ድለ

ኪያራ ኣሚራንተ፥ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘይተጸበናዮ ጸጋ እዩ ኪያራ ኣሚራንተ፥ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘይተጸበናዮ ጸጋ እዩ 

ኪያራ ኣሚራንተ፥ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘይተጸበናዮ ጸጋ እዩ

በቲ ሕይወት ዘድሕንን ዝልውጥን ፍቕሪ ክርስቶስ ንኽትጥመት ፍቃደይና ኰይንካ ምርኻብ ዝንበረሉ ማሕበረሰብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፍሮዚኖነ ኣብ ዝርከብ ብኪያራ ኣሚራንተ ኣብ 1993 ዓ.ም. ዝተመስረተ ዑቕባ ሰማየ ማሕበረሰብ ሓድሽ ኣድማስ ማንም ከይተጸበዮን ከይሓሰቦን ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቶም ናይቲ ማሕበረሰብ ኰነ በቲ ማሕበረሰን ንዝእለዩ ኵሎም ከምዘደነቐን፡ እቲ ዘይጽቡይ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ኣሚራንተ ዘይተጸበናዮ ጸጋ እዩ እንክብላ ይገልጸኦ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ብዙሓት ናይ ሕይወት ኣጋጣሚ ዝፈጥሮም ኣቝሳል ዝፍወሰሉ ኣብ ጸገምን ከበድ ሕይወት ንዝርከቡ ጽን ዝበሃለሉን ድጋፍ ሕይወት ዝረኽብሉን ዘኽታማት ስድራ ቤታዊ መንፈስ ንኽረኽቡ ነቶም ኣሕዋት ምሉእ ድጋፍ ብምቕራብ ኣብ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ስፍራኦም ተዓዊቶም ሕይወቶም ንኽመርሑ ዝድግፍ፡ ነቶም ብስጋን ነፍስን ዝቖሰሉ ፈውሲ ቅብኣት ዘቕርብ ብዕጸ ፋርስ ድዩ ብክልኦት ወልፍታት ንዝተጠቕዑን ኣብ ኣመንዝራነት ሕይወት ንዝወደቓን ንዝወደቑን እቶም ከም ጓሓፍ ዝሕሰቡን ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ዝነብሩን ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣባይቲ ስድራ ዝተጠንጠኑን ሰብኣውን መፈሳውን ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ዝዓዪ ዑቕባ ሰማየ ሓድሽ ኣድማስ ማሕበረሰብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቲ ማሕበረሰብን ኣባላቱን ዝእለዩን ኵሎም ምኽንያት ሓሴት ከምዝዀነ ኣሚራንተ ድሕሪ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣብ ዘካየድኦ ቃለመሕትት ይሕብራ።

ማንም ዘይተጸበዮ ጸጋ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ካብ ድነ ሞት ተላቒቖም ትንሳኤ ንዘስተማቕሩን ሓድሽ ሕይወት ንዝነብሩን ናይቲ ማእከል ሰራሕተይንታትን ኩሎም ሓደ ብሓደ ሰላም እናበሉን ናይቶም በቲ ማሕበረሰብ ዝእለዩ ቃለ ምስክርነት እውን ምስ ቀረበ፡ ቅዱሳውነት ዝተስተማቐረሉን ከምቲ ደጋጊሞም ባዕሎም ዝብልዎ፡ በቲ ሕይወት ዘድሕንን ዝልውጥን ፍቕሪ ክርስቶስ ንኽትጥመት ፍቃደይና ኰይንካ ምርኻብ ዝንበረሉ ማሕበረሰብ እዩ፡ ስድራ ቤታዊ መንፈስ ዝተነበረሉ ምብጻሕ እዩ ነይሩ ይብላ።

ልቢ ንልቢ

መንእሰያት ብመንፈስ ክፍኣት ከይማረኹ ወትሩ ነቒሖም ክርከቡ ሓደራ ከምዝበሉን፡ እቲ ማሕበረሰብ ስለ ቃለ ምዕዳኖምን ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ሓደ ካብቶም በቲ ማሕበረሰብ ካብ ዝእለዩ መንእሰያት ዝቐበኦ ትንስኡ ኢየሱስ ዘርእይ ስእሊ ገጸ በረኸት ከምዝቐረበሎምን፡ እቲ ማሕበረሰብ ብሓልዮት እግዚኣብሔር ዝናበይ እውን ብምዃኑ ነዚ ዝፈልጡ ቅዱስነቶም ንመግባውነት ዘገልግል ሓገዝ እውን ከምዝለገሱ ኣሚራንተ ሓቢረን፡ እቲ ምብጻሕ ልቢ ንልቢ ዝተራኸበሉ ኣብቲ ማሕበርሰብ ተሓቲሙ ዝተርፍ ዓቢይ ጸጋን ዝኽርን እዩ ኢለን።

ር.ሊ.ጳ.ን ማሕበረሰብ ሓድሽ ኣድማስን

ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ማሕበረሰብ ሓድሽ ኣድማስን ካብ ርሑቕ እዋን ዝተበገሰ ጽኑዕ ምቅርራብ ከምዘሎ ሓቢረን፡ ዕለት 8 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ናይቲ ማሕበረሰብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታ ብስልኪ ንኣባላት’ቲ ማሕበር እንቋዕ ንዝሪ መበል 25 ዓመት ኣብቅዓኩም ከምዝበሉን፡ ኣብ ፍሮሲኖነ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ በዓለ ጰራቕሊጦስ ስለ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታ ማሕበረሰብ ኣድማስ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ሰለስተ ሺሕ ምዕመናን እውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቃለ ምዕዳን ለጊሶም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከዝሃቡን፡ ነቶም ናይቲ ማሕበርሰብ ኣባላት ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ብመጸውዕ ስሞም ንኡሳን ሓሴት እንክብሉ ጸዎዖምን ቅርበቶምን ድጋፎምን ገሊጾም ከምዝነበሩን እዚ ዅሉ ቅዱስነቶም ነቲ ማሕበር ዘለዎም ቅርበት መርኣያ እዩ ቢለን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

ኪያራ ኣሚራንተ፥ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ዘይተጸበናዮ ጸጋ እዩ
25 September 2019, 09:47