ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኢጐነት ኣብ ዘለሉ ሕይወት የልቦን

እቲ ሎሚ እንነብሮ ምድራዊት ሕይወትና እንኰ ኣድማስ ሕይወት ኣኰነን፡ ክንየው ሞት ሕይወት ዝብል ኣድማስ ኣሎ

ሰንበት ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፡ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 20 ካብ ፍቕዲ 27 ክሳብ 38 ዝተወስደ ምንባበ ኣሞኵይዞም፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፡ ምድራዊ ሕይወት እንኰ ማዕዝን ሕይወት ኣይኰነን፡ ክንየው ምድራዊ ሕይወት ንዘሎ ማዕዝን ምጽባይ የድሊ ቢሎም፡ እግዚኣብሔር ሕይወት የፍቅር፡ ነቲ ሓቀይና ርክብን ምትእስሳርን ኣብ ተኣማንነት ዝግለጽ ሕይወት ኵሉ ከማዕድው ብኣጽኖዖት ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ትንሳኤ ሙታን እንገልጾ ተኣምኖተ ሃማኖት፥ ናይ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሒር ማእክል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 20 ካብ ፍቕዲ 27-38 ዝተወስደ ምንባብ ኢየሱስ ምስቶም ትንሳኤ ሙታን የልቦን ዝቢብሉ ሰዱቃውያን ዘካይዶ ዘተ ዝዛረብ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ሸውዓተ ኣሰብኡት ዘኣተወት ብትንሳኤ ሙታን ሰበይቲ መኖን ክትከውን እያ? ዝብል ሰላሕታዊ ሕቶ የቕርብሉ፡ ኢየሱስ ግና ካብቲ ናይቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ሞጐት ውጻኢ፡ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የውስቡን ይዋሰቡን፡ እዮም፡ እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንስኤ ሙታንን ምውራስ ዚበቕዑ ግና ኣየውስቡን ኣየዋስቡን ኣያቶም፡ ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑ ድሕሪ ደግሚም ኪሞቱ ኣይክእሉን እያቶም፡ ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝዀኑ ድማ ደቂ ኣምላኽ እያኦቶም እንክብል ይምልሰሎም።

ኢየሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ፡ ነቶም ዝሓትዎ ዝነበሩ ሰዱቃውያን ሎሚ እውን ንኣና፡ እቲ ሎሚ እንነብሮ ምድራዊት ሕይወትና እንኰ ኣድማስ ሕይወት ኣኰነን፡ ክንየው ሞት ሕይወት ዝብል ኣድማስ ኣሎ፡ ደጊሙ ሞት ዘይፈልጦ፡ ኣብቲ ደቂ እግዚኣብሔር ምዃንና ዝግለጽ እዩ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሶቲ ኣስዒበን፡

ናይ ሕይወትና ዕጫ እንታይ ኰን ይኸውን?

ናይ ኢየሱስ ቃል፡ ድሕሪ ሞት ሕይወት ከምዘሎ የረጋግጸልና፡ ዓቢይ ምጽንናዕን ተስፋን ይህበና፡ ኣብቲ ምድራዊ ሕይወትናን ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልየና ተስፋ ንሱ እዩ፡ ናይ ትንሳኤ ሙታን ተኣምኖተ ሃይማኖት፡ ናይታ ዘለዓለማዊ ሕይወት መሰረት ኣብቲ ናይ ሕይወት ጐይታ ኣብ ዝዀነ እግዚኣብሔር ተኣማንነት ዝብል እዩ፡ ኣብቲ እቶም ሰዱቓውያን ንኢየሱስ ዘቕርብሉ ሕቶ ዝተሓብኤ ነገር፡ እታ ሰበይቲ ድሕሪ ዘእተወቶም ሸውዓውተ ኣሰብኡት ኣብ መግስተ ሰማያት ናይ መኖም ክትከውን እያ ዝብል መስቀላዊ ሕቶ፡

እዚ እቶም ሰዱቃውያን ዘቕረብዎ ሕቶ ናይ ኵሉ እዋን ሰብኣዊ ፍጥረት ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ዘቕርቦ ሕቶ ዝውክል እዩ፡ ናይ ሕይወትና ናይ ሕይወተይ ዕጫ እንታይ ኰን ይኸውን? ባዶነት ወይ ውን ሞት ኣዩ?

ርክባት ዝህልዎ ሕይወት ከምህሉ፥ ተኣምኖተ ሃይማኖት

ኢየሱስ ሕይወትና ናይ ጐይታ ከምዝዀነ ይነግረና፡ ናይቲ ዘፍቅረና ምሳና ምትእስሳር ዘለዎን፡ እግዚኣብሔር ናይ ህያዋይን እምበር ናይ ሙታን ኣምላኽ ኣይኰነን፡

ህልውና ሕይወት ኣብቲ ምትእስሳርን ሱታፌ ሕውነትን ኣብ ዘለሉ እዩ፡ ካብ ሞት ኣዚዩ ብርቱዕ ዝዀነ ሕይወት ዝሕነጽ ኣብ ተኣማንነት እውነተይና ርክብን ምትእስሳርን እዩ፡ ብተቓራኒ ኣብ ገዛእ ርእሳወትን ከም ደሴታዊ ኣብ ምንባር ሕይወት የሎን፡ እብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ሞት እዩ ዝዕብልል፡ ኢጐነታውነት፡ ንገዛእ ርእሰይ እየ ዝነብር ምስ እንብል ሞት ኢና እንዘርእ

ከምዝበሉ ገሊጸን፡ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቅድስተ ማርያም፥ ብትንሳኤ ምዉታንን ብዚመጽእ ናይ ዘለዓለም ሕይወትን ተስፋ ንኽንብር ትደግፈና ቢሎም፡ ሓደራ ክንየውነት ዝጽበዩ ንኹን ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኢጐነት ኣብ ዘለሉ ሕይወት የልቦን
11 November 2019, 17:46