ድለ

ር.ሊ.ጳ. ነርባዕተ ካህናት ማዕርገ ጵጵስና ሰሪዖም

ጳጳስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ሰለስተ ነገራት ከቐድም ኣለዎ፡ ብቐዳምነት ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ቀረባ ምዃን፡ ካብ ምስ እግዚኣብሔር ቀረባ ምዃን ዝነቐለ ቅርበት ንካህናቱን ንካህናቱ ቀረባ ካብ ምዃኑ ቀረባ ንሕዝበ እግዚኣብሔር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ሃገረ ቫቲካን  ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን የኔታ ኣንቶይነ ካሚለሪን የነታ ፓዎሎ ሩደሊን ንየነታ ፓውሎ ቦርጃን ሓደ ካብቶም 13 ጳጳሳት ማዕርገ ካርዲናል ዝቕበሉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ሚካኤል ችዘርንይ ማዕርገ ጵጵስና ከምዝሰርዑን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ማዕርገ ጵጵስና ክብሪ ዘይኰነስ ኣገልግሎት እዩ ቢሎም ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ማዕርገ ጵጵስና ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከተ፡ ማንም ዘይርድኦ ቃል ዘይኰነ እውነተይና ቃል ኣምላኽ ኣበስሩ፡ ቃል ኣምላኽ ኣበስሩ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝሕብሮ፡ ናይ ሓደ ጳጳሳት መሰረታዊ ሓላፍነት ጸሎትን ብስራት ቃል ኣምላኽን እዩ፡ ካልእ ኵሉ ሓዋርያዊ ምሕደራ ድዩ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ዕዮ እውን እንተዀነ ደሓር እዩ፡ ቅድም ጸሎትን ብስራት ቃል ኣምላኽን፡ እንክብሉ ነቶም ኣርባዕተ ሓደስቲ ጳጳሳት ኣተሓሳሲቦም፥

ኣርባዕተ ሓደስቲ ጳጳሳት

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡካን ዘገልግሉ የኔታ ኣንቶይነ ካሚለሪን ፓውሎ ሩደሊን ፓውሎ ቦርጃን ከምኡ እውን ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ሓደ ካብቶም ካርዲናል እተሰምዩ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ሚከል ችዘርንይ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ካብ ኢድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማዕርገ ጵጵስና ምስ ተቀበሉ፥

ምዕብላል ዘይኰነ ምግልጋል

ቅዱስነቶም ጵጵስና ናይ ኣገልግሎት ስም ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ክብሪ ዘይኰነ ኣገልግሎት እዩ፡ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ትእዛዝ ዝብሎ፡ እቲ ካባኻትኵም ዓቢይ ዝዀነ ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን፡ ምዕብላል ዘይኰነ ምግልጋል፡ ጵጵስና ኣገልግሎት እምበር ሽመትን ክብርን ኣይኰነን ምስ በሉ፥

ካብ መጓሰ ዝተሓርየ

ጳጳስ ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ሰለስተ ነገራት ከቐድም ኣለዎ፡ ብቐዳምነት ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ቀረባ ምዃን፡ ካብ ምስ እግዚኣብሔር ቀረባ ምዃን ዝነቐለ ቅርበት ንካህናቱን ንካህናቱ ቀረባ ካብ ምዃኑ ቀረባ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃን፡ እዞም ሰለስተ ነገራት እዚኣቶም ሓደራ ከይትንዝንግዑ፡ ካብ መጓሰ ዝተሓረኹም ካብ ኣብራኽ ሕዝበ እግዚኣብሔር ስለ ዝወጻእኩም እዩ፡ ስለዚህ ሓደራ ኣናስርኩም ኣይትዘንግዑ፡ እቶም እምነት ዘመሓላለፉልኩም፡ መንነት ዘውረሱኹም፡ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ሓደራ ክይትኽሕዱ ከምዝበሉ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ነርባዕተ ካህናት ማዕርገ ጵጵስና ሰሪዖም
05 October 2019, 18:11