ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ናብ ምሉእ ውህደት ዝመርሕ መገዲ ምልላይ

ሕገ ቀኖና ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ጉዕዞ ኣገዳስን ነቲ ጉዕዞ ዘሀብትምን እዩ

ኣብዚ እዋን’ዚ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ውህደት ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቀዳማውነትንን ጉባእያውነት - ሲኖዶሳውነትን ናይ ሓባር ግንዛበ መታን ክህልወን ብሓባር ዘካይድኦ ዘለዋ ቲዮሎጊያዊ ዘተ ህልው ኵነት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 መስከረም 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብቲ ንናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ንዘለዉ ተጋባእያን ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘመላኸቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ምስራቕ ካቶሊክ ኣቢይተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳውያንን ምስራቓውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን  ዝጥርንፍ  ምእንቲ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ማሕበር፥ ዘነቓቕሖ መጽናዕትን ምርምርን ኵሉ ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ዝኣመተ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ መሰረት እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ማሕበር ኣብ ዘነቓቕሖ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ዘለዎ 80 ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡  ብዛዕባ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ድዩ ብዛዕባ ስነ መንፈሳውነት ቲዮሎጊያን ብዛዕባ ሊጡርጊያ ክሳብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘጠቓልል ኣብ ሕገ ቀኖና ከይዲ ድዩ ካብ ንሓድ ሕድና እንመሃሮ ክንደይ ብዙሕ ነገር ኣሎ፡ ሕገ ቀኖና ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓድነት ጉዕዞ ኣገዳስን ነቲ ጉዕዞ ዘሀብትምን እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን

ናይቲ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ናይ ምስራቕ ስርዓት ተቕዋም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ፥ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ርክብ ኣብ መንጐ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን፡ ሕገ ቀኖና ንሓድነት ንዝግበር ጉዕዞ ዘለዎ ግደ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነዚ መሰረት ገይሮም ሲኖዶሳውነት ከም ኣብነት ጠቒሶም ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ይሕብሩ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ብዛዕባ ሲኖድሳውነት ካብ ካልኦት ብፍላይ ካብ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ተመክሮ ምኽሳብ የድሊ፡ በቲ ካልእ ወገድ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳውነት እትነብረሎም ኣገባባት ምስ ካልኦት ማሕበረ ክርስቲያን ንምርኻብ ደጋፊ እዩ። እዚ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ብድሆ እዩ፡ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንምንሕናጽ ንዝግበር ጻዕሪ ዝምልከት እዩ፡ ኣብ ዝክሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽንያት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ንውሕደት ዝግበር ጻዕሪ ዝጠልቦ ተግባር እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ሽሓዊ ዘመን ናይ ሓባር ውርሻ ኣብ ዝዀነ ሕገ ቀኖና ቆይምካ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ቲዮሎጊያዊ ዘተ ብዛዕባ ቀዳማውነትን ሲኖዶሳውይነትን ኣምር ኣብ ናይ ሓባር ግንዛቤ ንኽብጻሕ እዩ ዝጽዕር ዘሎ፡ ፍቱዋት ኣዕሩኽ እተካይድዎ መጽናዕቲ እውን ሲኖዶሳዊ ማዕቅን ዘለዎ እዩ፡ ብሓባር ኣብ ንሓድ ሕድ ጽን ምብህሃልን ባህልታትኩምን ተመክሮታትኵምን ብምንጽጻር ናብ ምሉእ ሓድነት ንምብጻሕ ብሓባር እትጓዓዙ ኣብ ምዃንኵም ዘሎ ኵነት ይሕበሮ፡ ስለ እተፍጽምዎ ዕዮ አመስግን፡ ንናይ ሕገ ቀኖና ምዕባለ ጥራሕ ዘይኰነ ብፍላይ ናብቲ ኢየሱስ፥ ዓለም መታን ከእምን ኵሎም ሓደ ይዅኑ [ … ] ናብ ዝብል ጸሎቱ ናብ ፍጻመ ዘብጽሕ ምቅርራብ መታን ክህልወና!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ. ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ናብ ምሉእ ውህደት ዝመርሕ መገዲ ምልላይ
19 September 2019, 17:58