ድለ

2019.07.11 ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ምዕቃብ ተፈጥሮ!! 2019.07.11 ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ምዕቃብ ተፈጥሮ!! 

ንስለ ዕቃበ ተፈጥሮ ክንጽልን ከነስተንትንን ክንሰርሕን ኣሎና! ር.ሊ.ጳ.

ቅ.ኣ.ር.ጳ.ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ዓለም ለኸ ዕለተ ጸሎት ንዕቃበ ተፈጥሮ፡ ኩልኹም ምእመናን ሓደግይናነት ኣከባቢ ከይፍጠር ክትጽልዩን ከተስንትኑን ክትዓዩን ኣሎኩም ክብሉ ኣብ መልኽቶም ከምዝጸውዑ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ሓደ መስከርም ዓለም ለኸ ዕለተ ጸሎት ንስለ ምዕቃብ ተፈጥሮ ኣመልኪቶም ‘እዚ ግዜ’ዚ ውሉድ ኣምላኽ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡ’ውን ሓለውቲ ተፈጥሮን ናይ ምዃን ጸዋዕታና እነሓድሰሉ ግዜ’ዩ’ ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም።

ቅድስነቶም ብዛዓባ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ተፈጥሮን ዘሎ ርክብ ንምግላጽ ናብ’ቲ ናይ መጀመርያ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ተመሊሶም ‘ኣምላኽ ነቶም ዝፈጠሮም ፍጥረታት ኣተኲሩ ጠመቶም’ሞ ኣፍቀሮም’፡ ኮይኑ ግን ደቂ ሰባት ነዚ ክቡር ህያብ ብዓይኒ ስስዐን ብመጠኑ ዝሓለፈ ምዝመዛን ውልቃዊ ጥቕምን ስለዝሓዝናዮ፡ ነቲ ናይ ምርኽኻብን ምክፋልን ዝነበረ ተፈጥሮ፡ ናብ ናይ ውድድርን ግጭትን ብምቕያር ናብ ናይ ሓደጋ ቦታ ቀይርናዮ ክብሉ ስክፍትኦም ከምዝገልጹ ሓቢሮም።

ምውሳኽ ኣከባብያዊ ዕንወት

ቅድስነቶም ነቲ በቢግዜኡ፡ ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ጀሚሩ ብቅልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ዕንወት ኣከባቢ ኣመልኪቶም፡ ዝዓበዩ ጠንቅታት ይብሉ ‘ብሰንኪ ቀጻሊ ብከላታትን፡ ቀጻሊ ውጽኢት ኣግራብ ዝኾኑ ሓይሊ ጸዓት ምጥቃም፡ መጠኑ ዝሓለፈ ሕርሻዊ ምዝመዛን ምብራስ ኣግራብን ከምዝኾኑ ብምግላጽ፡ ብሰንኩ’ውን ግሎባዊ ኩነታት |ኣየር ካብ ንቡር ወጻኢ ሙቐት ከምዝወሰኸ’ ኣገንዚቦም።

ኣስዒቦም’ውን ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ ብዓይነቱ ዝበርተዐን፡ ብተደጋጋሚ ግዜ ዝኽሰትን ጥርዙ ዝሓለፈ ምቅይያር ኩነታት ኣየርን ምድረበዳነትን፡ ነቶም ኣብ መንጎና ዝርከቡ ድኻታትን ናባዪ ዘይብሎምን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝዩ ከምዝጎድኦም ተረዲእና ኣብ ምግትኦም ነፍስወከፍ ሰብ ሓላፍነቱ ከልዕል ድሕሪ ጸዊዖም፡ ብዛዕባ ምምካኽ በረድ ንፍቀ ክበባት ዓለምናን፡ ዋሕዲ ማይ፡ ምንጻፍ ወሓይዝቲን ከምኡ’ውን ብዝሒ ፕላስቲካት ኣብ ውቅያኖሳትን ካብቶም ካልኦት ዘይንእሱ ኣዝዮም ሓደገይናታት ክስተታት ከምዝኹኑ ተገንዚብና፡ ኣብ ምስትኽኻሎም ክንጽመድ ይጽንሑለይ ዘይበሃሎም ዓበይቲ ጉዳይት ከምዝኹኑ ሓቢሮም።

ወቕቲ ተፈጥሮ

ቅ.ኣ.ር.ሊጳ.ፍራንቸስኮ ንኣፈጣጥራና ኣመልኪቶም ‘ብምስሊ እግዚኣብሔር ከምዝተፈጠርና ክንዝንግዕ የብልናን’ ድሕሪ`ሎም፡ ዓለም ለኸ ዕለተ ጸሎት ምእንቲ ተፈጥሮ፡ ኣብ ምጅማር ወቕቲ ተፈጥሮን፡ ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዝቕጽል ተበግሶ ናይ ሓድነት ክርስትያንን ከምዝኾነ ብምግንዛብ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኩሎም ኣመንቲ ብዕቱብ ምእንትኡ ክጽልዩን ከስተንትኑን ክሰርሑን ጸዊዖም።

ጸሎትን፡ ኣስተንትኖን፡ ዕዮን

ዘለናዮ ወቕቲ ይብሉ ቅድስነቶም ‘እዚ ወቕቲ’ዚ፡ ብጸሎት ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ቅርበት እንገልጸሉን፡ ብኡ ኣቢልና’ውን ንፈጣሪና እነመስግነሉን ግዜ እዩ’ ድሕሪ ምብል፡ ኣብ’ቲ እንገብሮ ጸሎት ‘ፖሎቲካውያንን ሲቪላውያንን መራሕቲ ኣብ’ቲ ጉዳይ ፍሉይ ግንዛቤ ክህልዎም’ ብፍላይ ከኣ እቶም ‘ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ኣብ ጭቡጥ ውሳኔ ንምብጻሕ ክጋብኡ ወሲኖም ዘለዉ መንግሥታት ንፕላኔትና ካብ ናይ ሞትን ዕንወትን ናብ ሕንጸትን ሕይወትን ከመርሕዋ’ ኣበርቲዕና ክንጽሊ ጸዊዖም።   

ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ እምበኣር ይብሉ ቅድስነቶም ‘ኣብ ኣገባብ ኣነባብራ ሕይወትናን፡ ኣብ ኣመጋግባና ዘሎና ኣረኣእያን ውሳኔን፡ እነህልኾም ነገራት፡ ኣብ ምጓዓዝያ ኮነ ምንጪ ጸዓት ማይ ከምኡ’ውን ካልእ ተመሳሰልቲ ነገራት፡ ከይሓሰብና እንፍጽሞም ጥፍኣታት፡ ብምስትውዓል ክንጥቅመሎም ኣሎና፡ ሎሚ ምጥቃም ጸዓታት  ውጽኢት ኣግራብ ኣቋሪጽና፡ ንጹሓትን ዘላቕነት ዘልዎም ጸዓታት ብምጥቃም ዘዋሪ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣሰራርሓ ክንሓንጽ ኣሎና ኢሎም።

ኣስዒቦም’ውን ቅዱስ ኣቦና፡ ምስ ከባቢና ከመይ ዝበለ ርክብ ክህልወና ከምዘለዎ፡ ካብ ዓበይቲ ጠቢባን ደቀባት ክንመሃር ኣሎና፡ ልክዕ ከም`ቲ ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለምና፡ መንእሰያት ተባዓት ውሳኔታት ንክውሰዱ ዘቃልሕዎ ዘለዉ ድምጺ፡ ብነብያዊ ስራሕ ናይ ኩሎም ምእመናን ተሓጊዙ፡ ኣብ ህዋ ዝተርፉ ባዶ ቃላት ጥራሕ ዘይኮኑ፡ ሓቀይናን ተግባራዊ መልስን ከምዘድልዮም ሓቢሮም።

ጉባኤ ኣማዞንን፡ ዝጭበጥ ክሊማዊ ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን  

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዝፍጸሙ ክልተ ዓበይቲ መደባት ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ንሳቶም ካኣ እቲ ሓደ ‘ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጭቡጥ ክሊማዊ ውሳኔ ዝጸድቀሉ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ብዛዕባ ከባቢ ኣማዞን ዝግበር ሲኖዶስ ጳጳሳትን ከምዝኾኑን ብምንጋር፡ ‘ነዞም ዕድላት እዚኦም ብምጥቃም፡ ንብኽያት ድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዓለምና ክንሕብስ ኣሎና’ ብምባል ሓሳቦም ደምዲሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 September 2019, 14:37