ድለ

ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣፍሪቃ፥ ሓሴትን ተስፋን ሓላፍነትን ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣፍሪቃ፥ ሓሴትን ተስፋን ሓላፍነትን  ርእሰ ዓንቀጽ

ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣፍሪቃ፥ ሓሴትን ተስፋን ሓላፍነትን

ናይ ድኻታት ኵነት ከም ጽሕፍቶ ገርካ ካብ ምሕሳብ ፈተና ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም እዮም፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ድኽነት ዘስዕቦ ሕሰም ተስፋ ኣይትቑረጹ፡ ካብቲ ኵሉ በቋራጺ ዝብልን ናብ ኣብ ገዛእ ርስኻ ተዓጺፍካ ምንባር ካብ ዝብል ፈተና ተሓለዉ” ይብሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣሰር ዝሓደገ ምስልታትን ቃላትን ብዝብል ናይ መበገሲ ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ኣንድሪያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ሓዋርያዊ መገሻ ተፈጺሙ እዩ፡ እቲ ካብ ዕለት 4 መስከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ጽዑቕን ክንየው ተራውነትን ብሓፈሻኡ ፍሉይ ምንባሩን ኣብቲ ኵነት ርክብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወጅሂ ነዚ ሓዋርያዊ መገሻ ዝተዓደለ ኵሉ ኣተንብቦን እዩ፡ ኣብ ማፑቱን ኣንታናናሪቮን መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረግሉ ሰጣህ ጐላጉል ሓንሳብ ዶሮናን ሓንሳብ ናብ ጭቃን ዝቐያየር እውን እንተነበረ እዚ ብዘየገድስ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብሓቂ መሳጢ ከምዝነበረ ቶርኒተሊ ይትንትኑ። ሕዝቢ ዝተሓላለኸ ጸገማት ዘለዎን ኣብ ዘይርጉጽ መነባብሮ ዝነብር እውን እንተዀነ፡ ነዚ ዅሉ ሰገር ዝዀነ ሓሴት ዝምስክር፡ ብሓቒ ኣብነታዊ ምዃኑ ተስተውዕል። ሓሴት ኣብ ኤኮኖሚ ጥራሕ ዘይተኣሳሰረ ምዃኑ ዝምስክርን ዝነብሮ እምነትን ምሕዝነትን፡ ናይ ምርኻብ ብቕዓትን ስድራ ቤታዊ ምትእስሳርን ምትሕልላይን ብነኣሽቱ ነገራት ዝረውይን ንምግልጋል ገዛእ ርእሱ ስንድው ዝገብር ኣብ ናይ ዓለም ኵነታት ብኣሓዝ ብዝግለጽ ጸብጻብ ዘይግለጽ ፍሹኽ ሕይወት ዝነበር ሕዝቢ እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣካማሶኣ ቀደም መእከብ ጓሓፍን ጉድፍን ዝነበረ ሎሚ ነኣሽቱ ብጡብ ዝተሰርሑ ኣባይቲ፡ ኣባይቲ ትምህርትን ናይ መዘናግዒ ኣዳራሽን ኣብ ዝተሓነጸሉ ቅድሚ 30 ዓመት ኣባ ፐድሮ ኦፐክ ኣብ ዝመስረትዎ ቑሸት ምስ ዝነብሩ ሸሞንተ ሽሕ ሕጻናትን መንእሰያትን ዘካየድዎ ርክብ ብሓቂ መሳጢ ከምዝነበረን፡ እዚ ብሓቂ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እተካይዶ ግብረ ሰናይ ዝምስክር ብዙሕ ዘይንገረሉን ክርስቲያናዊ ተስፋ ዘሰግው እዩ፡ እዞም ልኡካነ ወንጌል ኣባ ኦፐክ እግዚኣብሔር ይባርኰም፡ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ሰብኣዊ ክብሮም ተረጋጊጹ ዓቐን ሰብ ዘለዎ ስራሕን መነባብሮን ክረኽቡ ክኢሎም እዮም። ወዲ ሰብ ርእሱ ዘዕርፍፈሉን መግቢ ዝረኽበሉን ናይ ሕንጸት መሰሉ ዘረጋግጸሉን ስፍራ። ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ስፍራ ምስ በጽሑ እቶም ሕጻናትን መንእሰያትን ናይ ቅዱስ ኣቦና መንፈስ ዘወዓውዕ ፍሉይ ጸጋ ዘጸገዉ እያቶም። ከም ኣባ ኦፐክ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ኣብ ናይ ምዕራብ ሃገራት ደጋዊ ክፍልታትን ፋሕ ዝበሉ ልኡካነ ወንጌል ብዙሓት እያቶም፡ እቶም ሕጻናት ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ቑሸቶም ስለ ዘአንገዱ ኣብ ገጾም ዝርአይ ዝነበረ ውሉዳዊ ኩርዓትን ሓበንን ብቐሊሉ ተንብብ፡ ነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንደይና መንነታ ዘበራብሩን ወንጌላውነታ ዘነቓቕሑን ኵለንተናዊ ሰብኣውነት ንዘነቓቕሑ እግዚኣብሔር ወትሩ ህያውን ኣብ መንጐ ህዝቡ ምዃኑ ዝምስክሩ ናይ ሮማ ጳጳስ ምእንጋድ ነቶም ዜጋታት ዓቢይ ሓጐስ ፈጢሩሎም እዩ። ምስቶም ዝተራኸብዎም ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን እታ ዝተራኸብዋ ቤተ ክርስቲያንያን እውነተይና ልኡኻዊ መንፈስ ንድኻትን ዝተናዕቀን ቀረባ ብምዃን ዝነበር ሕይወት እትነበር ቤተ ክርስቲያን እትምስክሩ ኢኻትኩም ቢሎም፡ ውፉይ ሕይወት ነዚ መንፈስ እዚ ዳግም ክበራበር ከምዝገበረ የመላኽቱ።

ናይ ድኻታት ኵነት ከም ጽሕፍቶ ገርካ ካብ ምሕሳብ ፈተና፡ ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም እዮም፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ድኽነት ዘስዕቦ ሕሰም ተስፋ ኣይትቑረጹ፡ ካብቲ ኵሉ በቋራጺ ዝብልን ናብ ኣብ ገዛእ ርስኻ ተዓጺፍካ ምንባር ካብ ዝብል ፈተና ተሓለዉ” ይብሉ። እቲ ካልእ ናይቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣናባቢ መስመር፡ መንግስታትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ዘለዎም ሓላፍነት ዘበራብር ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ናብ ጐደና ምዕባለ ዘብል፡ ንሓድሽ ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዝንበር ዘሎ ኣገብብ ኤኮኖሚያዊ ቁጠባ ኣብ ሕቶ ዘእትው፡ ሕዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይቲ ምትሕልላይን ምክብባርን ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክብሪ ሕይወትን ባህልታትን ያታን ምህዳርን ምኽባር ዝብል ቅኑዕ መጻኢ ቀንደይታ ተዋሳኢ ክኸውንን ዘይተዘምተ ምህዳር ንመጻኢ ትውልዲ ምትሕልላፍ ዝብል ከይዲ ዘረጋግጽ ክኸውን ከምዘለዎ የብርሁ፡ እቲ ብፍሉይ ንኣፍሪቃ ዝምልከት ዝመስል መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኵላትናን ናብ ኵለን ሃገራት ዝብል እውን እዩ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣፍሪቃ፥ ሓሴትን ተስፋን ሓላፍነትን
11 September 2019, 15:34