ድለ

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ዞባ ማርከ ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ዞባ ማርከ ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን  

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ዞባ ማርከ ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን

ብቅጽል ስም ዘይኰነ ብመጸውዕ ስም፡ ናይ ስም ቲዮሎጊያ ምንባር የድሊ፡ ከምቲ ፍራንቸስካዊ መንፈሳውነት ዝሓትቶ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ኢጣሊያ ዞባ ማርከ ኣባላት ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ተቐቢሎም በቲ ሓደ ወገን ከም ዕድመን በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ከም ናይ ሕይወት መርሕ ግብሪ ክስዕብዎ ዝግብኦም፥ ሓይልዅም ሓሴት ይኹን ዝብል ቃል ዘማእከለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ ከምዝነበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እግዚኣብሔር ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ብዝተፈላለየ ኣገባብን ወትሩ ይጸውዕ፡ እዚ ጸዋዕታ እዚ ምልዋጥ ብዝብል ዕድመ ዝተሰነየ ኰይኑ፡ እቲ ጸውዑ ኣብ ጐደና ሕይወት ገዛእ ርእሱ ብምውፋይ ክጓዓዝ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ኵለንተናኻ ንእግዚኣብሔር እንተዘይhabካ ገዳማውነት እቲ ኣልቦ ሓሴት ዝዀነ መጺጽ ምንባር ይኸውን፡ ወትሩ ዕሚምታን ጓህን ዘረአዮ ይኸውን፡ ቅድስቲ ተረዛ ዘኢየሱስ፡ ንደቂ ማሕበራ ደናግል፡ ገዛእ ርእሰን ናይ ኢፍትሓውነት ግዳያት ገርካ ካብ ምሕሳብ ፈተና ክሕለዋ ትላበው፡ እዚ ዓይነት ተበዲለ ዝብል ዕሚምታ ብምልዋጥ ጐዳና እዩ ዝብዳህ፡ ኣብ ማሕበርሰብ ምእታው ማለት፡ ዕለት ብዕለት ካብ ምልዋጥ ናብ ምልዋጥ እናተሰጋገርካ ንቕድሚት ምባል ማለት እዩ፡ እዚ ጥራሕ እዩ ናብ ውህደት ዝመርሕ።

ብህድኣትን ለውሃትን ድኽነት ክርስቶስ ምምስካር

ብቅጽል ስም ዘይኰነ ብመጸውዕ ስም፡ ናይ ስም ቲዮሎጊያ ምንባር የድሊ፡ ከምቲ ፍራንቸስካዊ መንፈሳውነት ዝሓትቶ፡ እግዚኣብሔር ብስምና እዩ ዝጸውዓና ቢሎም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም፡ ተልእዀ ምስ ዋሕዲ ጸዋዕታ ዝተጣምረ እዩ፡ ስለዚህ ወንጌላዊ ተልእዀ ብዘቕርቦ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ንዋሕዲ ጸዋዕታ ዝብድህ ይኸውን፡ ኣብ ውፉይ ሕይወት ንገዛእ ርእስኻ ምንባር ዝብል ሓሳብ ኰነ ተግባር ክህሉ ኣይግባእን፡ ኢየሱስ ምንባርን ምብጻሕን ዝብል፡ እዚ ምስክርነት’ዚ ኣስዳዕነት ማለት ኣይኰነን፡ ንኢየሱስ ካብ ብቓል ብተግባር ምምስካር፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንሰዓብቱ፡ ወንጌል ኣበስሩ ኣገዳሲ እንተዀይኑ ብቓል ይብል፡ ስለዚህ ኣሓው ካፑቺን፡ ብህድኣትን ለውሃትን ድኽነትን ክርስቶስ ንኽምስክሩ ዝተጸውዑ እያቶም፡ ዲያብሎስ ብጁባ ኣቢሉ እዩ ዝኣትው፡ ድኽነት ብጭቡጥ ኩነት ምንባር የድሊ፡ ናይ ድኽነት መብጽዓ ይብል ቅዱስ ኢንጋዚዮስ ዘሎዮላ፡ ኣደን ዕርድን ገዳማዊ ሕይወት እዩ።

ዕውሉም መንፈስ ቤተ ክርስቲያን ይሃስይ

ካብቲ ሓሓሊፉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ዘጋጥም ዕውሉም መንፈስ ምጥንቃቕ የድሊ፡ ዕውሉም መንፈስ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝሃስይ፡ ኢየሱስ ኣብ ጸሎቱ፡ ካብ ዓለም ዘይኰነ ካብ ዕውሉም መንፈስ ናይ ዓለም ካብ ምዃን ሓልወና እዩ ዝብል፡ ነቲ ዕውሉም መንፈስ ንምብዳህ ትሕትና የድሊ፡ ካልእ ፈተና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ክህነታውነት እዩ፡ ስልጣነ ክህነታውነት፡ እዚ ውላድ ናይ ዓለም መንፈስ እዩ፡ እዚ መንፈስ ሓደጋ’ዚ ካህናት ካብ ኣገልገልቲ ናብ ገዛእቲ እዩ ዘሰጋግር፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ መክበብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ዳግም ምዕታር የድሊ ምስ በሉ፡ ኣባላት ማሕበር ካፑቺን ናይ ማሕበሮም ሕጊ ከኽብሩን ክነብሩን ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሕውነታዊ ሱታፌን ምንባር ዝግለጽ ማሕበራዊ ሕይወት ምምስካር፡ ማሕበራዊ ሕውነት ብምትሕብባርን ብምትሕልላይን ዝንብር ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ እዩ።

ኣብ ምሕረቱ ዘይደክም/ዘይስልክይ እግዚኣብሔር

እግዚኣብሔር ኣብ ምሕረቱ ዘይደክምን ዘይስልክይን ኣቦ ኣዩ፡ በንጻሩ እቶም ኣብ ምምሓር ዝደኽሙ ኣንሕና እቶም ምሕረቱ ዘድልዮም ኵይናን ንርከብ ኢና፡ ኣብ ቡወኖስ ኣይረስ ዝነበሩ ሓደ ኣባል ማሕበር ካፑቺን፡ ብዙሕ እዋን ኣቦ ነፍስን ኣናዛዝን ዝነበሩ፡ ንብዙሓት ምእመናን ይፈትሑን ተሓዲጉልካ ይብሉን፡ ኣብ መንበረ ታቦት ይኸዱ እሞ ኢየሱስ እዚ ካባኻ እየ ዝተመሃርክዎ ናይቲ ዘይሕለል ምሕረት ኣብነት ንስኻ ኢኻ ይብሉ ነይሮም፡ ደቂ ምሕረት ኢና፡

ኤውሮጳ ተልእዀ ወንጌል ዘድልዮ ክፍል ዓለም እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ብዛዕባ ህልው ኵነታት ኤውሮጳ እናሓሰብ እዚ ጉዳይዚ ምስ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ምትእስሳር ኣተሓሒዞም፡ ኤውሮጳ ኣብ ናይ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን እምነት ዝጸንዔትን እቲ ሓድሽ ወለዶ ኣብ እምነት ምድካም ዝርእየላ ክፍለ ዓለም ኰይና ትርከብ ኣላ፡ ስለዚህ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ኤውሮጳ ሕጹጽን ኣገዳስነን እዩ ምስ በሉ፡ ብዙሓት ስደተይናታትን ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ዝዓዩ ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ መስከርቲ እምነት ከይኖም ከምዝርከቡ ገሊጾም፡ ኣባላት ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ኣብነት ቅዱስ ራንቸስኮ ክስዕቡን ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ መንፈሳውነት ተነቓቒሖም ቃለ ወንጌል ከስፍሑ ኣተሓሳሲቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ዞባ ማርከ ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን
12 October 2019, 18:31