ድለ

ኣሕዋትሲ ሃንጐፋይ ኢልካ ደኣ ትቅበሎም እምበር ብሌላ ጉሌላ ኣይትመርጾምን! ር.ሊ.ጳ ንልኡኻት ስብከተ

ዓመት መጸ ኣብዛ ናይ ትማሊ ሰንበት ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ስብከተወንጌል ሎምዘመን እውን ንመበል 93 ግዜኡ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተዘኪሩ ውዒሉ። ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም `ክርስትያን ምስ ኩሎም ብፍቅሪ ዝጐዓዝ እዩ ከመይ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እትስከሞ ጾር ዘይኮነስ እተውፍዮ ጸጋ እዩ` ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ 2. ዝተወስደ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።’ ዝብል ስለዝነበረ ቅዱሰንቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብሩ ነዛ ጎቦ ወይ ከረን ትብል ቃል ብምውሳድ ንሳ ንባዕላ ቀድመይቲ ምድያባ ካልአይቲ ነጥቢ ኩሎም ኣህዛብ እውን ናብኡ ኪውሕዙ እዮም ንዝብል መበገሲ ብምግባር ከኣ ከም ሳልሰይቲ ቃል ከኣ ኩሎም-ኩልና ንዝብላ ቃላት ተንቲኖም።

ቃል ትንቢት ብብዙሕ መንገዲ ዝትርጐም እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ትርጉሙ ‘እቲ ጎቦ ባዕሉ ኢየሱስ ኮይኑ ንሓዋርያቱ ድሕሪ ትንሣኤኡ ኣብ ጎቦ ወይ ኩርባ ገሊላ ክንራኸብ ኢሉ እቲ ቀንዲ ጎቦ ዝኾነ ትንሣኤ ክርስቶስ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ንዝግበር ዓበይቲ ርክባት የአንግድ’ ኢሎም።

ኣብ ቀንዲ ቊምነገር ዘብጽሓና ጎቦ - ኢየሱስ

ቅዱስነቶም ነቲ ትንቢት ዝበሎ ቃል ብምድጋም ኣብዙ ጎቦ እዚ ምስ እንድይብ ናብ እግዚአብሔር ከም እንቀርብን ‘ብሱቚታን ብጸሎትን ካብ ናይዚ ዓለምዚ ሕሜታን ብምርሓቅ ናብ ጐይታ ክንቀርብ ከምኡ እውን ናብ ብጾትና ክንቀርብ እሞ ነቲ ንኩሉ ብሓዲስ መልክዕ ከርእየና ዝኽእል ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብ ግብሪ ክነውዕል ንኽእል’ ኢሎም።

“ኣብ ልዕሊ ጎቦ ኰንኳ እንክትዕዘብ ካልኦት ሓደ ኰይኖም ይረኣዩኽ ኣእዚ ሓድነት እዚ ከኣ ናይ ውህደት ጽባቄ ኣለዎ። ኩነታት ጎቦ ዘዘኻኽረና ጉዳይ እንተኣልዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምርጫ ዘይኮነ ከምቲ ጐይታ ዘቅረበልካ ተቀቢልካ ሃንጐፋይ ኢልካ ትቅበሎም። ጎቦኸስ ካብ ብዙሕ ንዋታዊ ነገራት ፈልዩ ንላዕሊ ከም እንወጽእን ነቲ መሠረታዊ ዝኾነ ነገር ዳግም ንምርካምን ነሕዋትናን ንእግዚኣአብሔርን ብጸሎት ከምእንሓቊፍ ይገብረና ኢሎም። እዚ ናብ ጎቦ ምድያም ነቲ ምድራዊ ዝኾነ ነገራት ንምምናን ይሕግዘና።”

ምድያብ ክበሃልከስ ምምናን እዩ!

ቅዱሰንቶም መንነት ክርስትና ዳግም ብምዝካር ንናይ ዓለም ጉዳይ ከምዘይተፈጠርናን ንልዑል ነገራት ከምዝኾናን ዘዘኻኽር ጉዳይ ጎቦኸስ ናብቲ ዘድሊ ልዕልና ክንድይብ ይዕድመና። ነዚ እንገብረሉ ኸኣ ንእግዚኣአብሔር ንምርካብን ነሕዋትና ብፍሉይ ጠመተ ንምቅራብን ስለዝሕግዝ ናብ ጎቦ ምድያብ ግድን እዩ። ናብ ጎቦ ምድያብ ጽንኩርን ሓያልን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዙሕ ጻዕርን ተወፋይነትን ይሓትት። ድሕሪ ብዙሕ ቃልሲ ኣብቲ ዘድሊ ብራኸ ምስ ደየብካ ከኣ በቲ እትረኽቦ ራእይ ትዓግብ። ነሕዋትና ብኻልእ ኣመለኻኽታ ንዕዘቦም። ምስ እግዚአብሔር ንራኸብ። ኰይኑ ግን ናብቲ ዝበረኸ ቦታ ንምድያብ ብዙሕ ቅድመ ኩነታት ይሓትት! ቅድሚ ዝኣገረ ጾር ክነኽብድ የብልናን። ነታ ብሜዳ ሜዳ እናተጓዓዝካ ዝዝውተር መነባብሮ ምምናንን ተጻይ ሓይልታት ስሕበት ንላዕሊ ገጽካ ምድያብ የድሊ ኢሎ። ምሥጢር ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እውን ኣብዚ እዩ ዘሎ ኢሎም።

“ንጉዕዞ ንክትነቅል ምምናን የድሊ። ከመይ ንስብከተ ወንጌል ንክትብገስ ምናኔ መሠረታዊ እዩ። ተኣማኒ ስብከተ ወንጌል ብዝተወቃቀጡ ቃልት ዝቆመ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ምስክርነትን ኣገልግሎትን ዝተመርኰሰት ሕይወት ብእትህቦ ምስክርነት ክስነ ኣለዎ። ንልቢ ዝትንክፍ እዚ እዩ እንተዘየሎ እቶም ንኩሉ ነገር ብሸለልትነት ዚሓልፉ ምንም ስምዒት ዘይብሎም ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ብቃል ጥራይ ዝሰብኩ ንእግዚኣአብሔርስ ይኹን ንብጾቶም ግዜ ዘይብሎም ሰበኽቲ ወንጌል ምንም ከፍርዩ ኣይክእሉን። ልብና ወትሩ ክንዮ ሰብኣዊ ውሱንነትን መዕገቲታትን እዩ ዚጐዓዝ። እዚ ከኣ ንኩሉ እዩ።”

ክርስትያን ዘቦኡ ንኩሎም ክረክብ እዩ ዝብገስ!

ምድያብን ምውራድን ናይቲ ጎቦ ናይ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ልሙድ መነባብሮ እኳ እንተኾነ እዚ ግን ካልኦት ክርእዩኻን ክሰምዑኻን ዘይኮነ ንኩሎም ክትረክብ ክትገብሮ ዘሎካ ጉዕዞ እዩ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ብዝተፈላለየ ዓፋኒ ንፋሳት ተዓፊኑ ንዘሎ ዓለምና ንጹሕ ኣየር ወንጌል ከምዘስተንፍስ ንገብሮ። እዚ ከኣ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ይበሃል። ነቲ ንኩሉ ዝብልክል ነገራት ኣወጊድካ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ነቲ ንጹሕ ኣየር ዝሓዘ ቃል ኣምላኽ እንክተብጸሓሉ ካብ ዝኾነ ዕፈናን ብዕኸላን ነጻ ንገብሮ።

እዚ ከኣ ሓደ ትዕድልቲ እምበር ምንም ተጽዕኖ ኣይኮነን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
21 October 2019, 19:24