ድለ

ገዓር ድኻታት ናይ ቤተክርስትያን ናይ ተስፋ ገዓር እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ነቲ ንሰለስተ ሳምንቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንዞባ ኣማዞናያ መዕጸዊ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረጉሉ ‘ኣምልኾ ገዛእ ርእስኻ ዘይኮነ ኣምልኾ እግዚአብሔር ንምፍጻም ድኽነት ድኻታትና ፈሊጥና ገዓሮም ገዓርና ምስ እንገብሮ ጸሎትና ብቀጥታ ናብ እግዚአብሔር ይዓርግ’ ድሕሪ ቢሎም ገሊኦም ካቶልካውያን ግን ሓቀኛ ኣምልኾ ብፍቅሪ ብጻይ ከምዝሓልፍ ይዝግዑ ኢሎም ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃስ 18.9 ኮይኑ ጸሎት ንምዕራግ ናብ ቤተመቅደስ ናይ ዝኸዱ ፈሪሳውን መጸበሓውን ዝትርኽ ምሳሌ ነበረ። እቲ ፈሪሳዊ ብትዕቢት ፍጹም ምዃኑ እናገለጸን ርእሱ እናኣመጻደቀን እንክልምን እቲ መጸበሓዊ ግን ርእሱ ኣቅኒዑ ንላዕሊ እኳ ክጥምት ከይደፈረ ኣፍልቡ እናሃረመ ሓጢኣተኛ እየ እሞ መሓረኒ ይብል ነበረ። ኣብዚ ምሳሌ እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብትሕትና ዝለመነ ጸዲቁ ከምተመልሰ እሞ ትሕትና መሠረት ልዕልና ምዃኑ ዝገልጽ ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብነት ናይቲ ብትሕትና ምሕረት እግዚኣአብሔር ዝሓተተ መበገሲ ናይ ኣምልኾ እግዚኣአብሔር ስለዝኾነ እዚ ነቲ ናይ ኣነነት መንፈስ ከም እነውግድ ድኻታት ምዃና ፈሊጥና ምሕረት እግዚኣአብሔር ከምዘድልየና ምስ እንኣምን ሓቀኛ ኣምልኾ ንእግዚኣአብሔር ነቅርብ። ድሕነት እግዚኣአብሔር ከኣ ኣብዚ ትሕትና እዚ እዩ ዝምስረት። ኣብ ሲኖዶስ ዞባ ኣማዞንያ እውን ድምጺ ድኻታት ገዓር ድኻታት ክንሰምዕ እዚ ገዓር እዚ ከኣ ገዓር ቤተክርስትያን ኮይኑ ናይ ተስፋ ገዓር ቤተክርስትያን እዩ። ነዚ ገዓር ድኻታት ናትና ገዓር ገርና ናብ እግዚአብሔር ከም ጸሎት ኣቅሪብናዮ ብቀጥታ ናብኡ ከምዝድይብ ከኣ እምነተና እዩ ኢሎም።

ቀዳስያን ልብሶም ለቢሶም ንቅዳሴ ኣብ ዚኣትውሉ ዝነበረ ካብ ኣማዞንያ ኣብ ሲኖዶስ ክትዕዘብ ዝመጸት ተኽሊ ኣምዞንያ ሒዝያ ክሳብ መንበረ ታቦት መርሓቶም። ኣብቲ ሲኖዶስ ከም ተዓዘብቲ ወይ ሰማዕቲ ተሳተፍቲ ብዙሓት ካብ ኣማዞንያ ዝመጹ ዓለማውያን ውሉደ ክህነት ተኸተልቲ ካልእ እምነታትውን ተሳቲፎም ነበሩ። ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ቅዳሴ ንቀዳማይ ንባብን ወንጌልን ብምዝማድ ናይ ሰለስተ ሰባት ጸሎት ማለት እቶም ኣብ ወንጌል ዝተጠቅሱ ፈሪሳውን መጸበሓውን ከምኡ እውን እቲ ኣብ መጽሓፈ ሲራክ ዝተጠቅሰ ጸሎቱ ብቀጥታ ንሰማይ ዚዓርግ ድኻ ሰብ ነበሩ።

ናይቲ ንእግዚኣአብሔርን ንብጻዩን ዘየፍቅር ጸሎት ፈሪሳዊ ሰብ!

ናይዚ ፈሪሳዊ ጸሎት ‘ኦ ጐይታ ከም ካልኦት ስለዘይገበርካኒ አመስግነካ ኣሎኹ’ ዝብል ኰይኑ ንኩሉ ትእዛዛት ከምዘኽብር ይገልጽ ኰይኑ ነታ ዓባይ ‘ንእግዚአብሔርን ንብጻይካን ኣፍቅር’ ትብል ትእዛዝ ይርስዕ።

“እንተኾነ ብዘይፍቅሪ እንታይ ፍረ ክርከብ እዩ! ክንዲ ዝጽሊ ንገዛእ ርእሱ የመጻድቅ። ንጐይታ ከኣ ምንም ኣይልምንን። ከመይ ርእሰይ ክኢለ እየ ምንም ዘድልየኒ የልቦን ይብል። ኣብ ቤተመቅደስ ኣምላኽ እዩ ዘሎ ኰይኑ ክንዲ ኣምልኾ ንእግዚአብሔር ዘቅርብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ኣነነት ኣምልኾ እዩ ዘቅርብ ዘሎ። ብዙሓት ክርስትያን ምርኡያት ካቶሊካውያን እውን ነዚ ጐዳና እዚ ዝኽተሉ ይመስሉ። ከመይ ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ዘቦኡ ነቶም ዘግለሎም ከርሕቅ መናድቅ ይሃንጽ።”

ሎሚ ኣብ መሪሕነት ዝርከብ ነቶም ዘግለሎም ከርሕቅ መናድቅ ይሃንጽ።

እዚ ፈሪሳዊ ንእግዚአብሔር ጥራይ ዘይኮነ ንብጻዩ እውን ይርስዕ! ወረ ንኩሎም የስተናዕቆም! ከምኦም ዘይገበርካኒ ኢሉ የመስግን። ንርእሱ ካብ ኩሎም ዝበለጸ ገሩ ይስምዖ። ካልኦት ንኣኡ ኣየድልዩን ዳርጋ ተረፍ መረፍ እዮም፣ ንኩሉ የነኣእስ። ኩሎም ክተርሕቆም ዘሎካ እዮም ብማለት መከላኸሊ መናድቅ ይሃንጽ።

“ክንደይ ናይ ኣምሰሉነት ትዕቢታት ናብ ምዝመዛን ጸቅጥን ዘየምርሑ። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣሎ። ነዚ ኣብ ሲኖዶስ ሰሚዕናዮ ርኢናዮ ምዝመዛ ተፈጥሮ ምዝመዛ ደቂ ሰባት ምዝመዛ ነበር ኣማዞንያ ንግድ ደቂሰባት ወዘተ። ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ጌጋታት ከይኣክሉ ገና ንካልኦት ምግባትን ዘይሓዊ ቊስልን በሰላን ኣብ ደቂሰባትን ኣብዛ እንነብረላ መሬትን ነስዕብ ኣሎና። ነዚ ከኣ ውቃቤኣ ዝተዳህለ ዞባ ኣማዞንያ ምርኣይ እኹል እዩ። እቲ ዘሕዝን ገሊኦም ንቅዳሴ እንክኸዱ ክንዲ ንእግዚኣአብሔር እምነት ገዛእ ርእሶም ክገብሩ ምኻዶም እዩ።”

ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተክርስትያን ዝመላለሱ ቅዳሴ ዝሰምዑ ካብዚ ኣምልኾ ገዛእ ርእስኻ ነጻ ኣይኮኑን። ጐይታ ካብዚ ሕማም እዚ ከናግፈና ንጸሊ። ጽጹይ ናይ ሕልና መርመራ እውን ንግበር። ንካልኦት ኣቈናጺብና እንተኾና ልዕሊ ካልኦት ኰና ዝስመዓና እንተዀይኑ ንገሊኦም ከምዘየድልዩን ክግለሉ ዘለዎም ኢልና ንሓስብ እንተዀና ነስተንትን እሞ ንጐይታ ጸጋኻ ሃበና ፈውሰና ንበሎ።

ትሕትና ዝተላበሰ ጸሎት መጸበሓዊ ኣምላኽ ይቅበሎ!

ቀንዲ ምልክት ናይቲ መጸበሓዊ ድኻ ምዃኑ ምእማኑን ምሕረት ኣምላኽ ብግዲ ከምዘድልዮ ምፍላጡ እዩ። እቲ ቅኑዕ ተበግሶ ከኣ እዚ እዩ። እግዚአብሔር ብቃላት ጥራይ ዝድርደር ጸሎት ዘይኮነስ ብቅኑዕ ኣገባብ ክግበር ይደሊ።

“ናይቲ መጸበሓዊ ጸሎት ካብ ልቢ ይውለድ ንጹር ከኣ ነሩ። ናብ እግዚኣአብሔር ምስትምሳል ዘይኮነ ልቡ የወፊ። ጸሎት ማለት እግዚኣአብሔር ውሽጥኻ ክርኢ ምፍቃዱ ብዘይ ሕብእብእ ብዘይ ኣጽድቆ ርእስ ናብኡ ምቅራብ እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ብኣጽድቆ ርእስ ዝግበር ኑዛዜ ቊሩብ ክምስ ከምትብል ይገብረካ። እዚ ኣጽድቆ ርእስ እዚ ካብ ዲያብሎስ ስለዝኾነ ግብዝነት ዘይኰንካዮ ኰንካ ክትረኤ ምቅላስ እንክኸውን እቲ ካብ ብርሃን እግዚአብሔር ዝመጽእ ግን ሓቅን ቅንዕናን ግሉጽነት ልብን እዮም። ስለዚ ጐይታ ጸጋኡ ክህበና ድኻታት ምዃና ክስቈረናን ምሕረቱ ከምዘድልየና ክንፈልጥን ንለምኖ። ከመይ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና ሕልናና ብቅንዕና እንተደኣ ተዓዚብና ገለ ብሑቅ ፈሪሳውነት ኣይሰኣናን እዩ።”

ሓጢኣተኛታት ብምኳኑ ከምቲ መጸበሓዊ ኢና ስለእነስተማስል ምኽኒት ሓሰው ስለንብል ተጋግየ ስለእትኸብደና ከኣ ቁሩብ ፈሪሳውነት ኣሎና። ምስ ብጾትና ክነመኻኒ ክንሕሱ ንኽእል ምስ እግዚአብሔር ግን ፈጺምካ ኣይከኣልን። ጐይታ ነዚ ጸጋ ክህበና ንለምኖ።

ደመናታት ኣቋሪጹ ናብ እግዚአብሔር ዚዓርግ ጸሎት ድኻ!

ቅዱስነቶም ናይ መወዳእታ ኣብነት ዘቅረብዋ እታ ኣብ መጽሓፈ ሲራክ ተጠቂሳ ዘላ ጸሎት ድኻ ኰይና ንሳ ከኣ ንደመናታት ኣቋሪጻ ብቀጥታ ናብ እትዓርግ ጸሎት እያ። ድኻታት ኣብ ሕወቶም ቀዳማይ ቦታ ንእግዚኣአብሔር ይህቡ። ተስፋኦምን ምሉእ እምነቶምን ኣብኡ ኣንቢሮም ብልቦም ሰልዝጽልዩ ይሰምዖም።

“ኣብዚ ሲኖዶስ እዚ ናይ ድኻታት ድምጺ ንክንሰምዕን ብዛዕባ ጸገማቶም ክነስተንትንን ጸጋ ረኺብና። ንኩነታት ብካልእ ጐድኑ ክትርእዮ ከምእትኽእልን ተፈጥሮ ንክትምዝምዛ ዘይኮነስ ኣብ እግዚአብሔር ኣሚንካ ክትከናኸና ዘሎካ ምዃና ተገንዚብና። ቤተክርስትያንከስ ድምጺ ድኻታት ክትሰምዕ ኣለዋ። ከመይ ንኣኣ ድምጺ ተስፋ ዝኾና እዚ ድምጺ እዚ እዩ። በዚ ከኣ ገዓር ድኻታት ገዓር ተስፋ ቤተክርስትያን ምዃኑ ንክርድኣና ጐይታ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ ሽዑ ጸሎትና ዝኾነ ጸሎት ቤተክርስትያን ንደመናታት ሰንጢቑ ናብ እግዚኣአብሔር ክበጽሕ እዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
27 October 2019, 17:01