ድለ

ተቓውሞ ኣብ ቅርዓት ታህሪር ከተማ ባቕዳድ ናይ ሃገረ ዒራቕ! ተቓውሞ ኣብ ቅርዓት ታህሪር ከተማ ባቕዳድ ናይ ሃገረ ዒራቕ! 

|ኣብ ዒራቕ ሕይወት ኣማኢት ዝወሰደ ተቓውሞ ደው ኢሉ ኣብ ዝርርብ ክኣትዉ ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ነቲ እንድገና ኣብ ዒራቕ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣንጻር መንግስቲ ዝቕጽል ዘሎ፡ ሕይወት ኣማኢት ንጹሓት ሰባት ዝወሰደ ተቓውሞ ብህጹጽ ደው ክብልን፡ ዜጋታት’ታ ሃገር ናብ ዕርቅን ልዝብን ተመሊሶም ነባሪ ዝኾነ መፍትሒ ክገብርሉ ጸዊዖም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ብሰንኪ’ቲ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ሃገረ ዒራቕ ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ብርቱዕ ተቓውሞ፡ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ብውሕዱ 250 ሰባት ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 28 ጥቅምቲ ጥራሕ፡ ብሽፉናት ዕጡቓት ሰብ ብረት 18 ሰባት ከምዝቐተሉን፡ ኣብ ተኸተልቲ እስላማዊ እምነት ሽዓ ዝቕመጥሉ ከተማ ካርባላ ልዕሊ 800 ዝኾኑ ሰባት ከምዘቕሰሉን ተፈሊጡ።

ተቓወምቲ’ቲ ሃገር ብዝሃብዎ ሓቤሬታ መሰረት፡ ነቲ እኩይ ተግባር ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ፍሉይ ሓይሊ ድዮም ወይስ ኣባላት ፖሊስ፡ ወይ’ውን ዒራን ዝለኣኸቶም ማልሻ እዮም ዝብል ብንጹር መንነቶም ከምዘየረጋገጹ ሓቢሮም።

ዝርርብን ዕርቅን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራምቸስኮስ ኣብ መወዳእታ ናይ ሰሙናዊ ወትሩ ረቡዕ ዝካየድ ሓፈሻዊ ትምህርተ-ክርስቶሶም፡ ሕዝቢ ዒራቕ ነቲ ኣብ ሃገሮም ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ተኸሲቱ ዘሎ ፍሕፍሕ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንበር ወሪዶም ክዘራረቡን ክላዘቡን ጸዊዖም።

ቅድስነቶም ኣብ ዝሃብዎ ጻውዒት ‘ነቶም ግዳያት እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም፡ ነቶም ዝቖሰሉ ምሉእ ጥዕና ክህቦም፡ ኣብ ጸሎተይ ክዝክሮም እየ፡ ኣብ ጎድኒ ስድራቤታት ግዳያት’ውን ኣሎኹ’፡ ድሕሪ’ሎም ቀጺሎ’ውን ‘መንግስቲ ንበኽያት ናይ ሕዝቡ ሰሚዑ፡ ሰለማውን ክብሪ ዘለዎ ሕይወትን ክመርሑ ዘኽእሎም ሃዋህው ክፈጥረሎም ጸዊዖም’።

ቅድስነቶም ኣስዒቦም ‘ኩልኹም ዒራቅእውያን፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለማት ተሓጊዝኩም፡ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ተኸሲቱ ዘሎ ሽግርን ብድሆታትን፡ ኣብ ጣውላ ወሪድኩም ብሰላማዊ መንገዲ፡ ብዝርርብን ዕርቅን፡ ሓቀይናን ነባርን ዝኾነ መፍትሒ ከትረኽብሉ ኣሎኩም’ ድሕሪ’ሎም፡ ዜጋታት’ታ ሃገር ካብ’ቲ ንዓመታት ብኲናትን ግህሰትን ክሳቐይዎ ዝጸንሑ ግዜ ተገላጊሎም፡ ኣብ’ታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን ኣብ ጸሎቶም ክዝክርዎም ከምዝኾኑ ኣረጋጊጾምሎም።

ሃብቲ ዒራቕ ኣበይ ኣሎ፧  

ኣብ ዕራቕ ናይ ግብረሰናይ ፕረሲደንት ዝኾኑ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሸልሞን ዋርዱኒ፡ ነቲ ብቅድስነቶም ዝተገብረ ጻውዒት ሰላም ከምዘሞጎሱ፡ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለምልልስ ግሊጾም።

ናይ ባቅዳድ ተሓጋጋዚ ኣቡን ብወገኖም፡ ንመራሕቲ መንግስቲ ዒራቕ፡ ‘ካብ ንውልቃዊ ረብሓታትኩምን ንጅባኹምን ምስራሕ ኣቋሪጽኩም፡ ንረብሓ`ቲ ኣደዳ ሓሳረ መከራ ተሸኒኑ ዝርከብ ሕዝብኹም ክትሓስቡን ክትሰርሑን ኣሎኩም’ ኢሎም።

ንሶም ኣስዒቦም፡ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነዚ ኣብ ሃገረ ዕራቕ ዝኸይድ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ብኣድህቦ ክዓያሉን፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብብርቱዕ ጻዕሪ ተማሂሮም፡ ኮይኑ ግን ስራሕ ዘይረኸቡ ድኻታት ሕዝቢ፡ ደሃዩ ክገብራ ተማሕጺኖም።

ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ ኣብ መወዳእታ፡ ንምኽንያት ናይ’ቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣመልኪቶም ‘እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ተቓውሞ፡ ብሰንኪ ጭቆና መንግስቲ፡ ሕዝቢ ዒራቕ መሰሉ ስለዝይተኸብረሉን ስለዝሰኣነን እዩ’።

‘ሃገረ ዒራቕ ብጸጋታታ ዝተፈልጠትን ኣዝያ ሃብታምን ሃገር እያ! ኮይኑ ግን ሕዝቢ’ዛ ሃገር ብሽቅለት ኣልቦነት ይሳቐን ይነብዕን ኣሎ! ገንዘብን ሃብትን ዒራቕ ናብይ ኣትዩ፧ ብምባል ንዘይቅርዑይ ምሕደራን ኣተሓሕዛን ሰበስልጣን መንግስቲ ብምንቃፍ ሓሳቦም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
31 October 2019, 15:05