ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣክንዲ እምነት ህልዩ ከይሕረይ ምጥንቃቕ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣክንዲ እምነት ህልዩ ከይሕረይ ምጥንቃቕ  

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣክንዲ እምነት ህልዩ ከይሕረይ ምጥንቃቕ

ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቀመራትን ሓሳባትን ገዛእ ርእሶም ዝልክቱ ክርስቲያን፡ ሰዓብቲ ህልዩ ኰይኖምን ኣክንዲ እምነት ህልዩ ዝሓርዩ እያቶም

ዕለት 8 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ንዅሉ ነገር ዝፈርዱ ክርስቲያን ከምዘለዉን እዚ ኣቶም ካብታ ንእሽተይ ልቦም ዝነቕሉ እምበር ካብ ልቢ እግዚኣብሔር ዝብገሱ ከምዝዀኑን፡ ጐይታ ክዅንን ወይ ክፈርድ ዘይኰነስ ንኸድሕ ዝመጸ ብምዃኑ ንነፍሲ ወከፍና ብምሕረቱ ዝቐርበና ከምዝዀነ ዘብርህ ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ለጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ትንቢተ ዮናስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 10 ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ዘዘንትዎ ታሪኽ ካብ ናይ ዕለት 7 ጥቅምቲ ምንባብ ዝቐጸለ ኰይኑ ዕለት 9 ጥቅምቲ ብዝቐርብ ምንባብ ዝጥቓለል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ዮናስን ምስሕሓብ ዝረኣየሉ ርክብን ዘተን፡ እግዚኣብሔር ንዮናስ ናብ ነነዌ ክልእዀ ከምዝደለየ ኣብ ናይ ትማሊ ምንባብ ይግለጽ፡ ዕላማ ናይቲ ተልእዀ፥ ምልዋጥ ነነዌ ዝብል እዩ፡ ዮናስ ግና ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ ኣይፋል ቢሉ ካብ ጐይታ ኣርሒቑ ይኸይድ፡ ምኽንያቱ እቲ ዝተወሃቦ ተልእዀ ንኣኡ ከቢድ ከይኑ ስለ ዝተራእዮ፡ … ብዓሳ ተዋሒጡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ለይቲን ካብ ከስዒ ዓሳ ይትፋእ፡ …

ኣብ ቅድሚ ምልዋጥ ምምላስ እግዚኣብሔር

ኣብ ናይ ሎሚ ካብ ትንቢተ ዮናስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 1-10 ዘሎ ምንባብ፡ ደሓር ዮናስ ንእግዚኣብሔር ከምእተኣዘዞ ምንብብ፡ ናብ ነነዌ ይኸይድ እቲ ናይቲ ሕዝቢ ምልዋጥ ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፣ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ ኣብ ቅድሚ ምልዋጥ ምጥዓስ እግዚኣብሔር፡ …

እግዚኣብሔር ብመሓርነቱ ናይ ዮናስ ጓሂ

መሓርነት እግዚኣብሔር ንዮናስ ኣዝዮ ኣጕሀዮ፡ ምኽንያት ናብ ተርሲስ መህደሚኡ ናብ እግዚኣብሄር ብዘቕርቦ ጸሎት ዎ እግዚኣብሄር፣ እልምነካ ኣሎኹ፣ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዎስ እዚዶ ኣይኰነን መሓርን ርሕሩሕን ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐሰሉን ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ስለ ዝፈለጥኩ፣ እንክብል ይገልጽ፡ ኣብ መንጐ ክልተ ነቓጻት ዝግበር ዘተ እዩ ዝመስል፡ ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን፣ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጕልዒ ጕሂኻ።  ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፣ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈክዩ ዘይኽእሉ፣ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ? እንክብል ምኽንያት ምሕረቱ ከም መልሲ የቕርበሉ፡ ዮናስ ልክዕ ከምቶም እግዚኣብሔር ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ ኵይኑ ክርከብ ዝደልዩ ኣብ ቅድሚ እምነት ናይ ገዛእ ርእሶም ቅድመ ኩነት ዘንብሩ፡ ….

ምዕባይ ዝፈርሕ ክርስቲያን

ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቀመራትን ሓሳባትን ገዛእ ርእሶም ዝልክቱ ክርስቲያን፡ ሰዓብቲ ህልዩ ኰይኖምን ኣክንዲ እምነት ህልዩ ዝሓርዩ እያቶም፡ ኣብዚ ዓይነት ህይወት ዝነብሩ ክርስቲያን ሎሚ እውን ብዙሓት እያቶም፡ ምዕባይ ዘፍርሖም ናይ ሕይወትን ናይ ጐይታን ናይ ታሪኽን ብዶሆታት ዘሰንብዶም፡ ካብ እምነት ህልዩ ዝሓርዩን ካብ ማሕበረሰብ ገዛእ ርእሶም ዘርሕቑን፡ ኣክንዲ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ገዛእ ርእሶም ዘንብሩ፡ ንዅሉ ዝፈርዱ ካብታ ንእሽተይ ልቦም ዝነቕሉ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም። 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣክንዲ እምነት ህልዩ ከይሕረይ ምጥንቃቕ
08 October 2019, 17:19