ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ርእየት (ቪድዮ) መልእኽቲ እንከመሓላልፉ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ርእየት (ቪድዮ) መልእኽቲ እንከመሓላልፉ 

ኣደንፋዕቲ መንፈስ ሓድነት ክርስትና ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንማሕበር ባሕረኛታት ክርስትያን

ንመበል 11 ግዜኡ ብዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ታይዋን ዝጋባእ ንዘሎ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ማሕበር ባሕረኛታት ክርስትያን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ሰላም ወሠናይ መልእኽቲ ርእየት ማለት ቪድዮ ልኢኾም። ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታ ነቲ እዚ ማሕበር እዚ ዝህቦ ኣገልግሎት ባሕሪ ንኩሉ ሽግራት ሰጊሮም ብዝተሓደሰ መንፈስ ክገብርዎ ኣተባቢዖም። እዚ ማሕበር እዚ ከም ማሕበር ክርስትያን 50 ዓመታት ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝሃበ እውን ይምልከት።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኢንተርናሽናል ክርስትያን ማሪታይም ኣሶሽይሽን ብኣይሲኤሜ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ዓለም ለኸ ማሕበር ባሕረኛታት ክርስትያን ብ1969 ዝተመሥረተ ኰይኑ ኣብ 125 ሃገራት ዓለምና ተዘርጊሑ ንኩለን ኣብ ባሕሪ ኣገልግሎት ዝህባ ዘይመንግሥታውያን ድርጅታት እናኣተሓባበረ ይነጥፍ። ኣብ ዝተፈላለይ ግዝያት ኮፈርሳንትን ጉባኤታትን እናኣካየደ ኸኣ ንጥፈታቱ ይግምግም።

ንሎምዘመን እውን መበል 11 ኮንፈርንሱ ኣብ ኮህስዩንግ ታይዋን ካብ ዕለት 21 ክሳብ 25 ጥቅምቲ የካይዱ ኣለው። ንሎም ዘመን ከም መሪሕ ቃል ዝመርጽዎ ከኣ ’50 ዓመት ኣብ ሓባራዊ ሥራሕ ምስ ባሕረኛታት ገፈፍቲ ዓሣን ምስ ሥድራቤታቶምን’ ዝብል እዩ። እዚ ከኣ ንእግረ መንገዶም መበል ሓምሳ ዓመት ምሥረታ ናይቲ ማሕበር እውን ዘኪሮም። ነዚ ከኣ ቅዱስነቶም ‘ኣብ ባሕሪ ንዝርከቡ ሰባት ንእትህብዎ ኣገልግሎት ብዝተሓደስ ሓድነታዊ መንፈስ ክርስትያን ክትቅጽልዎ ሓደራ’ እንክብሉ ንነፍሲወከፎ ተላቢዮም።

ንባርሕረኛታት ዝብርከት ሓገዝ ውጽኢታዊ ክኸውን የድሊ!

ቅዱስነቶም ብፍራንቸስካዊ ቋንቋ ‘ሰላም ወሠናይ’ እንክብሉ ንነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ኮንፈርንስ ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ ኣብዘን ናይ ኣስተንትኖን ርክብን ዕለታት ቢሎም ዝገልጽወን መዓልታት ከኣ ንነፍሲወከፎም ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም። ንባሕረኛታትን ገፈፍቲ ዓሣን ሥድራቤታቶምን ንዝውፈ ሓገዝ ኣለሊኻ ንምኽኣልን ውጽኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንክገብርዎ ዝጭበጥ መደባት ክህንጽጹን ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ንተጋባእቲ ዘዘኻኸርዎ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብ1997 እስተላ ማሪስ ኮኸብ ባሕሪ ብዝብል ኣዋጅ ንሓዋርያዊ ተልእኮ ስብከተወንጌል ንባሕረኛታት ብዝምልከት ንዝሃብዎ መምርሒ እዩ። እዚ ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዝፍለጥ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዚ ነቶም ሕይወቶም ምስ ባሕሪ ዝተታሓሐዘ ባሕረኛታትስ ይኹን ገፈፍቲ ዓሣ ከምኡ እውን ሥድራቤታቶም ከምኡ ብባሕሪ ንዝጐዓዙ ብዝምልከት ንዘድሊ ሓዋያርዊ ጒስነትን ኣገልግሎትን ንጹር መምርሒ ሂቦም ነሮም።  ኣብ ቁጽሪ ክልተ ናይቲ ኣዋጅ `እዞም ሰባት እዚኦም ናብ ቅድስና ገጻ እትጐዓዝ ሕይወት ንክመርሑ ዘድሊ መጋበሪ ኩሉ ክቅረበሎም ዘዘኻኽር ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቃል ተልእኮ ማሕበር ባሕረኛታት ክርስትያን ንኩሉ ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባልን መንፈስ ሓድነት ክርስትያንን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ተልእኮ ምቅባልን መንፈስ ሓድነት ክርስትያንን!

ቅዱስነቶም ካብታ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብምብጋስ ንነፍሲ ወከፍ ተጋባኢ ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት የቅርቡ። ‘ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ጉባኤ ዝርከብ ተወካሊ ናይተን ዝተፈላለያ ማሕበራት ክርስትያን ዝተፈላለየ ልምድታት እኳ እንተለዎም እቲ ቀንዲ ተልእኮ ኣብ ባሕርን ምሳኡ ኣብ ዝተኣሳሰርን ኩነታት ዝነብሩ ደቂ ሰባት ብኸመይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክፈልጡ ከምዘለዎምን ከመይ ኢሎም ሕይወቶም ብትምህርቱ ክመርሑ ከምዘለዎምን ንምህጋዝ ኮይኑ እዚ ነንሕድሕዶም እናተኻባበሩን እናተቀባበሉን ክኸውን ከምዘለዎ የዘኻኽሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንዘጓንፎም ኩሉ ጸጋማት በዲሆም ብምሉእ ልቦም መንፈስ ሓድነት ክርስትያን ከደንፍዑ የተባብዑ።

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም ብጸሎት ወትሩ ከምዘሰንይዎም ብምግላጽ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ዛዚሞም። ንኩሎም ምስጋና ምስ ኣቅረቡ ከኣ ወትሩ ከምዝገብርዎ በጃኻትኩም ምእንታይ ምጽላይ ኣይትረስዑ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 October 2019, 17:52