ድለ

ናብ ባህሊ ሕዝቢ ብምኻድ ሓደስቲ ናይ ስብከተውንጌል ጐዳናታት ምኽፋት የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ መዕጸዊ ቅዳሴ ሲኖዶስ ኣማዞናያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ‘ኣብ ዝተሓምረጐ ማያት ሥነ ሓሳባት ከይንወድቅ ተጠንቂቅና ናብቲ ክፉት ባሕሪ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንምግፋፍ ዓሣ መርበብኩም ደርብዩ ኢሉ ዝምሕጸንና ንኺድ’ እንክብሉ ኩልና ናብ ስብከተ ወንጌል ክንወፍር ተማሕጺኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቀንዲ ዘተኰሩሉ ስብከተ ወንጌል ኰይኑ እዚ ከኣ ‘ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን እዩ` እንክብሉ ነቲ ንሰለስተ ሳምንቲ ኣብ ከተማ ቫቲካን ክካየድ ዝቀነየ ሲኖዶስ እውን ቀንዲ ዕላማኡ እዚ ስለዝኾነ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ቤትማእሰርቲ ንፍርዲ ክኸይድ እንከሎ ዝበሎ ከኣ ብሓባር ምጒዓዝ ከምዘድሊ ገሊጾም። ሎሚ ኣብ ፍጻሜ ሲኖዶስ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ክንሓቶን ክነስተንትኖን ዘሎና ከኣ ‘ኣነስ ንሠናይ ነገር ወንጌል እንታይ ክገብር እኽእል?’ ዝብል ሕቶ እዩ ኢሎም። ነዚ ንምግባር ከኣ ብዝተፈላለየ ሥነ ሓሳባት እምነትን ፖሎቲካን ተሓማሪጉ ዘሎ ዓለምና ውጽእ ኢልካ ሓደስቲ መንገድታት ስብከተ ወንጌል ንፍጠር ኢሎም።

ሓደስቲ ጐደናታት እምበር ኣብ ዓዘቅቲ ሥነ ሓሳባት ኣይንደቅ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ሲኖዶስን ኣብ ኩለን ዕለታት ሲኖዶስን ንኣበው ሲኖዶስ ትቀርብ ዝነበረት ሕቶ ሓደስቲ መንገድታት ስብከተ ወንጌል ብከመይ ትብል ነበረት። ከም መበገሲ ከኣ ወንጌልሲ ብሕይወት ብመነባብሮኻ እዩ ዝበኽ እሞ ከም ኢየሱስን ንኢየሱስን ክነብር እንተኾና እታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ካብ ገዛእ ርእስና ክንወጽእ ኣሎና ኢሎም።

“በዚ መንፈስ እዚ ከኣ ካብቲ ምቾት ዝመልኦ ገማግም ባሕርታትናን ውሑስ ቦታታት ወደባትናን ናብቲ ዓሚቚ ዝኾነ ሰፊሕ ባሕሪ ንክንወጽእ እምበር ኣብ ዝተሓማረጐ ማያት ዓዘቅቲ ሥነ ሓሳባት ከይንተርፍ ተደፋፋእና። ናብቲ ክፉት ባሕሪ ምስ እንኸይድ መንፈስ ቅዱስ እኹል ዓሣ ንምግፋፍ መርበባትኩም ደርብዩ ይብለና።”

ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ምልስ ኢሎም ኣብ ዕለቱ ከም ቀዳማይ ንባብ ዝቀረበ ካብ ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ 35.13 ፍትሒ ኣምላኽ ዝምልከት ‘እግዚአብሔር ነገር ድኻ ኪፈርድ ከሎ ኣየዳሉን እዩ። ንሱ ጸሎት ዝተበደለ ሰብ ዚሰምዕ እዩ። ምህለላ ዘኽታምን ጥርዓን መበለትን ኣይንዕቕ እዩ። እቲ ካብ ዓይኒ መበለት ዚውሕዝ ንብዓት፡ ነቲ ኸም እትበኪ ዝገብራ ዚኸስስ እዩ። እቲ በገልግሎቱ ንእግዚአብሔር ዜሐጒሶ ሰብ ቅቡል እዩ። ጸሎቱ ድማ ናብ ሰማይ ኪዓርግ እዩ። ጸሎት ትሑት ሰብ ንደመናታት ሰንጢቓ ትሓልፍ፡ ናብ እግዚአብሔር ክሳብ ዘይበጽሔት ድማ ኣይጸናናዕን። ልዑል ኣምላኽ መልዲ ኽሳዕ ዚህቦ፡ ንቕኑዓት ክሳዕ ዚምልሰሎ፡ ፍትሒውን ክሳብ ዜውፅኣሎም ጸሎት ኣየቋርጹን እዮም። እግዚአብሔር ኣይኪድንጒን እዩ፡ ደጊም ኣይጊዕገሶምን እዩ።’ ንዝብል ምርኩስ ገሮም ንሕናውን ገዓር ድኻታትን መሬትናን ንስማዕ ኢሎም።

ገዓር ድኻታትን መሬትናን ንስማዕ!

ቅዱስነቶም እንደገና ናብ ሲኖዶስ ምልስ ይብሉ እሞ ኣብ ጒዕዞ ሲኖዶስ ዝገበርናዮ ጒዕዞ ጽን ቢልካ ናይ ምጽማዕ እዩ። ነቲ ዘሎ ጸገማት ምንም ከይሓባእካ ምስማዑ የድሊ ኰይኑ ግን ንክተገልግል ብሓባር ናይ ምጒዓዝ ጽባቄ እውን ምስትምቃር የድሊ። ብቀንዱ ከኣ ካብ ኣማዞንያ ንዘእዊ ገዓር ድኻታትን መሬትን ከምዘይሰማዕናን ከምዘይረኣናን ኰና ክንመላለስ ዘይከኣል እዩ። ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ከምዝሰማዕናዮ እግዚአብሔር ንጸሎት ውጹዕ ይሰምዕ እዩ።

“ኣብ ውሽጢ እዚ ዘካየድናዮ ሲኖዶስን ኣብ ደገን ብጓሶት ነፍሳትን መንእሰያትን ሊቃውንት ዝጋዋሕ ዘሎ ድምጺ ድኻታት ምንም ከይገበርና ተዓኒድና ንከይንተርፍ ይንውንውና። ብዙሕ ግዜ ደሓን ደሓር ንርእዮ ትብል ቃል ንሰምዕ ኰይኑ ግን እዛ ቃል እዚኣ ጭርሖ ጥራይ ኰይና ክትተርፍ የብላን።”

ምስ ባህሊ ዝዋሳእ እንኮ ጽሩይ ወንጌል እምበር ጽሩይ ባህሊ የልቦን!

ቅዱስነቶም ነቲ ክካየድ ዝወርሐ ሲኖዶስን ንዝምልከቶ ዞባ ኣማዞንያን ናብ እኖና ድንግል ማርያም ብምምዕቋብ ንግሥተ ኣማዞንያ ይብልዋ።

“እወ ንግሥተ ኣማዞናያ እያ! ኰይኑ ግን ብዕብለላ ዘይኮነት ነቲ ባህሊ ብወንጌል እናኣብሰለት። በቲ ትሑት ትብዓት ኣደነት ድንግል ማርያም ተከላኻሊት ናይ ናኣሽቱ ተኸላኻሊት ውጹዓት እያ። ናብ ባህልታት ካልእ ሕዝቢ እንክትከይድ ጽሩይ ባህሊ ወይውን ንኩሉ ዝበቅዕ ባህሊ ንካልኦት ባህልታት ዘጽሪ ባህሊ ከይምዘሎ ምዝካር የድሊ። እንኮ ጽሩይ ቅዱስ ወንጌል ጥራይ ኰይኑ ንባህሊ መንነት የልብሶ። ነታ ናይ ናዝሬት ድኻ ዝኾነት ንኢየሱስ ዝሓብሓበት እኖና ኸስ ንኩሎም ድኻታትን ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት መሬትናን ነማዕቊብ።”

ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነታ ኣብዚ ቅንያት እዚ ቅልውላው ግጭት ዘንጸላልዋ ሊባኖስ ከም ቀደማ ብሰላም ተሓቋቊፎም ዝነብሩላን ነጻነትን ክብርን ናይ ነፍሲወከፍ ዝሕለወላን ክትከውን ምእንታኣ ንጸሊ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 October 2019, 16:52