡሉ ግዜ ንሕይወት ሓደ ሰብ ክልውጥ ዝኽእል ታሪኻዊ ርክብ ምዃኑ ኣይትረስዑ። ነዚ ከኣ ንክተስድዑ ብዝብል ሓሳብ ከይትገብርዎ ሓደራ ወትሩ ብምስክርነት እዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሎም።”

ነቶም ዝተሓቱ ናይ ምሕረት ሥራሕ መሰኻኽር ኩንዎም!

ቅዱስነቶም ኣብታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከተ ወንጌል ቀቅድሚ ምጅማሩ ንሓዋርያት ዝመረጸላ ሁመት ምልስ ይብሉ ነቶም ሰብ ትሑት መነባብሮ ዓሳ ብምግፋፍ ዝናበሩ ዝነበሩ ጴጥሮስን እንድርያስን ያዕቆብን ዮሓንስን ኣብ ደንደስ ቀላይ ምስ ረኣዮም ኣተኲሩ ከምዝጠመቶምን ሕይወቶም ከምዝለወጠሎም ይዝክሩ።

“ኣብ ዘመንና እውን እቲ ርክብና እንተደኣ ብሓቂ ናይ ፍቅሪ ክርስትያን ፍረ ኰይኑ ልክዕ ከምኡ ይድገም ሕይወት ይቅየር ከመይ ፍቅሪ ክርስትያን ልቢ ሰባት ይትንክፍ ካብ ዕምቘት ከኣ ይልውጥ። ምስክርነትኩምከስ ምስክርነት ምሕረት ይኹን። በዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሑታት እትገብርዎ ቈላሕታን ጠመተን ከምቲ ናይ ኢየሱስ ኰይና ሕይወት ትልውጥ ትኹን እንክብሉ ኣሰናበትዎም።”

ቅዱስነቶም ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እውን ብወርሒ መስከረም 2015 ንኣባላት ናይዚ ዋህዮታት ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ነቲ ሓቀኛ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ዘረጋግጽ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ዓንዲ ማእከሎም ክገብሩ ከምቲ ጐይታ ዝገብሮ ዝነበረ ከኣ ቈላሕታኦም ኣብቶም ትሑታትን ዝተረስዑን ክገብሩ ሓድራ ኢሎምዎም ከምዝነበሩ ይዝከር።

እዚ ኣብ ቊምስናታት ዋህዮታት ናይ ስብከተወንጌል ምምዕባል ኣብ ፕየር ጆርጆ ብ1986 ናብ ኣመሪካ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ሓንቲ ቊምስና ካብ ሓደ ኣብ ኮርያ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰባኬ ወንጌል ዝተቀድሐ ኰይኑ ፍረኡን ቊምነገሩን ብምርኣይ ኣብ ሚላኖ ብ1987 ጀመርዎ ሎሚ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ብዙሕ ቊምስነታት ተዘርጊሑ ብዙሕ ፍረ ስብከተ ወንጌል  ዝተረኽበሉን ንብዙሓት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ቊምስናታቶም ርሒቆም ንዝነበሩ ቃል ኣምላኽ ብቀሊሉ ከምዝብሰሩ ዝገብር ዘሎን እዋናዊ ናይ ስብከተ ወንጌል መጋበሪ ምዃኑ ይምስከረሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 November 2019, 14:05