ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እምነትና ኣብ ቤተ ንዋየ ቅዱሳት ኣይኰናን እንነብሮ

እግዚኣብሔር ዝሓተትና ስለ ወንጌል ኵሉ ንምጻር ሕይወትና ኣብ ዓውዲ ተልእዀ ወንጌል ንኸነሳትፍ እዩ

ዕለት 1 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ  ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሪሖም ብዝተስተፍሉ ጸሎተ ዘሰርክ ወርሒ ጥቅምቲ ፍሉይ ወርሒ ንተልእዀ ወንጌል ኰይኑ ክሕሰብ ዝሃብዎ ውሳኔ ብወግዒ ከምዘበገሱ ክፍለጥ እነክሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ዝተሓጽረን ዝተሓለወን ደብሪ ዘይኰነስ ወትሩ ናይ ምድሪ ጨውን ናይ ዓለም መባዅዕትን ክትከውን ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቦም፡ ሕይወት ጸጋ እምበር ጾር ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ እትብል ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽን ልእኽቲ ወንጌልን ቤት ሰማእታት መሰኻኽር እምነትን እያ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መላእ ዓለም ብዝውክል ሕብሪ ተኸሊዑ ምርእዩ ዓለም ሎሚ እውን ናይ ኢየሱስ ስብከትን ናይ ክርስቶስ ተስፋን ከምዘድልዮ ዝምስክርን እዚ ድላይ እዚ እውነተይና ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተመልኡ ናብ ጫፍ ምድሪ ዓለም ንኽለኣኹ ኣብ ኢየሱስ ምሉእ ምትእምማን ኣብ ምግባር ዝተቡዑን እምነቶም ኣብኡ ኣንቢሮም መሰኻኽር ዝሓትት እውን እዩ፡ ንኣባላት ማሕበር ደናግልን፡ ገዳማውያን ንኽልተ ዓለማውያን ምእመናን ቅዱስነቶም መስቀል ኣረኪቦምን፡ ኣብቲ ዘካይድዎ ተልእዀ ወንጌል ከይፈርሑ ኣብቲ መስቀል ጸግዒ ክረኽቡ ሓደራ ቢሎም፡ እቶም ልኡካነ ወንጌል፡ ናብ ብራዚልን ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐን ካዛኪስታንን ካምቦጃን ታይዋንን ባንግላድሽን ኪርጊዚስታንን ዝለኣኹ ከምዝዀኑ ካፐሊ ሓቢረን።

ንሰናይ ንጡፋት እምበር ናይ እምነት ሳምዕተይና ዘይምዃን

ዝተጠምቁን ዝተላእኵን፡ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ልኽእቲ ወንጌል ብዝብል መርሕ ቃል ጥቅምቲ ፍልዩ ናይ ተልእዀ ወንጌል ወርሒ ኰይኑ ክሕሰብ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ዕለቱ ዝኽሪ ናይ ተልእዀ ወንጌል ሓላዊት ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዘ ዝበዓለሉ ዕለት እውን ምዃኑ ዘኪሮም ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፡

እግዚኣብሔር ዝሓተትና ስለ ወንጌል ኵሉ ንምጻር ሕይወትና ኣብ ዓውዲ ተልእዀ ወንጌል ንኸነሳትፍ እዩ፡ ፍልዩ ወርሒ ተልእዀ ወንጌል ንሰናይ ንጡፋት እምበር ናይ እምነት ሳምዕተይናን ዘበዐይና ጸጋታትን ዘይኰነስ ልኡካነ ወንጌል ንኸይንኸውን ዝድርኽ እዩ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ካፐሊ ኣስዒበን፡

ልኡካነ ወንጌልን መሰኻኽርን ሰማዕታትን

ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምስ እተስተማቕርን ዕለታዊ ተመክሮ ምስ እትገብሮ ኣብ ሸለልተይናነትን ዓባስነትን ድስክልናን ምትራፍ ዘይከኣል እዩ፡ ኣብዚ ፍሉይ ወርሒ ተልእዀ ወንጌል፡ ከም መሰኻኽር ኣብዚ ተልእዀ’ዚ ክሳብ ክንደይ ስንድዋት ኢና ቢልና ገዛእ ርእስና ንኽንሕትት ክዕድሙ እንከለዉ፡

መሰኻኽር ዝብል ቃል እቲ ቀንዲ መፍትሕ እዩ፡ ምስክርነት ዝብል ቃል ምስቲ ሰማዕትነት ዝብል ቃል ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ሰማዕታት ቀዳሞት ናይ እምነት መሰኻኽር እያቶም፡ ብቓል ዘይኰነ ብሕይወት፡ እምነት ግብረ ነዝሒ ወይ መስድዒ ሃይማኖት ኣይኰነን፡ ናይ ሕይወት ጸጋ እዩ፡ ሰማዕታት፡ ከምቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ፡ ጸላእቶም እውን ከይጐሰዩ ንዅሎም እናፍቀሩ ሰላምን ሓሴት ዘስፍሑ እያቶም።

ሓዲግ ምዃን ጸረ ተልእዀ እዩ

ሰናይ ክትገብር እናተገበኣካ ከይገበርካዮ ምትራፍ ሓጢኣት እዩ፡ ግዳይነት ጸረ ተልእዀ እዩ፡ ብዛዕባ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ዕሚም ምባልን ናይ ፍርፍሒ ጊልያ ምዃን እዩ፡ እዚ ዅሉ ጸረ ተልእዀ እዩ፡ ሕይወት ከም ሓደ ከበድ ክንርእዮን፡ ኣክንዲ እቶም ክፍቀሩ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ገዛእ ርእስናን ድኻምናን ከነማእክል እንከሎናን፡

ምስ ኢየሱስ ዘሎ እቲ ዝውፈይ ኵሉ ዘለዎ እዩ፡ ዝውፈይ ዝውንን፡ ሕይወት ናይ ምውናን ምስጢር፥ ሕይወት ኣብ ምውፋይ እዩ፡ ሕይወት ኣብ ምውፋይ ኢኻ እትውንና፡ ኣብ ግድፈት ምንባር ጸዋዕታና ምኽሓድ እዩ ዝኸውን፡ ሓዲግ ምዃንን ግድፈትን ጸረ ተልእዀ ምቛም እዩ።

እትወጽእ ቤተክርስቲያን - ናብ እትብል

ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ልእኽቲ ወንጌል ንኽትከውን ዝተጽውዔት እያ፡ ብፍቅርን ትሕትናን ሞሳን ንቕድሚት እትጓዓዝ፡ ዘይትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያን ኣይኰነትን፥

እትወጽእ፡ ልእኽቲ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ መልቀስ ዘይትነብር እያ፡ ከም ቀደም ምእመናን የለዉን ቀደም ዝነበር ዕሴት ሎሚ የሎን እናተባሃለ ብምንፋቕ ዝልቀሰላ ቤት ኣይኰነትን፡ ንምድሪ ጨው ንዓለም መባዅዕቲ ንኽትከውን ዝተጸውዔት እያ፡ ሓይልና እቲ ናይ ኢየሱስ ሓይሊ እዩ፡ ማሕበራውን ተቕዋማውን ክብሪ ዘይኰነ ናይ ፍቕርን ትሕትናን ሞሳን ቤት እያ።

ኵሉዓት ልኡካነ ወንጌል

ኣብዚ ፍልዩ ወርሓ ተልእዀ ወንጌል’ዚ፥ ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳቨሪዮን ናይ ጳጳሳዊ ናይ ተልእዀ ወንጌል ማሕበር ፈላሚ ክቡር ኣባ ፓኡሊነ ጃሪኮትን ጠቒሶም፥

ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቲ ኣብ መንጐ ሕይወትን ወንጌልን ዝፍጠር ምግምማዕ ንኽስገር ዝድግፍ ክምዝዀነ ገይርና ንንበሮ፡ ሓደራኹም እምነት ኣብ ነዋየ ቅዱሳት እንነብሮ ኣይዅን፡

ጐይታ ንዓኻ እውን ይጽውዓካ ኣሎ

ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ማንም ንጹል ኣይኰነን፡ ናብቲ ተስፋን ሰብኣዊ ክብርን ኣብ ዝጐደለሉ ስፍራ ኵሉ ንኸነብል፡ … ብዙሕ ሕዝቢ ብዘይ ናይ ወንጌል ሓሴት ይነብር ስለ ዘሎ ናብኡ ንኸነብል መታን መንፈስ ቅዱስ ድሮ መገድታቱ ኣቕኒዑልና እዩ፡ ኣብዚ ተልእዀ’ዚ ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ ጽዉዕ እዩ፡

ንኣኻ ኣቦ ስድራን ንኣኺ ኣደ ስድራን፡ ንኣኻ መንእሰይ ዓበይቲ ነገራት እትሓልምን፡ ንኣኻ ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮ ዝተዋፈርካ፡ ንኣኻ ኣብ ቤት ሕክምና ንእትርከብ ኣብ ዓራት ሕሙማን ንዘለኻ፡ ኣብቲ ዘለኻሉ ስፍራ ኵሉ ነቲ ጥቓኻ ዘሎ ከምቲ ዘለኻእዮን ኵነትካን ኣብቲ ዘለኻዮን ጸጋ ኰይንካ ንኽትርከብ ጐይታ ይጽውዓካ ኣሎ። ሕይወት ክትጾራ ዘይኰነስ ከተወፍያ፡ ብናይ ዝሳቐይ ሓው እትቕረጽ ሕይወት፡ ጐይታ ካባኻ ብዙሕ እዩ ዝጽበይ፡ ትብዓት ይሃልኻ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን፡ ቅድሚ ጸሎተ ዘሰርክ ኣብ ምልዋጥን ኣገልግሎትን ወንጌላዊ ልኡኽነት ዘተኰሩ ቃል ምስክርነት ከምእተሰምዔን፡ ኣብ ሞንጐሊያ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ሩፊናን ኣባ ግበኒ ተወላዲ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ሓንቲ ድንግል ካብ ፓፑዋ ነው ጊኒን ቃል ምስክርነት ከምዘስምዑ ምልስ ቢለን የዘኻኽራ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እምነትና ኣብ ቤተ ንዋየ ቅዱሳት ኣይኰናን እንነብሮ
02 October 2019, 16:55