ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽባቔን ስነ ጥበብን ጸረ ሕንዚ ንቂምተይና ባህሊ እዩ

ነዚ ቤተ መዝከር ዝበጽሕ በይተይና ኰይኑ ይስምዖን ባህሉ ዘንጸባርቕ መዘክራት ዝረኽበሉን ስፍራ እዩ፡ ምስ መላእ ሕዝቢ ዓለም ዘራኽብ

ዕለት 18 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ስነ ዓሌት ክፍለ መዘክርን ነቲ እቲ ክፍለ መዘክር ዘቕረቦ ኣማዞናዊ ምርኢትን መሪቒም ከምዝኸፈቱን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ጽባቔ የዋህድ ቢሎም፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ቂምተይናን ጽልእ ዓሌትን ብሔርተይናነትን ባህሊ፡ ሕውነት ብምንባር ክብዳህ ጻውዒት ከምዘቐረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ዝተሓደሰ ኣብ ቤተ መዘክር ሃገር ቫቲካን ዝርከብ ናይ ስነ ዓሌት ክፍለ መዘከር፥ ኵሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ዝረኽበሉን በይተይና ኰይኑ ዝስምዓሉን ህያውን መንበሪትን ዝተኸፍተ መዓጹ ዘለዋ ማንም ዘይንጽል ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመተ ክስትውዓል ዝገብር ስፍራ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ሰፒያ ኣስዒበን፥

ነዚ ቤተ መዝከር ዝበጽሕ በይተይና ኰይኑ ይስምዖን ባህሉ ዘንጸባርቕ መዘክራት ዝረኽበሉን ስፍራ እዩ፡ ምስ መላእ ሕዝቢ ዓለም ዘራኽብ፡ ኣብ ማእከል ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ፡ ንልቢ ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳጳሳትን ቀረባ ዝዀነ ስፍራ፡ ስነ ጥበብ ምሑው ኣይኰነን፡ ስነ ጥበብ ካብ ናይ ኣሕዛብ ልቢ እዩ ዝውለድ፡ እዚ ቤተ መዘክር’ዚ ካብ ልቢ ሕዝቢ ዝተወልደን ንልቢ ሕዝቢ ዝመሓላለፍን መልእኽቲ እዩ

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ ዘተን ርክብን ቦታ

ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዎ ቃል፡ ናብዚ ቦታ’ዚ ዝኣትው ዘተን ናይ ርህውትናን ርክብን ዝራኸብን ከምዝዀነን ባህሉን ስነ ጥበቡን ኵሉ ምስ ካልኦት ባህልታትን ስነ ጥበባትን ማዕረ ክብርን ከምዘለዎ ዘስተውዕለሉን፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ዘመን-ሕዳሰ ወይ ውን ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ግርክ ባህልታት ዝገልጹ ናይ ባህልን ስነ ጥበብን መዘክራት ዝድነቕ እዩ፡ ኣይንስ ኣይዓብይ፡

ስነ ጥበብ ጸረ ሕንዚ ንቂምተይናን ጽልእ ዕሌትን ብሔርተይናነትን

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ስነ ዓሌት ክፍለ መዘክር ተሓዲሱን ብዘደንቕ ሓድሽ መልክዕን ኣገባብን ክቐርብ ንዝገበሩ ኵሎም ኣመስጊኖም፡ ኣብዚ ኣብ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዛዕባ ኣማዞን ዝትርኽ ዘቕረቦ ምርኢት መዘክር ምስቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ዝተተሓሓዘን ነቲ ናይቲ ሲኖዶስ ሕመረት ዘብርህ እዩ፡ ኣማዞን ኣደ፥ ናይ ዓለም ጥልቂ እስትንፋስ ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ በቲ ኣብ ቤተ መዘክር ዝግለጽ ናይ ኵሉ ባህሊ ጽባቔ ኣቢልካ ብክፉት መንፈስን ድማዕን ንናይ ካልእ ባህሊ ክፉት ትኸውን፡  በዚ ኣቢልካ ድማ ነቲ ንሕውነት መንፈስ ዝሃስይን ዘሕምምን ተህዋስ ትኣልይ ቢሎም፡

ጽባቄ የዋህደና፡ ነቲ ወትሩ ዘድብይ ቂምተይናነትን ዓሌታውነትን ብሔርተይናነትን ንምብዳህ ሰብኣዊ ሕውነት ንኽንነብር ይዕድመና፡ … ስነ ጥበብ ፈላላይ መናድቕን ዶባትን ርሕቐትን ኵሉ ናይ ምእላይ ሓይሊ ኣለዎ፡ ሰገር ኵሉ ፍልልያትን እዩ!

ንድምጺ እግዚኣብሔር ምቅላሕ

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ነቲ ናይ ምርእቲ መዘክር ንዘወሃሃዱ ንኣባል ር.ሊ.ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣባ ኒኮላ ማፐሊ ኣመስጊኖም፡ እቲ ናይ ስነ ዓሌት ክፍለ መዘክር መሰረታዊ ቅዋሜኡ ዝገልጽ መንነቱ ክዕቀብን ንዅሉ ናይ ስኒትን ሰላምን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ሃገራትን ክብሪ ክምስክር ተላብዮም፡ ኣብቲ ቤተ መዘክር ዝተነብሮ ናይ ስነ ጥበብ ጽባቄ ንዅሎም በጻሕቲ ድምጺ እግዚኣብሔር ዘቃልሕ ይዅን ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሰፒያ ኣስዒበን

ዘፍጥረት እቲ ናይ ስነ ዓሌት ክፍለ መዝከር

እቲ ኣብ  ቤተ መዝከር ሃገረ ቫቲካን ዘሎ ናይ ስነ ዓሌት ክፍለ መዝከር ኣብ 1925 ዓ.ም. ብዓቢይ ድላይ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ዝቖመን ናይ መላእ ኣሕዛብ ዓለም ባህላውን ዓሌትን ልምድታትን ኵሉ መግለጺ ኰይኑ፡ ቅድሚ ናብ ቤተ መዘክር ሃገረ ቫቲካን ምስግጋሩ ኣብ ሕንጻ ላተራነንሰ ናይ ተልእዀ ወንጌል መግለጺ ከይኑ ከምዝቐረበን፡ ሎሚ ናይ መላእ ክፍለ ዓለም መግለጺ ስነ ዓሌት ክፍለ መዘክር ኰይኑ ባህልን ዓሌትን ዘለዎ ክብሪ ዘቃልሕ እዩ ኢለን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽባቔን ስነ ጥበብን ጸረ ሕንዚ ንቂምተይና ባህሊ እዩ
19 October 2019, 16:38