ድለ

ዕርቅን ተስፋን ሰላምን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ መሰረታዊ ፊደል ዕርቅን ተስፋን ሰላምን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ መሰረታዊ ፊደል 

ዕርቅን ተስፋን ሰላምን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ መሰረታዊ ፊደል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ኣብ ሞዛምቢክ ዘካይድዎ ተስፋን ሰላምን ዕርቅን ዝብል ነቲ ኣብ ማዳጋስካር ዘካይድዎ ዘራኢ ሰላምን ተስፋን ዝብልን እቲ ናይ ደሴታት ሞሪሸስ ከኣ ናይ ተስፋ ነጋዲ ዝብል መርሕ ቃል ዘቃልሕ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ፥ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ካብ ዕለት 4 መስከረም ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሃዋርያዊ መገሻ ናይተን ሰለስተ ሃገራት መጸውዕ ስመን ብፊደል መ ዝጅምር ብምዃኑ ሰለስተ መ ብዝብል መጸውዕ ብዙሓት ይገልጽዎ ከምዘለዉን ር.ሊ.ጳ. ቅድም ክብል ማለት ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ከንያን ኡጋንዳን ረፓሊካዊት ማእክላይ ኣሪቃን ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብዘን ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ኣብ እትርከበሉ ስፍራ ብህልውቲ ኰይናን ናይ ሕዝብን ሃገርን መነባብሮ እትነብርን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ምትሕብባርን ምድግጋፍን እትነብርን እተተባብዕን ምዃና ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ረዲዮ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ኣብ ሞዛምቢክ ዘካይድዎ ተስፋን ሰላምን ዕርቅን ዝብል ነቲ ኣብ ማዳጋስካር ዘካይድዎ ዘራኢ ሰላምን ተስፋን ዝብልን እቲ ናይ ደሴታት ሞሪሸስ ከኣ ናይ ተስፋ ነጋዲ ዝብል መርሕ ቃል ዘቃልሕ እዩ፡ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እንታይ ከምዝዀነ ብሓጹሩ ዘነጽሩ ቃላት እውን ምዃኖም ደ ካሮሊስ የመላኽቱ።

ሰላም ዝተረጋገጸላ ሃገር ዕርቂ ዝዓሰላ ሃገር እያ፡ ሰላም ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መዳያት ዕርቂ ከምዘሎን ዘሕብር እዩ፡ ሞዛምቢክ ኣብ 1992 ዓ.ም. ብሽምግልና ካቶሊካዊ  ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ኣብ ኣብ መንጐ መንግስቲ ሞዛምቢክን ማርክሳዊ መርገጽ ዝነበሮ ሓይልን ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝድገፍ ዝነበረን ናይ ሞዛምቢክ ብሔራዊ ግንባርን ዝተኻየደ ናይ 15 ዓመታት ሕድ ሕዳዊ ውግእ ብዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተዘርአ እዩ።

ዕርቅን ተስፋን ሰላምን ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዘስዕቦ ነዊሕ ጸላም ለይቲ ዝኣልይ ናይ ብሩህ ወጋሕታ ኣንፈት እዩ። ናይ ሞዛምቢክ መግስትን ተቓወምቲ ሓይልታት መራሕቲ ሰላም ንኽበሃሃሉ ዘይሕለል ጻዕሪ ዘካይዱ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ሓደ ካብቶም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካርዲናል ዝስመዩ ምስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ብምትሕብባር ዝዓዩ ዝነበሩ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማተዮ ዙፒ ይጥቀሱ።

ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ ተኣፋፊ ተኽሊ እዩ። እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝተበጽሔ ስርዓት ደሞክራሲ ኣብ 2013 ከምኡ እውን ኣብ 2014 ዓ.ም. ነውጺ ከምዘጋጠሞ ይዝከር። እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ኰይኑ ድማ እነሆ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 15 ጥቅምቲ ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ እዩ። እቲ ናብ ናጻ ሕዝባዊ ምርጫ ዝመርሕ መገዲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ምቕናዕ ተራ ከዝህልዎ ብዙሓት ይገልጹ፡ ክምቲ ቅድሚ ናብ ሞዛምቢክ ምንቃሎም ባዕሎም ቅዱስነቶም እቲ ናይ 1992 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ዝድግፍ ናይ ዕርቂ ዘርኢ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ 1989 ዓ.ም. ብዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብቐረባ ከምዝተንከፍዎ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ብዘጓነፈ 600 ዜጋታት ንሞት ካልኦት 70 ሺህ ንኽመዛበሉ ዘገደደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ምዕልቕላቕ ማይን ንዘስዓቦ ኵለ መደያዊ ማህሰይትን፡  ነታ ኣብ ናይ 2017 ዓ.ም. ብጸብጻብ ሰብኣዊ ምዕባለ ካብ 189 ደረጃ ኣብ 180 ተርታ ኣብ ዝተነብረት ተስፋን ሰላምን ዘምጽእ ዕርቂ ኣድላዪ እዩ፡ ነቲ ብድኽነትን ሓሳርን ንዝሳቐይ ሕዝቢ ሞዛምቢክ እቲ ኣብ 1992 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ እቲ ናይዛ ሃገር ካርቦንን ጋዝን ወርቅን ኣልማዝን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታታ ንናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ኣዋፈርቲ ትካላት መስህብ ኰይኑ ዓቢይ ድጋፍን መገዲ ምዕባለን ዘአንፍት ክኸውን ብዙሕ ጻዕሪ የተባብዕ።

ቀይሕ ዝመንፈሳ ማዳጋስካር

ማዳጋስካር ተፈጥሮኣዊ ጽባቔኣን ሃብትታታን ርኢኻ ኤደን ትሓስብ፡ ኣብ ማንም ካልእ ሃገር ዘይርከብ ሓምላዊ ሕይወትን ፋውናን ዝተዓደለት፡ ፍሉይ ብዝሓ - ሕይወታውያን ዝርከባን ቅዱስ ኣቦና ናብዛ ደሴታዊት ሃገር ናይ ሰላምን ተስፋን ዘራኢ ኰይኖም የምርሑ፡ ክሳብ ሸሞንተ ኣማኢት ዓመት ብርሕቐታ ዘይፍልጥቲ ከዮናን ኣብ 1550 ከምኡ እውን ኣብ 1700 ዓ.ም. ብውቅያኖስ ህንዲ ዝሓልፋ ዝነበራ መራኽብ ዝጨዉ ዝዓርዱላ ኰይና ከምዝጸንሔት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ 1960 ዓ.ም. ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጻ ዝወጸት ደሴታዊት ሃገር እያ፡ ዓሌት ማላጋሽ ኣብላጺ ዝዀነላ 18 ዝተፈላለዩ ዓሌት እትሓቁፍን ነዚ ብዝሓ ዓሌት ዘማእከለ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ዝተኻየደላን እቲ ናይ 2013 ዓ.ም. መሰጋገሪ ፖለቲካዊ ኩነት ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣድንርይ ራጆኤሊና ናብ ስልጣን ከምዘደበየን ድኽነት ስእነት ዝተመጣጠነ መግብን ዋሕዲ ርኽቦ ክንክን ጥዕና ዝረኣየላ እያ፡ ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እታ ሃገር 35 ሚእታዊ ዝሽፍን ሸሞንተ ሺሕ ምዃኑ ክንገር እንከሎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማዳጋስካር ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ኣበርቲዓ ትዓዪ ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ካብ ኣመንዝራዊ ሕይወት ንምንጋፍ ብርቱዕ ጻዕሪ ተካይድ። ቅዱስ ኣቦና ስለ እቲ ኣብ ማዳጋስካር ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናብታ ሃገርን ሕዝባን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝበልዎ፡ እታ ሃገር ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሉ የድሊ፡ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔኣ ገና ብዙሕ ዝመጣጠኖ ክብሪ ኣይረኸበን ስለዚህ ነዚ ሃገራዊ ተክለ መንነት ምልላይን ምኽባርን የድሊ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማዳጋስካር ነዚ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሃብቲ ተተባብዕን ሰላምን ተስፋን ዘምረሔ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተሳልጥ።

ዘገድስ እንኰ ልሳን

ሞሪሸስ ጥርኑፋት ዴሴታት እትሓቁፍ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ካብ ማዳጋስካር ሺሕ ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ እያ፡ ክርስትና ኣብታ ሃገር ዝኣተወ ኣብ ርሑቕ ዘመን ብዝነበረ ስርዓት ጊልያነት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሰላሳ ናይ 800 ዓመታት ካብ ብሪጣንያዊ ስርዓት ጊልያነት ናጻ ዝወጹ ብበዓል ዓቢይ እምነትን ልብን ዣከስ ደሲረ ለቫል ኣባል ማሕበር ስፒሪታን ናብ እምነት ከምዝበጽሑን፡ ካብቲ ዝነበርዎ ኢሰብኣዊ ኩነት ክላቐቑ ከምእተደገፉ ይጥቀስ፡ ክርስትና ምስ ናጽነትን ክብሪ ሰብኣውነትን ዝተኣሳሰረላ ሃገር እያ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 9 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ፖርት ልዊስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣባ ለቫል ዓጽም ኣብ ዝዓረፈሉ ቤተ መቕደስ ክበጽሑን ጸሎት ከዕርጉን እዮም። ኣባ ላቫል ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላውነት ተክለ ሰብነት ዝመስከሩ ከምዝዀኑን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ብዙሕ ልሳን ዘለዋ እቲ ዓቢይን ኵላውን ዝዀነ እንኰ ልሳን ፍቅሪ ምዃኑ ምምስካር የድሊ፡ እቲ ኣባ ለቨል እጄታኦም ዓጺፎም ትሕት ቢሎም ኣብ ዝፈጸምዎ ግብረ ሰናይ ዝተነበረ ልሳን ንሱ እዩ።

ኣገዳሲ ነጥቢ

ቅዱስ ኣቦና ናይዚ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘንበርዎ መርሕ ቃል፡ ናብቲ ኣዚዩ ዘገድስ ነጥቢ ንኽበሃል ኣድላዪ ምዃኑ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኵሉን ምስ ኵሉን ንዕርቂ ሓላፋ ዝብል ቀዳማይ መሰረተ እምን ሰላም ምቛምን ብተርእዮ ተስፋ ዝዛዘም ክኸውን ይምዕዱ፡ እዚ ንደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ወይ ውን ንኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉን ኣብ ኵሉን ኣዚዩ ዘገድስ ኩርናዕ እዩ። ዘራእ ዕርቅን ሰላምን ተስፋን!

ዕርቅን ተስፋን ሰላምን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ መሰረታዊ ፊደል
04 September 2019, 16:20