ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት ማዳጋስካር፡ ሓነጽቲ ንኽትኰኑ እግዚኣብሔር ይዕድመኵም

ወትሩ ኣብ ምጉዓዝ ንኽነብሩ ዓዲሞም፡ ነታ ማንም ካባና ዘይምንዝዓ ሓሴት ኣብ ምድላይ ምርኻብ ከምዘድሊ ገሊጾም፡ ብርግጽ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳና እዩ

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 7 መስከረም 2019 ዓ.ም. በቲ ዝነበሮም መደብ መሰረት ሰዓት ኣርባዕተን ርብዕን ናብቲ ምስ መንእሰያት ናብ ዝራኸብሉ ናብ ናይ ሶኣማንድራኪዛይ ሰበኻ ሰጣሕ ጐልጐል ነቒሎም ድሕሪ 25 ደቓይቕ በጺሖምን ናይ ኢሆስይ ጳጳስን ናይ ማዳጋስካር ብፁዓን ጳጳሳት ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፉልገንቸ ራዛካኣሪቮንይ ድሕሪ ዘቕረቡሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ቃል ሰላምታ፡ መንእሰያት ባህላዊ ሸብሸቦን ቃል ምስክርነትን ምስ ኣቕረቡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ምስ መንእሰያት ናይ ጸሎት ዋዜማ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ምስ መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብ ብሓቂ ውዕዉዕ እምነት ዝተራአየሉ ከምዝነበረን፥ እግዚኣብሔር ናባና ዝቐርብ ብዘይ ቅድመ ፍርዲ እዩ፡ ዘይፈርድ ኣቦ፡ ኣብ ጉዕዞና ኣብ እንፈጽሞ ጌጋታት ኵሉ ዘይጣበቕ፡ ካብቲ ዝወደቕናሉ ዘተንስእ ኣቦ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ የዕይንቲ እግዚኣብሔር ነፍሲ ወከፍና ብሉጻቱ ኢና፡ እቲ ናይ ክፋእ መንፈስ ጥራሕ እዩ ኣበሳና ከም መጸውዕ ስምና ዝጥቀመሉ።

ደድሕሪ ምድንጋራት ዘይምጉያይ

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት፡ ወትሩ ኣብ  ምጉዓዝን ንኽነብሩ ዓዲሞም፡ ነታ ማንም ካባና ዘይምንዝዓ ሓሴት ኣብ ምድላይ ምርኻብ ከምዘድሊ ገሊጾም፡ ብርግጽ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳና እዩ፡ ካባና ፈጺሙ ዘይርሕቕ፡ ይጽውዓና የኽብረናን ናይ ተልእኾ ሓላፍነት እውን ይህበና።

ካብ ጓሂ ምርሓቕ

ካብ ለብዐ ምድንጋርን ጓህን ምርሓቕ፡ ካብቲ ክንልውጦ ዝከኣለና ነገር የልቦም ዝብል ኣተሓሳስባ ምርሓቕ፡ ዕለት ብዕለት ብዘጋጥመና መሰናኽልን ዕለታዊ ናይ መነባብሮናን ዕዮታትናናን ውጽኢት ዘዕግን ብዘይ ምዃኑ ዘስዕበልና ጓህን መጻኢ ዝዕንቅጽ ስእነት ስራሕን ኢፍትሓውነትን ዘይርጉጽ ኵነትን ከይንደሃል ሓደራ ይብሉ።

ሓነጽቲ መጻኢ

ኣስዒቦም ኢየሱስ እጄታትና ዓጺፍና ኣእዳውያን ከይረስሕ ዝብል ፍርሒ ከይህልወና ይሓትተና፡ እምነት ክህልወናን ኣብ ዝተዓደለና ብቕዓትን ጸጋታትን እምነት ከነሕድር ይምዕደና፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ሰዓቢ ምዃን ንምዕባይ ዝደልይ ኣብ ምጉርምራምን ኣብ ምቑዛንና ከይተረፈ ንቕድሚት ምባልን ተግባራዊ ምዃንን የድሊ ምስ በሉ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ከጠቓልሉ፡ ብቋንቋ ማላገሽ ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ ኵሎም መንእሰያት ደጊሞም ኣማላድነት ማርያም ሓላዊተ ማዳጋስካር ተማሕጺኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

09 September 2019, 16:28