ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ጸባዖት ድሕነት፥ መኣዛ ፍቕሪ ንኢጐነትን ምግምማዕን ጸረ ሕንዚ እዩ ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ጸባዖት ድሕነት፥ መኣዛ ፍቕሪ ንኢጐነትን ምግምማዕን ጸረ ሕንዚ እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ጸባዖት ድሕነት፥ መኣዛ ፍቕሪ ንኢጐነትን ምግምማዕን ጸረ ሕንዚ እዩ

እቲ ናጻ ዝዀነ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ኣብ ምግልጋል ዝግለጽ ፍቕሪ መባዅዕቲ ጥራሕ ዘይኰነ ልክዕ ከምቲ ሓድሽ ዝተሰንከተ ህብስቲ ሃነን ዘብል ዘምዕዞ ጥዑም ሽቶ እዩ ክኸውን ዘለዎ

ኣብቲ ምግምማዕን ኢጐነትን ኣብ ዝረአይሉ ዓለም ነቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ብምድጋፍ ዝስትርአይ ቅድስና ምምስካር ኣገዳሲ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ንናይ ጸባዖተ ድሕነት ማሕበር ላዕለዋይ ኣዛዚን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ተሓብበርቶም ዓበይቲ ኣካላትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ 1865 ዓ.ም. ክርስትና ንምስፋሕን ንድኻታት ድጋፍ ምቕራብ ብዝብል ዕላማ ብዊሊያም ቦተ ዝቖመ ማሕበር ጸባዖት ድሕነት ዋና ኣዛዚ ጀነራል ብራይን ፐድለን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ናይቲ ማሕበር ላዕለዎት ኣካላትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ መንጐ ካቶሊካውያንን ኣባላት ጸባዖት ድሕነትን ወትሩ ፍቅሪ እግዚኣብሔርን ብግብረ ሰናይን ኣብ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ዝምስከር ዓቢይ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ክህሉ ዝከኣል ጥራሕ ዘይኰነስ ኣገዳሲ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ማሕበር ናይ እሙን ፍቕሪ ትእምርቲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ

ቅዱስነቶም ገና ወዲ ኣርባዕተ ዓመት እንከለዉ ኣገዳስነት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ዓባዮም ዝረኸብዎ ሕንጸት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብነት ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ወለድን ብሓቂ ኣብ ትሑት ኣገልግሎ ዝንበር ዝነበረ ብምዃኑ ካብ ቃላት ንላዕሊ ኣንደበተ ርቱዕ እዩ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ምስ ማሕበር ጸባዖት ድሕነት ዋና ኣዛዚ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ቅድስና ሰገር ዝዀነ ይዅን ዓይነት ሃይማኖት እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ቅድስና ብጭቡጥ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ተግባር ዝግለጽን ዝንበርን እዩ፡ እዚ ዓነትት ኣስተርእዮ ቅድስና ንልቢ ዝዛረብ ሓዋርያት ናይ ምዃን ዝሓትቶ ሓቀይና ትጽቢት እዩ ሓዋርያት ምዃን ዝጠልቦ እዩ ከምዝበሉ ገሊጸን።

መንእሰያት ናይቲ ኢቅድመ ኩነታዊ ፍቕሪ ድልየት ክህልዎም

ካቶሊካውያንን ጸባዖት ድሕነትን ንሓድ ሕዶም ብምክብባር ሕድ ሕዳዊ ምትሕብባር ከምቲ ኣብ ወንጌል እነንብቦ ኣብ ዓለም መባዅዕቲ ናይ ምዃን ብዘረጋግጽ ፍቕሪ ክምስክሩ ከምዘለዎም ከመላኽቱ እንክለዉ፥

እቲ ናጻ ዝዀነ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ኣብ ምግልጋል ዝግለጽ ፍቕሪ መባዅዕቲ ጥራሕ ዘይኰነ ልክዕ ከምቲ ሓድሽ ዝተሰንከተ ህብስቲ ሃነን ዘብል ዘምዕዞ ጥዑም ሽቶ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ዝማርኽን ዘእምንን፡ ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ናይዚ ዓይነት ፍቕሪ እዚ ተመክሮ ስለ ዘይብሎም ንኣኣቶም እዚ ዓይነት ፍቕሪ’ዚ ምቕራብ የድሊ፡ ኣብዚ ኢጐነትን ምግምማዕን ኣብ ዝተመልኤ ዓለም ብትኽክል ንኢጐነትን ምግምማዕን ጸረ ሕንዚ ዝዀነ ህላውነትና ንሰገርነት ዘርህው ኢቅድመ ኩነታዊ ናይ ዝዀነ ክቡር ፍቕሪ ሸውሃትን ድልየትን ክህልዎም ምድጋፍ።

ሮማ ንዝርከቡ ግዳም ሓደር ኣሕዋትን ኣሓትን ንምድጋፍ ህርኩት ናይ ሓባር ጻዕሪ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ከም ናይ ሮማ ጳጳስ፡ ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ግዳም ሓደርን ዝተረስዑን ዝተሓረጉን ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ማሕበር ጸባዖት ድሕነት ዝህቦ ዓቢይ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንኢዶም ብምምስጋን ወትሩ ንቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን ቀረባ ብምዃን ዝወሃብ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ካብ ቃል ንላዕሊ ኣንደበተ ርቱዕ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ጸባዖት ድሕነት፥ መኣዛ ፍቕሪ ንኢጐነትን ምግምማዕን ጸረ ሕንዚ እዩ
09 November 2019, 17:53