ገዓር ድኻታት ናይ ቤተክርስትያን ናይ ተስፋ ገዓር እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃስ 18.9 ኮይኑ ጸሎት ንምዕራግ ናብ ቤተመቅደስ ናይ ዝኸዱ ፈሪሳውን መጸበሓውን ዝትርኽ ምሳሌ ነበረ። እቲ ፈሪሳዊ ብትዕቢት ፍጹም ምዃኑ እናገለጸን ርእሱ እናኣመጻደቀን እንክልምን እቲ መጸበሓዊ ግን ርእሱ ኣቅኒዑ ንላዕሊ እኳ ክጥምት ከይደፈረ ኣፍልቡ እናሃረመ ሓጢኣተኛ እየ እሞ መሓረኒ ይብል ነበረ። ኣብዚ ምሳሌ እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብትሕትና ዝለመነ ጸዲቁ ከምተመልሰ እሞ ትሕትና መሠረት ልዕልና ምዃኑ ዝገልጽ ነበረ።
ቅዱስነቶም ኣብነት ናይቲ ብትሕትና ምሕረት እግዚኣአብሔር ዝሓተተ መበገሲ ናይ ኣምልኾ እግዚኣአብሔር ስለዝኾነ እዚ ነቲ ናይ ኣነነት መንፈስ ከም እነውግድ ድኻታት ምዃና ፈሊጥና ምሕረት እግዚኣአብሔር ከምዘድልየና ምስ እንኣምን ሓቀኛ ኣምልኾ ንእግዚኣአብሔር ነቅርብ። ድሕነት እግዚኣአብሔር ከኣ ኣብዚ ትሕትና እዚ እዩ ዝምስረት። ኣብ ሲኖዶስ ዞባ ኣማዞንያ እውን ድምጺ ድኻታት ገዓር ድኻታት ክንሰምዕ እዚ ገዓር እዚ ከኣ ገዓር ቤተክርስትያን ኮይኑ ናይ ተስፋ ገዓር ቤተክርስትያን እዩ። ነዚ ገዓር ድኻታት ናትና ገዓር ገርና ናብ እግዚአብሔር ከም ጸሎት ኣቅሪብናዮ ብቀጥታ ናብኡ ከምዝድይብ ከኣ እምነተና እዩ ኢሎም።
ቀዳስያን ልብሶም ለቢሶም ንቅዳሴ ኣብ ዚኣትውሉ ዝነበረ ካብ ኣማዞንያ ኣብ ሲኖዶስ ክትዕዘብ ዝመጸት ተኽሊ ኣምዞንያ ሒዝያ ክሳብ መንበረ ታቦት መርሓቶም። ኣብቲ ሲኖዶስ ከም ተዓዘብቲ ወይ ሰማዕቲ ተሳተፍቲ ብዙሓት ካብ ኣማዞንያ ዝመጹ ዓለማውያን ውሉደ ክህነት ተኸተልቲ ካልእ እምነታትውን ተሳቲፎም ነበሩ። ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ቅዳሴ ንቀዳማይ ንባብን ወንጌልን ብምዝማድ ናይ ሰለስተ ሰባት ጸሎት ማለት እቶም ኣብ ወንጌል ዝተጠቅሱ ፈሪሳውን መጸበሓውን ከምኡ እውን እቲ ኣብ መጽሓፈ ሲራክ ዝተጠቅሰ ጸሎቱ ብቀጥታ ንሰማይ ዚዓርግ ድኻ ሰብ ነበሩ።
ናይቲ ንእግዚኣአብሔርን ንብጻዩን ዘየፍቅር ጸሎት ፈሪሳዊ ሰብ!
ናይዚ ፈሪሳዊ ጸሎት ‘ኦ ጐይታ ከም ካልኦት ስለዘይገበርካኒ አመስግነካ ኣሎኹ’ ዝብል ኰይኑ ንኩሉ ትእዛዛት ከምዘኽብር ይገልጽ ኰይኑ ነታ ዓባይ ‘ንእግዚአብሔርን ንብጻይካን ኣፍቅር’ ትብል ትእዛዝ ይርስዕ።
ሎሚ ኣብ መሪሕነት ዝርከብ ነቶም ዘግለሎም ከርሕቅ መናድቅ ይሃንጽ።
እዚ ፈሪሳዊ ንእግዚአብሔር ጥራይ ዘይኮነ ንብጻዩ እውን ይርስዕ! ወረ ንኩሎም የስተናዕቆም! ከምኦም ዘይገበርካኒ ኢሉ የመስግን። ንርእሱ ካብ ኩሎም ዝበለጸ ገሩ ይስምዖ። ካልኦት ንኣኡ ኣየድልዩን ዳርጋ ተረፍ መረፍ እዮም፣ ንኩሉ የነኣእስ። ኩሎም ክተርሕቆም ዘሎካ እዮም ብማለት መከላኸሊ መናድቅ ይሃንጽ።
ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተክርስትያን ዝመላለሱ ቅዳሴ ዝሰምዑ ካብዚ ኣምልኾ ገዛእ ርእስኻ ነጻ ኣይኮኑን። ጐይታ ካብዚ ሕማም እዚ ከናግፈና ንጸሊ። ጽጹይ ናይ ሕልና መርመራ እውን ንግበር። ንካልኦት ኣቈናጺብና እንተኾና ልዕሊ ካልኦት ኰና ዝስመዓና እንተዀይኑ ንገሊኦም ከምዘየድልዩን ክግለሉ ዘለዎም ኢልና ንሓስብ እንተዀና ነስተንትን እሞ ንጐይታ ጸጋኻ ሃበና ፈውሰና ንበሎ።
ትሕትና ዝተላበሰ ጸሎት መጸበሓዊ ኣምላኽ ይቅበሎ!
ቀንዲ ምልክት ናይቲ መጸበሓዊ ድኻ ምዃኑ ምእማኑን ምሕረት ኣምላኽ ብግዲ ከምዘድልዮ ምፍላጡ እዩ። እቲ ቅኑዕ ተበግሶ ከኣ እዚ እዩ። እግዚአብሔር ብቃላት ጥራይ ዝድርደር ጸሎት ዘይኮነስ ብቅኑዕ ኣገባብ ክግበር ይደሊ።
ሓጢኣተኛታት ብምኳኑ ከምቲ መጸበሓዊ ኢና ስለእነስተማስል ምኽኒት ሓሰው ስለንብል ተጋግየ ስለእትኸብደና ከኣ ቁሩብ ፈሪሳውነት ኣሎና። ምስ ብጾትና ክነመኻኒ ክንሕሱ ንኽእል ምስ እግዚአብሔር ግን ፈጺምካ ኣይከኣልን። ጐይታ ነዚ ጸጋ ክህበና ንለምኖ።
ደመናታት ኣቋሪጹ ናብ እግዚአብሔር ዚዓርግ ጸሎት ድኻ!
ቅዱስነቶም ናይ መወዳእታ ኣብነት ዘቅረብዋ እታ ኣብ መጽሓፈ ሲራክ ተጠቂሳ ዘላ ጸሎት ድኻ ኰይና ንሳ ከኣ ንደመናታት ኣቋሪጻ ብቀጥታ ናብ እትዓርግ ጸሎት እያ። ድኻታት ኣብ ሕወቶም ቀዳማይ ቦታ ንእግዚኣአብሔር ይህቡ። ተስፋኦምን ምሉእ እምነቶምን ኣብኡ ኣንቢሮም ብልቦም ሰልዝጽልዩ ይሰምዖም።