ድለ

ክፍጸም ዝዀነ ዓቢይ ሃረርታ ክፍጸም ዝዀነ ዓቢይ ሃረርታ 

ክፍጸም ዝዀነ ዓቢይ ሃረርታ

ኣብ ታሪኽ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጃፓን ዓቢይ ስፍራ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ካብ 1549 ዓ.ም. ካብ እዋን ቅዱስ ፍራቸስኮ ሳቨሪዮ ንፈለማ ግዜ ከም ኢየሱሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣብታ ሃገር እግሩ ካብ ዘንበረላ ኣትሒዛ፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዘመናት ህላዌ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ጃፓን ቀጻሊ ኰይኑ

ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ታይላንድን ጃፓንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዝገበሩሎም ዕድመ መሰረት ኣብተን ክልተ ሃገራት ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዝሓበሩ ቅድም ክብል ከምዝገለጽና ዝዝከር ኰይኑ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገአ ቫቲካን

ናይ ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት በርጐሊዮ ከም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ሓደ እዋን ከም ኣባላት ልኡካነ ወንጌል ደቂ ማሕበሮም ናብ ጃፓን ወንጌላዊ ልኡኽ ኰይኖም ክልኣኹ ዓቢይ ሃረርታ ከምዝነበሮም ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየደ ቃለ መሕትት  El Jesuita - ኢየሱሳዊ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተሓትመ መጽሓፍ ተመልኪቱ ንረኽቦ፡ ኣብ 2010 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል በርጐሊዮ ናብ 75 ዓመት ዕድመኦም ይቀራረብ ከምዘሎ ኣስተውዒሎም ሕገ ቆኖና መሰረት ካብቲ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጵጵስናኦም ናብ ልሂቅነት ንኸብሉ ሕቶ ከምዘቕረቡን ኣብታ መጽሓፍ ነንብቦ፡ ምስ ኣርጀንቲናውያን ጋዜጠይናታት ሰርጆ ሩቢኒን ምስ ፍራቸስካ ኣብሮጀቲን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ሕይወቶም ኣብ ዝትርኽሉ ቃለ መሕትት፡ ካብ ንኡስ ዕድመኦም ኣትሒዞም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ንኽዀኑ ክሳብ ዝሓደሮም ጸዋዕታን ኣብ ሕይወቶም ወጌላዊ ልኡኽ ዝብል ዓቢይ ድላይ ከምዝነበሮም የብርሁ፡ ሎሚ እቲ ኣብ ጸዋዕታ ኢየሱሳዊ ዝተሳዀዔ ወንጌላዊ ልኡኽነት መንፈስ ዝሓደሮም እዮም። ናብ ጃፓን ክልኣዅ ዝነበሮም ድላይ፡ ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ኣብ ዝተገልጸ ሓበሬታ ብተግባር ክነብርዎ ምዃኖሞም ነስተውዕል። መንፈሳዊ ምብጻሕ እውን እንተዀነ እቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እዩ።

ኣብ ታሪኽ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጃፓን ዓቢይ ስፍራ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ካብ 1549 ዓ.ም. ካብ እዋን ቅዱስ ፍራቸስኮ ሳቨሪዮ ንፈለማ ግዜ ከም ኢየሱሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣብታ ሃገር እግሩ ካብ ዘንበረላ ኣትሒዛ፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዘመናት ህላዌ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ጃፓን ቀጻሊ ኰይኑ ይርከብ፡ ኣብ ሕዝብን ባህል እታ ሃገር ዓቢይ ስፍራ ዘለዎ ማሕበር እዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እውን እቲ ርክብ ኣባ ፐድሮ ኣሩፐ ከጺሎም እውን ኣባ ኣዶልፎ ኒኮላስ ናይቲ ማሕበር ኢየሱስሳውይን ኣሕልቕ ኰይኖም ኣብ ዝገልገሉሉ እዋን ኣዚዩ ዝተበራተዔ ርክብ እዩ፡ እዞም ክልተ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ዝነበሩ ኣብ ጃፓን ወንጌላዊ ክኡካን ኰይኖም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ እያቶም፡ ኢየሱሳዊ ካህን ጁሰፐ ፒታው ኣብ መንጐ ጃፓንን ምዕራብ ዓለምን ባህላዊ ዘተ ንኽጸንዕን ብቐጻልነት ክንበርን ዝገበር እውን ንምጥቃስ ይከኣል።

ጃፓን ኣብ ልቢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳዊ ዓቢይ ግምትን ስፍራን ዝወሃባ ሃገር እያ፡ ክፍሊ ታሪኽ ናይቲ ማሕበር እውን እያ፡ ብዛዕባ እዛ ሃገር እዚኣ ባዕሎም ቅዱስነቶም ዕለት 17 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ብዓቢይ ጦብላሕታ ብዛዕባ ጃፓንን ምስክርነት ኣብ ጃፓን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክገልጹ እንከለዉ፡ ድሕሪ እቲ ናይ 16 ን 17 ክፍለ ዘመን ዘጋጠመ ኣሳዶ ህያው ኰይና ዝቐጸለት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ይገልጹ፡ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ምእመናን ነታ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኵሉ ስደትን መከራን ክትሰግርን ነቲ መዋዕል ሰቖቓ ክትብድህ ከምዝገበሩ ምዃኖም የዘኻኽሩ፡ ልኡካነ ወንጌል ክስጐጉን ናብ ካልኦት ሃገራት ናብ ዝርከባ ኣባይቲ ማሕበራቶም ክምለሱ ጃፓናውያን ምእመናን ነታ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ጽንኵር እዋን ሓይሎም ዘሐየልዋ ምዃኖም ይሕብሩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ናይ ጃፓን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅዱስነቶም ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ዕድመ ምስ ኣቕረቡሎም፡ እዚ መደብ ምብጻሕ ሓዋርያዊ መገሻ ክጽናዕ ጸኒሑ እዩ፡ ናይታ ኣብ ጃፓን ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ቅዱስ ፍራቸስኮ ሳቨሪዮ ኣብ ክልተ ዓንዲ ደው ዝበለት እያ፡ ኣብ ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ምእመናናን፡ ኣብ እዋን ኣሳዶን መከራን፡ ናይታ ቤተ ክርስቲያን እምነት ኣይቀሃመን። እቲ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ፡ ኣብቲ እዋን ብፁዕ ካርዲናል በርጐሊዮ ዝተሳተፉሉን እጃሞም ዘበርከትሉ ናይ ኢየሱስ ሓዋርያትን ልኡካነ ወንጌልን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝወጸ ሰነድ ዝገለጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህርይ ኣብታ ኣብ ጃፓን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምስከር ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ። ወንጌላዊ ልኡክነት ብተማርዀ፡ ቤተ ክርስቲያን ብባህርያ ልእኽቲ እያ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ይሕብሩን ይነብሩን።

ክፍጸም ዝዀነ ዓቢይ ሃረርታ
14 September 2019, 17:39