ድለ

ር.ሊ.ጳ. ከይዲ ሲኖዶስ ኣበጊሶም፡ ሕዝቢ ንምርዳእን ንምግልጋልን

ሲኖዶስ ሕዝባዊ ባይቶ ኣይኰነን፡ ብትሕትና ዘተን ኣስተንትኖን ዝፍጸመሉን ብትብዓትን ሓቂ ብግልጺ ዝቐርበሉ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ከምዘበገሱ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ሲኖዶስ ዘካይዶ ዘተ ብዘስምዕዎ መደረ ከምዝኸፈቱን ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሕዝቢ ኣማዞም፡ ምስትውዓልን ምስትንታንን ምግልጋል፡ እዚ ብሓደ ናይ ዕዮ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ድዩ ወይ ውን ብዓውደ ኣኼባን ዓውደ ጉባኤን ዘይኰነስ ብሓደ ሲኖዶስ ዝፍጸም እዩ፡ ሲኖዶስ ሕዝባዊ ባይቶ ኣይኰነን፡ ብትሕትና ዘተን ኣስተንትኖን ዝፍጸመሉን ብትብዓትን ሓቂ ብግልጺ ዝቐርበሉ እዩ፡ ቢሎም፡ ብቐጥታ ንቤተ ክርስቲያንን ንኵለንተናዊ ምህዳርን ሓደስቲ ስጉምቲ ዝብል ናይቲ ሲኖዶስ መርሕ ቃል ተወኪሶም፡ ናይ ኣማዞን ሕዝቢ ባህልታትን ታሪኽን ብዘኽብር ኣገባብ ናብቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ምቕራብ ዝብል እዩ፡ … ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣስዳዕነት ብልብን በዕንትን ደቀ መዝሙርን ልኡካነ ወንጌልን ነቲ ናይቲ ከባቢ ጭቡጥ ኩነትን ሉኣላውነትን ብምኽባር ምቕራብ።

ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረገው ናይ ሲኖዶስ መበገሲ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉብኤ ኣዳራሽ መንፈሳዊ ዑደት ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን ደቀባት ብዝወከሉ ምኽባርን ምክንኻንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብዝተሓሳስቡ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብዝሓዙ መንእሰያት ተሰንዮም ኣብ ኣፈት ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንሲኖዶስ ኣበው ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ብሓባር ምስ ኣበው ሲኖዶስ ናብ ናይ ሲኖዶስ ኣድራሽ ብምእታው ጸሎት ከምዘዕረጉን ይሕበር።

ማዕዝናት ሲኖዶስ

ቅዱስነቶም ብቋንቋ ስፓይኖሎ እዚ ሲኖዶስ ንኽብገስ ካብ ርሑቕ ዝተኻየዱ ምድላዋትን ኵሉ ዘርዚሮምን ብምምስጋን፡ እቲ ሲኖዶስ፡ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውን ባህላውን ማሕበራውን ምህዳራውን ማዕዝናት ዘለዎ እዩ ቢሎም፡ ቀንዲ ተዋሳእይ ናይቲ ሲኖዶስ መንፈስ ቅዱስ እዩ ምስ በሉ፡ ህልዩኣዊ ወረራ ዘይኰነስ ንእውነተይና ምኽባር ናይ ደቀባት ባህሊ ዝመርሕ እዩ፡ …

ናይ መዛተይ ሰነድ

ነቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ መዛተዪ ሰነድ፡ ኣብ ኪደት ሲኖዶስ ዝተኻኸልን ብዝካየዱ ዘተ ዝማላእን ዝእረምን ብምዃኑ ሰማዕት ሰነድ እንክብሉ ገሊጾም፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ዝቐርብ ኣርባዕተ ርእይቶ ድዩ መግለጽታት ናይ ኣርባዕተ ደቓይቕ ጽሞና ክህሉ እዩ፡ ኣብ ሲኖዶስ ምርኻብን ምዃንን ኣብ ናይ ማሕበረሰብን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ማሙቕ ሑቕፎ ምዃን ማለት እዩ፡ …. ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዘይምርድዳእን ብጌጋ ምርዳእን ከይህሉ ውሳጣዊ ሕውነት ዝንበሮ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ከይዲ ሲኖዶስ ኣበጊሶም፡ ሕዝቢ ንምርዳእን ንምግልጋልን
08 October 2019, 17:14