ድለ

ዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ዓምፈ ተልእኾኦም ዝጀመሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ዓምፈ ተልእኾኦም ዝጀመሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ  

ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝበልዎ ልብታትና ንክርስቶስ ምኽፋት ኣይረስዕ! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ እንክበዓል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝኽሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ቅድሚ 41 ዓመት በዛ ዕለት እዚኣ ከምዝነበረ ዘኪሮም። ብቃላትን ተግባራትን ቅድስናን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ዓለምናን ልባታትናን ስለዝተፈጸመ ሠናይ ነገር ንእግዚኣአብሔር ነመስግን ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝተመርጹሉ ግዜ ብዓውታ ዘቅረቦ ጻውዒት ‘መዓጹ ልባትኩም ንክርስቶ ክፈቱ! እኳ ደኣ ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ` ዝብል ነበረ። ሎሚ በዓል ቅድስናኦም እንክንዝክር እቲ ዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ዓምፈ ተልእኾኦም ዝጀመሩ ነዚ ከኣ ኣበው ዕለት 16 ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት እቲ ኣብ ዘካየድዎ ምርጫ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ዕለት እቲ ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከም መኽፈቲ ተልእኮኦም ዘቅረብዎ ቃላት ‘ልዑላን ካርዲናላት ካብ ሓደ ርሑቅ ዓዲ ንሰበኻ ሮማ ጳጳስ መሪጾምላ። እዚ ርሑቅ ዓዲ ቀረባ እውን እዩ እዚ ቅርበት እዚ ከኣ ብውህደት እምነትን ባህሊ ክርስትናን እዩ። መጀመርያ ነዚ መዝነት እዚ ምቅባል ኣፍሪሁኒ ነበረ ኰይኑ ግን ብመንፈስ ተኣዝዞ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዲኡን ብዘሎኒ ምትእምማን ተቀቢለዮ። ምስ በሉ ነጐድጓድ ብዝጥዕም ቃሎም ኣይትፍርሑ እንክብሉ ከምዚ በሉ።

ፍርሃት ኣይሃሉኹም! መዓጹኹም ንክርስቶስ ክፈቱ እኳ ደኣ ጋህ ኣቢልኩም ክፈትዎ። በሉ።

ዶባት ሃገራት ይኽፈቱ ከምኡ እውን ምሕደራታት ቊጠባ ተኸፍቱ!

እዛ ኣይትፍርሁ ትብል ቃል ኣብ ኩሉ ትምህርቶምን ስብከቶምን ዘይትተርፍ ኮነት። ኣብ ናይ መጀመርያ ስብከቶም ንክርስቶስን ሓይሉን ንምቅባል ኣይትፍርሁ ንር.ሊ.ጳ ንክርስቶስ ከገልግሉ ዝደልዩን ኩሎም ደግፉ። ኣይትፍርሁ። ነታ መድሓኒት ዝኾነት ሥልጣን ክርስቶስ ምቅባል ኣይርፍርሁ። ዶባት ሃገራትን ምሕደራ ቁጠባን ፖሎቲካን ክፈትዎም። ኩሎም ባህልታትን ሥልጣኔታትን ነዚ ሓይሊ እዚ ክፉት ይኹን። ኣይትፍርሁ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ስለዝፈልጦ ድሕሪ ቢሎም ካብ ልቦም ዝነቀለ ከምዚ ክብሉ ጸልዮም ነበሩ። ‘ኦ ክርስቶስ ናይ ሥልጣንካ ብሕቱ ኣገልጋሊ ከምዝኸውን ግበረኒ። እዚ ሥልጣን እዚ ጥዑም ልኡም ዘይውዳእ ጸሓዩ ዘይዓርብ ስለዝኾነ ኣገልጋሊ ናይዝን ኣገልጋሊ ኣገልገልትኻን ከምዝኸውን ግበረኒ ‘ እንክብሉ ጸለዩ ከምኡ ከኣ ኮነ።

ካብታ ዕለት እቲኣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ቃላት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንኩሉ እናኣብርሁ መሪሕ ኮይኖም የገልግሉ ኣለዎ። ዘመነ ጵጵስናኦም ሣልሳይ ዝነውሐ ዘመን ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

22 October 2019, 18:04