ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ንማሕበር ኣመሪካ

ንናይ ውሑዳት ጉጅለን ክፍሊ ሕብረተሰብን ረብሓ ዘይኰነስ ንናይ መላእ ናይታ ሃገር ሃብቲ ዝዀነ ህብረ ባህልን ህብረ ኣመለኻኽታን ነታ ፍቕርቲ ሃገርኵም ጽባቔ ዘድምዕ መጋበርያ መታን ክኸውን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ መበል 103 ዓመት ምስረታ ናይቲ ብጋንታ ኣመሪካ ዝፍለጥ ናይ መክሲኮ ናይ እግሪ ኵዕሶ ጋንታ ምኽንያት ናይ ምስማዕ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ኣብ መልእኽቶም መክሲኮ ኣብ ናይ ውህደትን ናይ ሓባር ጥቕምን ጐዳና ክትስጉም እጽልይ ከምዝበሉ ልኡክ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ መክሲኮ ናይ እግሪ ኵዕሶ ጋንታ ንዘብዕሎ መበል 103 ዓመት ቅዋሜኡ እንቋዕ ኣብቅዓኵም ቢሎም፡ ስፖርትን ማሕበራዊ ውህዶን ዝተፈላለዩ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን መደባት ዘጣምር ከምዝዀነ ገሊጾም፡ መጻኢ ብደጐዓ ዘይኰነ ልክዕ ከምቲ እቲ ማሕበር ስፖርት መክሲኰ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ቅዋሜኡ ንኸብዕል ብዘብቀዖ ጽንዓት እዩ ዝሕነጽ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ሓድነት ሕዝቢ መክሲኰ  

ንዅሎም ናይቲ ናይ መክሲኮ ናይ ስፖርት ማሕበር ኣባላት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ድልያ ማሕበራዊ ጥቕምን ውህዶን ናይ ሕዝቢ መክሲኰ ሓድነት ዘጽንዕ እዩ፥

ንናይ ውሑዳት ጉጅለን ክፍሊ ሕብረተሰብን ረብሓ ዘይኰነስ ንናይ መላእ ናይታ ሃገር ሃብቲ ዝዀነ ህብረ ባህልን ህብረ ኣመለኻኽታን ነታ ፍቕርቲ ሃገርኵም ጽባቔ ዘድምዕ መጋበርያ መታን ክኸውን፡ እታ ፍቱውቲ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ብካባኣ ጽላል ትኹነኩም ምእንቲ ሓድነት ሕዝቢ መክሲኰ እጽልይ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ብህርኵት ጻዕርን ብጥበብን ብፍላይ ናይ ዝተናዕቁን ድኻታትን ቀዳምነት ዝህብ ድልያ ናይ ሓባር ጥቕሚ መታን ክህሉ።

ንናይ ሓባር ቤትና ክንክን ተገዳስነት

ኣብዚ ዝኽሪ በዓለ ምስረታ ናይ ከተማ መክሲኮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ካሮሎስ ኣጉኢር ረተስ ነታ ናይ መክሲኮ ስፖርት ክለብ ምልክታ ዝዀነ ጨዓይ ጸጉሪ ዘለዎ ንስሪ ክባርኹ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ እዚ ጨዓይ ንስሪ ኣብ ዓለም ኣብ ሓደጋ ምንጻት ዝርከብ ዓነትት እንስሳ እውን እዩ እሞ፡ እቲ ዘለኵም ምልክታ ንስሪ ንናይ ሓባር ቤትና ምክልኻል ንዝብል ልዑል ኣገልግሎት ዘተባብዓኵም ይኹን ሓደራ ክብሉ እንከለዉ፥

እቲ ዘለኵም ትእምርቲ ብዝሓ ሕይወታውያን ሃብቲ ሓለፋ ክትብሉን ነቲ ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ንኸተስተውዕሉ ዝድግፈኵም ይኹን፡  ሰብ ይዅን ከባቢናን ማንም ዘይንጽል፡ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ንሓድ ሕዳዊ ክንክንን፡

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ንማሕበር ኣመሪካ
28 September 2019, 18:43