ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ድኽነት ዝያዳ ምስትውዓል

ኩሉ ብሓባር ናብቲ ኣብ ሉርድስ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ሕውነትን መደብ ጸሎትን ብምስታፍን ነታ ናይ ድኽነት ዘይቤ እትፈልጥ ማርያም እኖ ኢየሱስ ቀረባ ንኽኽውን ኣብ ሉርድ ንኽርከብ ዝከኣሎ ነይሩ እንተዝኸውን ክንደይ ባህ ምበለኒ

ኣብ ሉርድ ማሕበር ሕውነት ካብ ዕለት 14 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም.  ናብ ዘካይዶ ዘሎ፥ ጉባኤ ሕውነት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላላለፉን፡ ቅዱስነቶም፡ ምልስ ቢሎም እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዘበገስዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ዘኪሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ድኽነት ዝያዳ ምስትውዓል ክህሉ ቢሎም፡ እዚ ልክዕ እቲ ኢየሱስ ከምዝነበሮ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ ኣብቲ ንበይኑ ኣብ ዝተሓደገሉን ብኻልኦት ተቐባልነት ስኢኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሮን ዝተመከሮን ኵነት እዩ፡ እዚ እዩ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ትርጉም ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት፡ እዚ ነርባዕተ መዓልቲ ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ሕውነትን መደብ ጸሎትን፡ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2017 ዓ.ም. ዘቖምዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ተተሓሒዙ ዝካየድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ሉርድስ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ማሕበር ሕውነት በቲ ናይ ፈይስ ቡክ  ኣድራሻኡ ኣቢሉ ከምዝዘርጐሖን፡  እዚ ማሕበር’ዚ ንድኻታትን ንተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓለፋ ዝብል ባህሊ ዘነቓቕሕ ከምዝዀነን፡ ናይቲ ማሕበር ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣናስርን ምኽንያትን ጭቡጥ ድኽነት ዝነብር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ብሓባር ምዃን ክንደይ ሰናይን ጽቡቕን እዩ፡ ኩሉ ብሓባር ናብቲ ኣብ ሉርድስ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ሕውነትን መደብ ጸሎትን ብምስታፍን ነታ ናይ ድኽነት ዘይቤ እትፈልጥ ማርያም እኖ ኢየሱስ ቀረባ ንኽኽውን ኣብ ሉርድ ንኽርከብ ዝከኣሎ ነይሩ እንተዝኸውን ክንደይ ባህ ምበለኒ።

ተስፋ ፈጹሙ ዝደናገር ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ንናይ 2019 ዓ.ም. መዓልቲ ድኻታት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ከምእተገለጸን፡ ናይቲ ናይ ለምብዘበን ናይ መዓልቲ ድኻታት መልእኽቶም መርሕ ቃል፡ ተስፋ ፈጺሙ ኣይክንደናገርን እዩ

ዝብል ከምዝዀነን፡ ናይ ድኻታት ተስፋ ብፍጹም ኣይክደናገርን እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ልባቶም ተስፋ ኣይደናገርን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኢፍትሓውነትን ስቓይን ዘይርግጸይናነትን ሕይወት እቲ ዝጠፍኤ ተስፋ ዳግም ምቕራብ ከምዘድሊ ሓቢሮም፡ ቅዱስነቶም ቀልቦም ናብቶም ስደተይናታትን ዘኽታማትን ኣልቦ ቤትን ሕሩጋትን ናይ ሓድሽ ግሊያነት ኣደዳ ዝዀኑ ዓበይትን ንኣሽቱን ኣሕዋትን ኣሓትን ገይሮም ብፍሉይ ከዝዘከርዎም ተሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ድኽነት ዝያዳ ምስትውዓል
17 October 2019, 17:19