ድለ

ር.ሊ.ጳ. ሓደስቲ ካርዲናላት ሰምዮም፡ ብልብን ብርህራሄን ንኽርስቶስ መስክሩ

ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ነቶም ዝሳቐይ ሕዝቢ ርህራሄ ከምዝነበሮ ብዙሕ ግዜ ይንገር። ወንጌል ደጋጊምና ከነስተንትን፡ ናይ ጐይታ ርህራሄ ኢና ነስተንትን

ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓም. ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ሰምዮም፡ እዙ ሽመት ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ወንጌላዊ ልኡክነት ኣሰር ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ካብቶም ሓደስቲ ካርዲናላት እቶም 10 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምሕራይ በዓለ መሰል ክዀኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ዕድመኦም ልዕሊ 80 ብምዃኑ ብሕገ ቀኖና መሰረት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሓርይ ጉባኤ ካርዲናላት ዘይጠቓለሉ ከምዝዀኑን፡ ሸሞንተ ካብቶም 13 ኣባላት ናይ ማሕበራት ወጌላዊ ልኡካን እያቶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ብምሕረቱ ንዝጠመተና መሰኻኽር ንኽንከውን ርህሩህን ቦቕባቕን ልቢ ንኽህልወና ጸጋ ንለምን፡ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተጸገወና ርህራሄ ናብ ኣሕዋት ንኸነብጽሕ ሓገዙ ንለምን፡ ካርዲናላት ናይ እምነት መሰኻኽር፡ ብፍላይ ከኣ ልኡካነ ወንጌልን ዘተን ብስራተ ወንጌልን እያቶም፡ እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት፡  ንሕዝበ እግዚኣብሔር ድማዕን ተኣማንነትን ምሉእ ተኣዝዞን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እንክብሉ ቃለ ማሕላ ፈጺሞምን፡ ብርግጸይንናነትን እምነትን ክሳብ መስዋዕትነት እምነት ንምምስካር ስንድዋት ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ካርዲናል መለለዪ ትእምርቲ ካብ ቅዱስነቶም ተቐቢሎም፡

ኪደት ምብጋስ እምበር ናይ ስልጣን ወንበር ምውናን ኣይኰነን

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ናይ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይክሶት፥ ምስ ጰጥሮስ ንምትሕብባርን ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስ ንምግልጋልን ክትሕረይ ምስጋና እዩ ቢሎም፡ … ፡ ንስዅም ቅዱነትኩም ብዘይሕለል ጻዕርኹም ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ትእምርቲ ኵኑ ቢልኩም ብቓልን ሕይወትን ንእተመሓላልፍዎ ምዕዳን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐደናታት ወጺኣ ኣሕዋት ንኸተገልግል ናብቲ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ንኸተብል ኣብ እተቕርብዎ ጻውዒት ምሳዅምን ኣብ ምእዛዝኩምን ሓቢርና ንኸንገልግልን ቅሩብነትና ንሕድስ፡ ሕውነትን ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዝዓሰሎ ሓድሽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ጐይታ ርህሩሃት የዕንትን ልብን ክጽግወና ንልምን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ርህራሄ ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ወትሩ ህልው እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ርህራሄ ወትሩ ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ክቱም እዩ፡ ስለምታይ ናይ እግዚኣብሔር ልቢ ናይ ኣቦ ልቢ ስለዝዀነ፡

ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ነቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ርህራሄ ከምዝነበሮ ብዙሕ ግዜ ይንገር። ወንጌል ደጋጊምና ከነስተንትን፡ ናይ ጐይታ ርህራሄ ኢና ነስተንትን፡ እዚ ናይ ጐይታ ርህራሄ ኵነታዊ ዘይኰነ፡ ቀጻልን ቀዋምን እዩ፡ ደሓር ዝተሰብአ ናይ ልቢ ባህርይ እዩ።

ሸልል ምባል ኣልቦ ርህራሄ ዝዀነ መዋቕር የቕውም

ኢየሱስ ናብቲ ዝቖሰለ ሰብ ዝዝርጋሕ ናይ እግዚኣብሔር ኣእዳው እዩ፡ ኢየሱስ ነቲ ከም ውዳቕ ዝሕሰብን ዝተነጸለን ከናድይ ይወጽእ። ነቲ ሕማም ደዌ ዝሓደሮን ደሓር እውን ነቲ ለሚሱ ዝነበረን ክፍውስ እንከሎን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምእነንብቦ ኣብ መንጐ እግዚኣሔርን ሙሴን ኣብ ዝካየድ ዘተን ኵሉ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዘለዎ ፍቕርን ምልኣተ ርህራሄን ነስተውዕል፡ እዚ መለኰታውነትን ርህራሄን ሰብኣዊ ፍጥረት ዝጐድሎን ዘይስቆሮን ኰይኑ ይርከብ ኣሎ፡ እዚ ኵነት እዚ እውን ሓሓሊፉ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ዝተራእየ ተግባር እዩ፡ ...

እቲ ዝተረከብናዮ ዕዮን ተልእዀን ርህሩሃን ንኽገብረና ንበይኑ እዅል ከምዘይኰነ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 31-32 ዘሎ የረጋግጸልና፡ ከምቲ ካህንን ለዋዊን … ንኣይ ኣይምልከተንን እዩ ዝበሉ፡ ኣይምልከተንን ንምባሎም እውን ምኽንያት ዘቕርቡ፡ ኣይምልከተንን ምባል ስርዓተ ደንብን መዋቕራውን ምግባር፡ ናብ ካልእ ገጽካ ንኽትጥምት። ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ገዛእ ርእሱ ከም ዝተቖጽረ ሰራሕተይና ገይሩ ክምልከት እንከሎ ብሓቒ መሪር ስቓይ እዩ፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ምዃን’ዚ ምኽንያት ምሃብ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሕማም ደዌ ዝተታሕዘ ሰብ ዝተነብረ ኵነት … ኣልቦ ርህራሄ ተቕዋማዊ ቅርጺ ክወሃቦ ይረአይ።

ርህራሄ ኣገዳሲ እምበር ኣማራጺ ኣይኰነን

ቅዱነቶም ብቐጥታ ነቶም ሓደስቲ ካርዲናላት፡ ብቀዳምነት ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄ ዝዓርፈሎም ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄ ሸቶ ምዃንኵም ትኣምኑ ዶ? ብምሕረት እግዚኣብሔር ዝተራእኵምን እትሰነዩን ኢኻትኩም፡ ደቂ ርህራሄ ምዃንኩም ትፈልጡ ዶ? ምሕረት ኣገዳሲ እምንበር ኣማራጺ ኣይኰነ፥

ምሕረት መሰረታውን ኣገዳስን እዩ፡ ምሕረት ኣግዚኣብሔር ዝዓረፎን ዝበጸሖን ምዃነይ ዘየስተውዕል እንተድኣ ኰይነ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከስተውዕል ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡ ከበስሮን ክምስክሮን ክወፍዮን እውን ዘይከኣሎ እየ ዝኸውን፡ ነቲ ሓውን ነቲ ጳጳስን ነቲ ካህን ርህሩህ ድየ፡ ወይ ፈራዳይ ብምዃን ብዘይ ምግዳስን ገጸይ ጠውየ ብምሕላፍን ኣይምልከተንን ቢለ ኣእዳወይ ብምሕጻብ ይጐድኦም?

ቅኑዕ ኣገልግሎት ኣብ ርህራሄ ዝተሰርተ እዩ

ኣይፋል ንዘይተገዳስነትን ሸለል ምባልን! ቅኑዕ ካርዲናላዊ ኣገልግሎት ኣብ ህያው ርህራሄ እዩ፡

ክሳብ መስዋዕትነት ስንድው ምዃን፡ እዚ እዩ ናይቲ ቀይሕ ልብሲ ትርጉሙ፡ ናይቲ ዝተቐበልካዮ ርህራሄን ክትልግሶን ናይ ዘሎካ ርህራሄ ምልክት ምዃን፡ ብጀካ በዚ ኣገባብ እዚ ብኻልእ ዓይነት ኣገባብ ቅኑዕ ምዃን ዝከኣል እይኰነ፡ ናይ ብዙሓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ግድፈታት ምሕረት ዝተቐብልካ ምዃንካ ካብ ምርሳዕ እዩ ዝነቕል።

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እቶም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ናይቲ ብምሕረቱ ዝጠመተናን ናይ ድሕነት ወንጌሉ ናብ ኩሉ ንኸነብጽሕ ዝሓረየናን መሰኻኽር መታን ንኽንከው ርህሩህ ልቢ ክህልዎም ጸጋ እግዚኣብሔር ተማሕጾኖም ጸሎተ ሃይማኖት ብሓባር ደጊሞም እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ንወንጌልን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምሉእ ተኣማንነት ኣንቢሮም ብሓባር ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ጸሎተ ማርያም ደጊሞም።

ር.ሊ.ጳ. ሓደስቲ ካርዲናላት ሰምዮም፡ ብልብን ብርህራሄን ንኽርስቶስ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ሓደስቲ ካርዲናላት ሰምዮም
07 October 2019, 11:15