ድለ

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ዕለታዊ ሕይወት ዘስዕቦ ድኻም ኵሉ ዝተመከሩ ናይ ህልውነት ዓወታትን ውድቀትን ገዛእ ርእሶም ኣብ ጐይታ ዘዅኖም ሓይሊ ረኺቦም ዝጓዓዙ እያቶም

ዕለት 1 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክብረ በዓል ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 12 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፡ ብዙሓት ናይ እግዚኣብሔር ህላዌ መርኣያ ወይ ውን ነጸብራቕ ዝዀኑ ኣብ ቀረባና ብዙሓት ቅዱሳት ከምዘለዉ ዘዘኻኽር ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይ ኵሉ ዘመን ናይ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ሓይልን ጽባቔን ኣዘኻኺሮም፡ እዞም ቅዱሳት እዚኣቶም ተራ ትእምርትን ካብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝረሓቑን ዘይብጽሑን ኣይኰኑን፡ በንጻሩ ኣብ ጭቡጥ ኵነት ብኽልተ ኣእጋሮም ደው ቢሎም ዕለታዊ ሕይወት ምስቲ ኵሉ ዝፈጥሮ ኵነት ዝነበሩ ምዃኖም ክገልጹ እንከለዉ፥

ዕለታዊ ሕይወት ዘስዕቦ ድኻም ኵሉ ዝተመከሩ ናይ ህልውነት ዓወታትን ውድቀትን ገዛእ ርእሶም ኣብ ጐይታ ዘዅኖም ሓይሊ ረኺቦም ዝጓዓዙ እያቶም

ቢሎም፡ ብዓብይ ገርሄይናነትን ንነፍሲ ወከፍና እቲ ምድራዊ ሕይወት ጉዕዞ ብኸመይ ክንበር ከምዘለዎ ብቓልን ሕይወትን ኣብነት እያቶም።

ዓወትን ውድቀትን ናይ ዕለታዊ ሕይወት ድኻምነትን ኩሉ እናነበሩ ሕይወቶም ንቕድሚት ከምርሑ ዘኸእሎም ካብ ዝወደቕሉ ዘተንስኦም ሓይሊ ካብ ጐይታ ረኺቦም ጉዕዞኦም ዝመርሑ እያቶም፡ እዚ ናይቲ ብናጽነት መልሲ እንህበሉ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ጻማ እዩ፡ ስለዚህ ቅድስና ጸጋን ጸዋዕታን እዩ

 ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ካምፓኒለ ኣስዒበ፡

ቅድስና ጸጋን ጸዋዕታን እዩ

ቅዱነቶም፥ ቅድስና ጸጋ ኣብ ምዃኑ ብዘለዎ ክብሪ መሰረት ናይ ንግድ ኣቕሓ ዘይኰነስ ሕይወት ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፥

ቅድስና ኣብ ዕዳጋ እንሽምቶ ናይ ንግድ ኣቕሓ ኣይኰነን፡ በቲ ብጸጋ ጥቅመት ብዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ናይ መለኰት ሕይወት ብምስታፍ ሓንጐፋይ ቢልና እንቕበሎ ጸጋ እዩ፡ ኣብ ክርስቶስ ዝተሳዃዕና ምዃንና ወትሩ ብእነማዕብሎ ምስትውዓል ዝበስል ኵነት እዩ፡ …

ቅድስና ጸዋዕታ እዩ፡ ስለዚህ ዕለታዊ ሕይወትና ኣብ ጐደና ቅድስና ንኽንመላለስ ሓላፍነት ክስምዓናን ብጽንዓትን ብፍቕርን ብግብረ ሰናይን ንኽንነብሮ እነአንግዶ ጸዋዕታ እዩ፡

ስለዚህ ቅድስና ጸጋ ከም ምዃኑ ጸዋዕታ እውን እዩ፡ ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ናይ ሓባር ጸዋዕታ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኣብ ናይ እምነት ጐደና ናብቲ ሸቶ ዝዀነ ምስ እግዚኣብሔር ናብ ዝንበር ዘለዓለማውነት እናማዕደና ናብ ምልኣት ሕይወት እንጓዐዘሉ መገዲ እዩ፡ በዚ ኣገባ’ዚ ኣቢልና ነቲ ናይ እግዚኣብሔ ጸጋ እንህቦ መልሲ እዩ፡ ስለዚህ ብእንቕበሎ ሓላፍነት ዝስትርኣይ እዩ። ቅድስና ጸጋን ጸዋዕታን ሓላፍነት እውን እዩ።

ናብ ሰማየ ሰማያት ዝጥምታ የዕይንቲ

ናብ ቅዱሳትን ቅዱሳንን ኣቢልካ መሬት ናብ ሰማየ ሰማያት እትጥምተሉ፡ ኣብዚ ድኻም ዝተመልኦ ኣብ ናይ ምድራዊት ከተማ ሕይወት ጉዕዞና ናብታ ሸቶ ዝዀነት ሰማያዊት ቅድስቲ ቤትና እናጠመትና እንጓዓዝ ኢና፡

ቅዱሳትን ቅዱሳንን፡ ኣብ ሕይወቶም መለኰታዊ ብርሃን ዘድልዮም ምዃኑ ነዚ መለኰታዊ ብርሃን ገዛእ ርእሶም ኣወኪፎም ብተኣማንነት ዝጓዓዙ ሎሚ ክብርን ምስጋናን መንግስቲ ኣምላኽ እናዜሙ ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚኣብሔር ዘውዲ ፊት ዝነብሩ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን  እያኦቶም። ብሕይወቶም ተነቓቂሕና ንኽንነብር  ሕይወቶም ኣናጠመትና ንነብር፡ ከምኣቶም ናይ ጥቓውነት ቅድስና ኣብነት ዝዀኑ ኣብ ጥቓናን ቀረባናን ዝነብሩ ናይ እግዚእብሔር ህላዌ ነጸብራቕ ዝዀኑ ብዙሓት እያቶም፡

ቢሎም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣሔር መሪሖም ከዘዕረጉ ኣፍሊጠን።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር
02 November 2019, 17:21