ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዘብጽሕ ቅኑዕ ዘተ እዩ! ር.ሊ.ጳ ንሃገረ ቺለ
ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንኩሉ እቲ ኩነታት ብዓቢ ሻቅሎት ይከታተልዎ ከምዘለውን ኣብ ጸሎት ከምዝዝክርዎን ብምሕባር ናብ ዘተ ከምርሑ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።
ኣብ ሃገረ ቺለ ንዝካየድ ዘሎ ብዓቢ ሻቅሎት እከታተሎ ኣሎኹ። ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ተርእዮ እዚ ብዘተ ናብ ሰላም ከምርሕን ነቲ ዘሎ ጸገም መፍትሒ ዝኸውን ከኣ ብዘተ ክርከብ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ናይ መላእ ሕዝቢ ቺለ ከኣ ክተውሕሱ እምሕጸን’ ክብሉ ጸዊዖም።
ከምዝዝከር ካብ ዝሓለፈ ዕለት 18 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ሃገረ ቺለ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ መነባብሮ ብርትዕ ዕግርግር ተላዒሉ ብዙሕ ናዕብን ሁከትን ተቋውሞን ይረኤ ኣሎ።
መንግሥቲ ከኣ ከም ግብረ መልሲ ንብዙሓት ይቅይድ ከምዘሎ ልዕሊ 15 ከኣ በዚ ናዕቢ እዚ ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ እንክምልከት ኣብ ርእሰ ከተማ ቺለ ዝኾነት ከተማ ሳንትያጎ ጥራይ ልዕሊ 2,600 ከምዝተኣስሩ ካብ ቦታኡ ዝመጽእ ዜናታት የመልክት።
ቅድሚ ትማሊ መራሒ ሃገረ ቺለ ፕረሲደት ሰባስትያን ፒነራ ናይቲ ኩነታት ክበድን ሳዕቤናቱን ብእዋኑ ብዘይምርድኡን ብዘይምቚጻዩን ይቅሬታ ሓቲቱ። ኣስዒቡ ከኣ ንማሕበራዊ ሓድነት እታ ሃገር ዝምልከት መርሓ ግብር ንምውጣን ንብዙሓት ኣዘራሪቡ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ዓሠርተ ነጥቢ ዝሓዘ ፍታሕ ኣቅሪቡ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ኣብተን ነጥብታት ንዶሞዝ ጥሮተኛታት ክብ ከብል ዋጋ መድሓኒታት ክቅንስ ዝተሓተ ደሞዝ ሠራሕተኛታት ክብ ከብል ዝብል ሓሳባት ይርከቦ።