ኣሕዋትሲ ሃንጐፋይ ኢልካ ደኣ ትቅበሎም እምበር ብሌላ ጉሌላ ኣይትመርጾምን! ር.ሊ.ጳ ንልኡኻት ስብከተ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ 2. ዝተወስደ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።’ ዝብል ስለዝነበረ ቅዱሰንቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብሩ ነዛ ጎቦ ወይ ከረን ትብል ቃል ብምውሳድ ንሳ ንባዕላ ቀድመይቲ ምድያባ ካልአይቲ ነጥቢ ኩሎም ኣህዛብ እውን ናብኡ ኪውሕዙ እዮም ንዝብል መበገሲ ብምግባር ከኣ ከም ሳልሰይቲ ቃል ከኣ ኩሎም-ኩልና ንዝብላ ቃላት ተንቲኖም።
ቃል ትንቢት ብብዙሕ መንገዲ ዝትርጐም እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ትርጉሙ ‘እቲ ጎቦ ባዕሉ ኢየሱስ ኮይኑ ንሓዋርያቱ ድሕሪ ትንሣኤኡ ኣብ ጎቦ ወይ ኩርባ ገሊላ ክንራኸብ ኢሉ እቲ ቀንዲ ጎቦ ዝኾነ ትንሣኤ ክርስቶስ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ንዝግበር ዓበይቲ ርክባት የአንግድ’ ኢሎም።
ኣብ ቀንዲ ቊምነገር ዘብጽሓና ጎቦ - ኢየሱስ
ቅዱስነቶም ነቲ ትንቢት ዝበሎ ቃል ብምድጋም ኣብዙ ጎቦ እዚ ምስ እንድይብ ናብ እግዚአብሔር ከም እንቀርብን ‘ብሱቚታን ብጸሎትን ካብ ናይዚ ዓለምዚ ሕሜታን ብምርሓቅ ናብ ጐይታ ክንቀርብ ከምኡ እውን ናብ ብጾትና ክንቀርብ እሞ ነቲ ንኩሉ ብሓዲስ መልክዕ ከርእየና ዝኽእል ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብ ግብሪ ክነውዕል ንኽእል’ ኢሎም።
ምድያብ ክበሃልከስ ምምናን እዩ!
ቅዱሰንቶም መንነት ክርስትና ዳግም ብምዝካር ንናይ ዓለም ጉዳይ ከምዘይተፈጠርናን ንልዑል ነገራት ከምዝኾናን ዘዘኻኽር ጉዳይ ጎቦኸስ ናብቲ ዘድሊ ልዕልና ክንድይብ ይዕድመና። ነዚ እንገብረሉ ኸኣ ንእግዚኣአብሔር ንምርካብን ነሕዋትና ብፍሉይ ጠመተ ንምቅራብን ስለዝሕግዝ ናብ ጎቦ ምድያብ ግድን እዩ። ናብ ጎቦ ምድያብ ጽንኩርን ሓያልን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዙሕ ጻዕርን ተወፋይነትን ይሓትት። ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ ኣብቲ ዘድሊ ብራኸ ምስ ደየብካ ከኣ በቲ እትረኽቦ ራእይ ትዓግብ። ነሕዋትና ብኻልእ ኣመለኻኽታ ንዕዘቦም። ምስ እግዚአብሔር ንራኸብ። ኰይኑ ግን ናብቲ ዝበረኸ ቦታ ንምድያብ ብዙሕ ቅድመ ኩነታት ይሓትት! ቅድሚ ዝኣገረ ጾር ክነኽብድ የብልናን። ነታ ብሜዳ ሜዳ እናተጓዓዝካ ዝዝውተር መነባብሮ ምምናንን ተጻይ ሓይልታት ስሕበት ንላዕሊ ገጽካ ምድያብ የድሊ ኢሎ። ምሥጢር ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እውን ኣብዚ እዩ ዘሎ ኢሎም።
ክርስትያን ዘቦኡ ንኩሎም ክረክብ እዩ ዝብገስ!
ምድያብን ምውራድን ናይቲ ጎቦ ናይ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ልሙድ መነባብሮ እኳ እንተኾነ እዚ ግን ካልኦት ክርእዩኻን ክሰምዑኻን ዘይኮነ ንኩሎም ክትረክብ ክትገብሮ ዘሎካ ጉዕዞ እዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ብዝተፈላለየ ዓፋኒ ንፋሳት ተዓፊኑ ንዘሎ ዓለምና ንጹሕ ኣየር ወንጌል ከምዘስተንፍስ ንገብሮ። እዚ ከኣ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ይበሃል። ነቲ ንኩሉ ዝብልክል ነገራት ኣወጊድካ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ነቲ ንጹሕ ኣየር ዝሓዘ ቃል ኣምላኽ እንክተብጸሓሉ ካብ ዝኾነ ዕፈናን ብዕኸላን ነጻ ንገብሮ።
እዚ ከኣ ሓደ ትዕድልቲ እምበር ምንም ተጽዕኖ ኣይኮነን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።