ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ብዘይ ናይ ወንጌል ሓሴት ተልእዀ ወንጌል የሎን ፍራንቸስኮ፥ ብዘይ ናይ ወንጌል ሓሴት ተልእዀ ወንጌል የሎን 

ፍራንቸስኮ፥ ብዘይ ናይ ወንጌል ሓሴት ተልእዀ ወንጌል የሎን

ማርያም መሕደሪት ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስን ብምዃና ትብገስ፡ ናብ ትብል፡ ንስኻትኵም እውን መሕደር ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስ ብምዃንኵም ኢኻትኩም ንተልእዀ ወንጌል እትብገሱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መስከረ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ንኣባላት ተቛም ልኡካነ ወንጌል ኢጣሊያ ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ብስራተ ወንጌል ንዓለም ክፉት ምዃንን ብትብዓትን ሓሴትን ዝተሰየ ክኸውንን ብዘይ መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ምዃንን ብዘይ ትካላዊ ሜላን ዝማርኽ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጥቅምቲ ፍሉዩ ናይ ተልእዀ ወንጌል ወርሒ ተብሂሉ ዝበዓለሉ ዕለት ብምዃኑ ቅዱስነቶም ናይዚ ወርሒ ተልእኰ ወንጌል ዋዜማ ነቶም ናይ ኢጣሊያ ተቕዋም ተልእዀ ወንጌል ኣባላት ተቐቢሎም ቃል ምዕዳን ክልግሱ ሓሴትን ተልእዀ ወንጌል ዘለዎ ኣገዳስነት ዘድምዕ እዩ። እቲ ማሕበር ኣብ ኢጣሊያ ካብ መፋርቕ 1800 ክሳብ መፋርቕ 1900 ጽንኵር እዋን ተባሂሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዓመታት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ንኽስትንተንን እግዚኣብሔር ንተልእዀ ወንጌል ክባርኽን ጸጋኡ ከንብር ጸሎት ምህለላ ንምፍጻም ዝተመስረተ ማሕበር ምዃኑ ዘዘኻኸራ ቸራዞ ኣስዒበን፡

ናይ ተልእዀ ተመስጦ

ተልእዀ ወንጌል - ወንጌላውነት ብዘይ ዝተፈላለዩ ቀመራት ናይ ወንጌል ትብዓት ዝንበሮ እዩ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋን ክንይወ ካብቲ ናይ ሓባር ስምዒት ኣብ ኢየሱስ ብዘለካ እምንቶ ተደሪኽካ እትነብሮ ጸዋዕታ እዩ። ናይ ተልእዀ ወንጌል ተመስጦ ዝበሃል ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብቓልን ተግባርን ብዝቐርብ ምስክርነትን ጽምኢ ሱታፌ ምስ ኢየሱስ መግለጺ እዩ። ከምዚ ምዃኑ እውን ናይቲ ማሕበር መስራትን መስራቲትን ገዛ ርእስኻ ምእንቲ ወንጌል ምውፋይ ካብ ዝብል ተመስጦ ነቒሎም ዘመሓላለፍዎ መንስፈሳውንትን ናይዚ ወንጌላዊ ተመስጦ ጽባቔ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዋዕል ዝንጸባረቕ ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ ኣብ ሓደ እዋንን መዋዕል ዘይዕጸው ጽባቔ።

ቅድስተ ድንግል ማርያም ንኢየሱ ሒዛ፡ ንኤልዛበጥ ንኽተገልግላ ትወጽእ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢላ ኢየሱስ ናብ ሕዝበ እስራኤልን ዓለምን ኣብጸሐቶ፡

ማርያም መሕደሪት ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስን ብምዃና ትብገስ፡ ናብ ትብል፡ ንስኻትኵም እውን መሕደር ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስ ብምዃንኵም ኢኻትኩም ንተልእዀ ወንጌል እትብገሱ፡ ናብ ተልእዀ ወንጌል ንኽትነቅል ዝድርኽ ብጀካ ትንስኡ ኢየሱስ ካልእ ምኽንያት የሎን። ፍቱዋትካን ሃገርካን ሕዝብኻን የዕሩኽትኻን ባህልኻን ኵሉ ሓዲግካ ኣብ ወንጌላውነት ንኽትነብር ዝድርኽ ኢየሱስ እዩ።

ንቕድሚት በሉ

ተልእዀ ናብ ኣሕዛብ፡ ወንጌላዊ ልእኹነት ብውልቂ እትቕበሎ ጸዋዕታ እውን እንተዀነ ኣብ መክብብ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝንበር፡ ስለምታይ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝተሰረተ ስለ ዝዀነ፡ ብተወሳኺ እውን መንፈሳዊ መርሆ ብምዃኑ፡ እዚ ወርሒ’ዚ ንእዋናዊ ቅልውላው ግምት ብምሃብ ንልልያን ንምልዋጥን ሕዳሴን ቅዱስ ኣጋጣሚ እዩ፡ ….

ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ቡራኬ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ እሕዛብ ንምብጻሕ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክወጽእ እትድግፉ ኵኑ፡ ከምኡ እውን ወንጌላዊ ልኡኽነት ውልቃዊ ዕማም ዘይኰነስ ማሕበራውን ሕውነታውን ብምክፋል ዝፍጸም ምዃኑ ንኸስተውዕል ደግፍዎ፡ ኣብ መንጐ ተቕዋማትኵም ብምትሕብባር ንቕድሚት ተጓዓዙ።

ተልእዀ ወንጌል ምውህሃብ እምበር መግዛእታውነት ማለት እይኰነን

እቲ ሎሚ ዝፍጸም ተልእዀ ወንጌል ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ልኡካነ ወንጌል ናይ ዝዘርእዎ ዘርኢ ፍረ እዩ፡

ተልእዀ ወንጌል ካብ ኤውሮጳ ናብ ካልእ ክፍለ ዓለም ማለት ኣይኰነ፡ እዚ እቲ ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ብዘካይዶ ዝነበረ ናይ ወረራ ተግባር ዝፍጸም ዘይኰነስ ምውህሃብ ዝብል እዩ፡ እተን ቅድም ብዙሕ ጸዋዕታ ዝነበረንን ልኡካነ ወንጌል ናብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝልእኻ ዝነበራ ሃገራት ሎሚ ልኡካነ ወንጌል ዝቕበላ ኰይነን ኣለዋ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ብዙሓነት የሰንይ።

ምስ ክርስቶስ ስልክይናን ድኻምን ጓህን የልቦን

ልኡካነ ወንጌል ኣብ ልቦምን ኣብ ርክባቶምን ካብ ክርስቶስ ዝርከብ ሓሴት ከየጥፍኡ ምስ ክርስቶስ ስልክይናን ድኻምን ጓህን ከምዘለየለን እዚ ካብቲ ንሱ ናይ ምንባር ሕዳሴ ዝነቕል ምዃኑ ዝምስክሩ እያቶም።

ንልኡካነ ወጌልን ናይ ወንጌል ሓሴት የድልዮ፡ ብዘይ ናይ ወንጌል ሓሴት ተልእዀ ወንጌል ምፍጻም ዝከኣል እይኰነን፡ ብዘይ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘይማርኽ ወንጌላዊ ልኡክነት እዩ ዝህልው፡ ናይ ተልእዀ ወንጌል ሕመረት እቲ እንኰ ማራኺ ብዝዀነ ክርስቶስ ምምራኽ ዝብል እዩ፡  … ዓለም እቶም ኣብ ልቦም ናይቲ ኵሉ ናብኡ ናይ ዝማርኽ ትንሱእ ክርስቶስ ሓሴት ዘለዎም ሰባት እዩ ክርእይ ዝደልይ፡ … እዚ ምስክርነት’ዚ ጭቡጥ ኰይኑ ዝረአይ፡ ኣብ ዘተን ኣብ ፍቕሪ ብምውህሃብን ንሓድ ሕድ ኣብ ምቅብባልን ምክፋልን እዩ፡ ናይ ወንጌል ጽባቔ፡ ኣብ ክርስቶስ ምእማን ናብ ዘሎ ሓገስ ይማርኽን ኣብኡ ከተመልሕቕን ይድርኽ።

ሃይማኖት ኣስዳዕነት ዘይኰነስ ብዘይ ቀመር ዝቐርብ ምስክርነት

ቅዱስነትም ኣስዒቦም ኣብ መንጐ ኣስዳዕነትን እውነተይና ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘሎ ፍልልይ ክገልጹን፡ ንኢየሱስ ምምስካር ኣብ ምሾት ኣልቦን ጸገምን ኩሉ፡ እቲ ዘርኢ ምስክርነት ሱር ክስድድን ክጥጥዕን ናብ ዓቢይ ገረብ ዝቕይሮ ጐይታ ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፡

ንኢየሱስ ብምልኡ ሕይወትካ ምምስካር ማለት፡ ብዘይ እቲ መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ዝዀነ ቀመራዊ ሜላን ወይ ውን ብዘይ ኣገባብ ትካላውነትን ማለት እዩ፡ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ቀንደይና ተዋሳኢ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ብፍቕሪ ኢየሱስ ልኡካነ ወንጌል ዝዘርኦ ዘርኢ ሱር ክሰድድን ክጥጥዕን ናብ ዓቢይ ጽኑዕ ብዙሓት ጽላል ዝረኽብሉ ናይ እምነት ገረብ ክኸውን ዝገብሮ ባዕሉ ጐይታ እዩ፡

ኣብ ጕዕዞ እምበር ኣብ ሮሞቕታ ቤተ ክርስቲያን የላን

ቅዱስ ኣቦና ናይ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ሰማዕትነት እናሓሰቡ፥

… ምቅርራብ፡ ሕድ ህዳዊ ምቅርራብ፡ ገዛእ ርእስኽ ንሓው ቀረባ ምግባር፡ ዓርኪ ምዃን፡ ምእንጋድን ምድጋፍን፡ እዚ ዓይነት ጠባይ እዚ ንዅሉ ዝምልከት እዩ፡ ንዓለማውያን ምእመናን ኰነ ንካህናትን ንኣባላት ውፉያን ሕይወን ኵሎም ዝምልከት እዩ፡ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ፍሉይ ናይ ተልእዀ ወንጌል ወርሒ ከይኑ ክሕሰብ እዩ፡ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐብልኵምን ልኡኻትን፡ ወጌላውነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ ቤተ ክርስቲያን እትህልው ኣብ ጉዕዞ እምበር ኣብ ኣራጢጥካ ኰፍ ምባል ኣይኰነ፡

ቢሎም ዝለገስው ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ክምእተፋነው ቸራዞ ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፥ ብዘይ ናይ ወንጌል ሓሴት ተልእዀ ወንጌል የሎን
01 October 2019, 17:46