ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ እግዚኣብሔር ሓጢኣት ናይ መደምደምታ ቃል ኣይከውንን

ሰንበት ዕለት 15 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ካብ ኦሪት ዘጽኣት ምዕ. 32 ካብ ፍቕዲ 7-11 ን ካብ ፍቕዲ 13-14 ካልኣይ ምንባብ ቀዳመይቲ መእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ጢሞተዎስ ምዕ. 1 ካብ ፍቕዲ 12-17፡ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 15 ካብ ፍቕዲ 1-32 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ሎሚ (ዕለት 15 መስከረም 2019 ዓ.ም.) ኢየሱስ ንሓጥኣን ይቕበል፡ ምስኣቶም እውን ኣብ መኣዲ ይቐርብ እንክብሉ ፈሪሳውያንን ናይ ሕጊ መምሃራንን ኣበርቲዖም ከምዘጉረምሩሙ ንርዳእ፡ ካብ ዝጠፈኤን ናይቲ ናይ ደቁ ምምላስ ከይሰልከየ ዝጽበይ እግዚኣብሔር ምሕረት ዝቕበልን ሕይወቱ ይቕየር፡

እግዚኣብሔር ሓጥኣን ይቕበል

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን፥ ኢየሱስ እቲ ገዛእ ርእሱ ንኣና ኣሕሊፉ ዝህብ ኣብ መኣዲ ንኽንሓበር ይቕበለና፡ ንሓጢኣት ዝስዕር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ይግለጸልና፡

         ኢየሱስ ንሓጥኣን ይቕበልን ኣብ ማእዱ ንኽሓብሩ ይዕድሞም

ዝጠፍኤት በጊዕ፥ ኢየሱስ ንዝጠፍኤ ዘናድይ

ፈሪሳውያንን መምሃራትን ሕግን የጕረምሩሙ፡ ኢየሱስ ይብሉ ቅዱስነቶም ነቶም ከሰስቱ፡ ሰለስተ ምስላ የቕርበሎም፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ምስላ መን እዩ ካባኻትኵም እቲ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዎ እሞ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሓድግን ክሳዕ ዚረኽባውን ነታ ዝጠፍአት ዚደሊ ዘይከይድ ኣታዋይ ሰብ እዩ?

ሓደ ተራ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሓዲጉ ነታ ዝጠፍኤት ሓንቲ ንኸናድይ ኣይወጽእን፡ እግዚኣብሔር ግና ዘይሕለል እዩ፡ ናይ ፍቕሩ ጽባቔ ኣብታ ሓንቲ ዝጠፍኤት እውን እዩ ዝግለጽ፡ ንስኻ ንሓጢኣትካ ዘይትሰግር ኢየሱስ ኣብ ሕይወትካ ገና ዘይተቐበልካ፡ ኣብ ፍቕሩ ንምእማን ዝተሰኣነካ ንስኻ ብኢየሱስ እትድለይ ኢኻ

ኵሉ ኣብ ልቢ ኣግዚኣብሔር ኣመና ክቡርን ፍቑርን እዩ

ኣብታ ካለአይቲ ምስላ እታ ዓሰርተ ቕርሺ ብሩር ዘለዋ፡ ሓንቲ ቕርሺ ብሩር እንተ ጠፈአታ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዅስትር ክሳዕ ኣትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ እትደልይን፡ ምስ ረኸበታ ድማ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ምስኣ ሓቦረን ክሕጎሳ ኣብ ሓጐሳ ክሓብራ ስለ እትዕድም ሰበይቲ ይዛረብ፡

እወ ንስኻ እታ ዝጠፍኤት ቅርሺ ብሩር ኢኻ፡ ጐይታ ከይተሓለለ ወትሩ ዝደልየካ፡ ንስኻ ኣብ ቅድሚ የዕንቱ ኣመና ክብርን ፍሉይን ኢኻ ንኽብለካ ይደልየካ፡ ኣብ ልቢ እግዚኣብሔር ዝትከኣካ ሓደ’ኳ የልቦም!

እግዚኣብሔር ይጽበየና

ኣብታ ሳልሰይቲ ምስላ፡ እግዚኣብሔር እቲ ዝጠፍኤ ውላዱ ዝጽበይ፡ እቲ ጥፍኡ ውላድ ምስ ተረኸበ በዓል ዝገብር ኣቦ እዩ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ምስታ ቀዳመይትን ካልአይትን እትመሳሰል እያ፡

እግዚኣብሔር ወትሩ ይጽበየና፡ ኣብ ምጽባይና ዘይሕለል ተስፋ ዘይቐብጽ፡ ነፍሲ ወከፍና እቲ ዝጠፍኤ ውላድ ኢና፡ እቲ ምስ ተረኽበ ዝሕቆፍን እታ ዝተረኽበት ቅርሺ ብሩርን እታ ዝሐፍኤት በጊዕን ….

ሕይወት ዝልውጥ ፍቕሪ

እቲ ዝጠፍእ ኣብ ጥፍኣቱ ዘጓንፎ ጽልሙት ነገር ኩሉ፥ እግዚኣብሔር ወትሩ ዝጽበዩ ምዃኑ እምንቶ ኣንቢሩ እግዚኣብሔር ከም ምዃኑ ዘፍቕሮን ፍቕሩ ጥራሕ ሕይወቱ ዝልውጠሉ ምዃኑ ተኣሚኑ፡ እቲ ኢታእላው ዝዀነ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ካባና ንጽገት ከጓንፎ ይኽእል፡

ምሕረት እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ይዕወት

ንሕና ከምቲ ዓቢይ ወዲ፥ ቅኑዓትን እቶም ክፍኣትን ሰብ ጌጋን ካልኦት ገይርና ንሓስብ፡ ገዛእ ርእስና ሕያዎትን ብዘይ ሓገዝ እግዚኣብሔር እውን እንተዀነ፡ ገዛእ ራስና ሕያዎት ገይርና ንሓስብ፡ ብዘይ ሓልዮትን ድጋፍን እግዚኣብሔር ክፍኣትን ርዅስን ዘበለ ኵሉ ንምስዓር ዝከኣሎና ኣይኰናን፡ ስለዚህ ክፍኣት ኵሉ ንምስናፍ፥

ምሕረት እግዚኣብሔርን ምሕረት ነሕዋትን ነአንግድ፡ ኣብ ንስሓ ምስ እንቐርብን ሱታፌ ምስ ዝህልወና፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ተዓዋቲ ምዃኑ ነስስተውዕል፡ ሓጢኣትና ይሰዓር፡ … እግዚኣብሔር ከማና ኣይኰነን ሓንሳብ ምስ መሓረ ዘይጸባጸብ፡ እዚ ገርካ ከምዚ ገርካ ነርካ ቢሉ ኣብ ተዘክሮ ሓጢኣትና ዘይተርፍ፡ … ክቡራትን ክቡራንን ኣብ እግዚኣብሔር በርቱዑ … ዝዀነ ይዅን ሓጢኣት ናይ መፈጸምታ ቃል ኣይኰነን!

ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስ እግዚኣብሔር ሓጢኣት ናይ መደምደምታ ቃል ኣይከውንን
16 September 2019, 18:19