ድለ

ሲኖዶስ ጀርመን፡ ካርዲናል ማርክስ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሓናጺ ዘተ ሲኖዶስ ጀርመን፡ ካርዲናል ማርክስ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሓናጺ ዘተ 

ሲኖዶስ ጀርመን፡ ካርዲናል ማርክስ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሓናጺ ዘተ

ሓደ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ካብ ዘጓንፎ ጸገማት ብበይናውነትን ብተነጽሎነትን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልን ኣገባባትን ብቕዓትን ተኣማሚኑ መፍትሒ ከናድይ ምስ ዝደልይ ጸገማቱ እዩ ዘራብሕ፡ ነቲ ክሰንፎ ዝሓሰቦ ጸገም እውን የደንፍዕ

ዕለት 20 መስከረም 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ተሰንዮም ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ከምዝነበረን ናይ’ዚ ርክብ’ዚ ሓሳብ ኣብቲ ሓፈሻዊ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ዝቃደውን ምሉእ ዝገብር ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንቤተ ክርስቲያን ጀርመን ዘሳቕን ኣብኣ ጥራሕ ዝርአይ ዘይኰነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ዘሎ ጭቡጥ ኰነት እዩ፡ ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን፡ ናይ ውሉደ ክህነት ኣገባብ ሕይወት ንምስትንታንን ዝብልን ናይ ጾታዊ ግብረ ገብን ዋሕዲ ተካኢ ወለዶ ዝረአየሉ ብዕድመ ዝደፍአ ሕብረተሰብን እዚ እውን ብሓድሽ ወለዶ ምህላው ተተካእነት ዝሃስይን ዝብል ነጥብታት ዘጠቓለለ ሰነድ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብቲ ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዕለት 17 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም  2019 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ መበል 31 ዓውደ ጉባኤ ናይዚ ጉባኤ መማክርት ብዘለዎም ናይ ኣባልነት ስልጣንን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ምኽሪ ኤኮኖሚ ኣወሃሃዲ እውን ብምዃኖን በዚ መሰረት’ዚ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ምስቲ ናይ ጀርመን ቤተ ክርስቲያን ሕቶ ዝምልከቶም ዝተፈላለያ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ቅዱሳት ማሕበራትን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይት ጽሕፈትን ምስ ዝመርሑ ላዕለዎት ኣካላት ከምዝመኸሩሩን፡

ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. መስርዕ

ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ምስ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት እውን ከምእተመያየጡን፡ እቲ ዝተኻየደ ምኽክር ምስ ኣብቅዔ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ርክብ ሃናጺ ምንባሩን፡ እቲ ምይይጥ ዝተገበረሉ ሓሳብ ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተካይዶ ሲኖዶስ ንዝመኽረሎም ርእሰ ጉዳያት ምሉእ ዝገብርን ዝቃደውም ምዃኑ ይሕብር።

ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ንቕዱስ ኣቦና ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክታም ዝተነብሮ ማለት ካርዲናል ማርክስ ዝፈረልሙሉ ናይ  ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽር ዝጸሓፎን ከምኡ እውን ናይ ጀርመን ካቶሊክ ማእከላዊ ሽማግለ በቲ ናይዚ ሽማግለ ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ቶማስ ስተርንበርግ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘረከቡን፡ እቲ ክልተ መልእኽቲ ነቲ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ነጋዳይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ጀርመን ብዝብል ኣርእስቲ ዘማሓላሊፎምዎ መልእኽቲ ዝተወከሰ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ሱታፌ፡ ኣይፋል ንተነጽሎ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናብ ጀርመን ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ሓድሽ ምውላድ ጐዳና ዘመላኽት ከምዝነበረን፡ ሓደ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ካብ ዘጓንፎ ጸገማት ብበይናውነትን ብተነጽሎነትን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልን ኣገባባትን ብቕዓትን ተኣማሚኑ መፍትሒ ከናድይ ምስ ዝደልይ ጸገማቱ እዩ ዘራብሕ፡ ነቲ ክሰንፎ ዝሓሰቦ ጸገም እውን የደንፍዕ፡ ንሓደ ጸገም እውን መፍትሒ ከይረኸበሉ ይተርፍ፡ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያናዊ - ትርጉም ምድንፋዕን እዩ ዘድልይ፡ ስለምንታይ እቲ ዝተበገሰ ጉዕዞ ኣብ ፍሉይነታዊ ተነጽሎነት ክድምደም የብሉን

ቀዳማውነት ንወንጌል

እቲ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ንቕዱስነቶም ዘረከብዎ መልእኽቲ፡ ኣንሕና እውን ከማዅም ካብቲ ኣፍሆተ ወንጌል ካብ ዝብል ተልእኾ ኢና ጉዕዞና ከነበግስ ንደልይ፡ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ከምዝዀነን፡ ስለዚህ ነቲ ሶኖዶሳዊ ጉዕዞ ብሓድሽ መንፈስን ኣገባብን ከነዋቕሮ ኢና ንደልይ፡ ብመንፈሳዊ ኪደት፡ ምሳኹም ሕቡራትን ኣባዅም ሱታፌ ዘሎና ቤተ ክርስቲያዊ መክበባውነት ምሳዅም ኣብ ውህደት፡ ስለምንታይ ኣብ መክብባዊት ቤተ ክርስቲያን ዝግለጽ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሕመረት ኣብ ቤተ ክርስቲያንዊ ምዃንና ጥሙር ምዃኑ ስለ እነስተውዕል እዩ፡ ኣብ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሱታፌ ዝብል ጸዋዕታ ኣዚዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ እዩ።

መፍትሒ ብሓባር ኴይንካ እዩ ዝድለይ

ናይቲ ዝካየድ ሲኖዶስ፥ ርእሰ ጉዳይ፡ ስልጣንን ኣብ ቤተ ክርስትያን ተኻፋልነት ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስልጣን፡ ብሓባር ኣብቲ ናይ ተልእዀ ሓላፍነት ምስታፍን ኣካል ናይቲ ተልእዀ ምዃንን ዝብል ከምዝዀነን፡ ህላዌ ክህነት ኣብ እዋናዊ ዓለምን፡ ደቀንስትዮ ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነትን ዝብል ሓሳብ እውን ዘሳዅዔ ምዃኑ ኣብቲ መልእኽቲ ንቕዱስነቶም ከምእተሓበሮም ገሊጾም። እሙንን ተኣማንን ምስክርነት ወንጌል ንእዋናዊ ዓለም ንምቕራብ መታን ክከኣለናን ካብቲ ዝተፈጸመ በደላት ክንመሃር እውን እቲ ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብ ብጥልቂ ዘናውጽ ካብቲ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ መንፍሳዊ ስልጣን ዓመጽን ካልኦት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉዳያት ብሓባር ምግጣም የድሊ ኣብ ዝብል ድምዳሜ ከምእተበጽሔ ብዘብርህ ጉዳይ መልእኽቲ ዝጠቓለል ምዃኑ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ሲኖዶስ ጀርመን፡ ካርዲናል ማርክስ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሓናጺ ዘተ
21 September 2019, 18:31