ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ጳጳሳት፥ ኣብ መንጐ ኢየሱን ሕዝብን መትረብ ኵኑ

ቅድሚ ኵሉ እቲ ኣብ ዝፍተት ህብስት ምዃን ዝብል ኢየሱሳዊ መንነት ምልላይ የድሊ፡ እዚ ንዅሉ ሕይወት ዝህብ ዝፍተት ህብስቲ - ኢየሱስ ኵነት ህላዌ ምዃኑ ምስትውዓል

ምስ ጐይታ ጥልቂ ርክብ ዘለኵም ግዜዅም ኣክንዲ ኣብ ጠረጴዛ ንሕዝቢ እተበርክቱ ኵኑ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንሓደስቲ ጳጳሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነዞም ኣብቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳትት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ሓደስቲ ጳጳሳት ተቐቢሎም፡ ንእግዚኣብሔርን ነሕዋትን ቀረባ ኩኑ እንክብሉ ክምዘተሓሳሰቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም 105 ብፁዓን ጳጳሳት፡ ለምዘበን እቲ ዕለት 11 መስከረም ዝተዛዘመ ዓውደ ጉባኤ ሓደስቲ ብፁዓን ጳጳሳት ተልእኾን መንነትን ጳጳስ ብዝብል መርሕ ቓል ተሰንዩ ብፍላይ ኣብ ሲኖዶሳውነት ዘተኰረ ከምዝነበረ ቅዱስነቶም ጠቒሶም፡ ነቶም ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ዝተሰነዩ ጳጳሳት፡ ሓጢኣት የብለይን ካብ ዝብል ድፍረት ገዛእ ርእስኻ ዓቂብካ ብዘይ ጽሉም ናፋቕነት ንኽነብሩ ኣተሓሳሲቦም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት ኢየሱስ እዩ፡ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ኣስተዋጽኦ ወይ ውን ህልዮ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን እምነት ኣብ ኢየሱስ ማለት ምዃና ምስ እትስሕት ንገዛእ ርእሳ ካብቲ ዘህይወት ሕያዋይ ጓሳ እያ እትርሕቕ፡ ስለዚህ ብጀካ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝህቦ ሕይወት ዝሕብ ሓይሊ ብፍቕሪ ናብ ፍቕሪ ዝመርሕ ካልእ ሓይሊ የሎን፡ ነዚ ሓይሊ ምልላይን ምንባርን የድሊ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ኢየሱስ ብዅለንተናኡ ናብ ሕዝቢ ይቐርብ

ቅድሚ ኵሉ እቲ ኣብ ዝፍተት ህብስት ምዃን ዝብል ኢየሱሳዊ መንነት ምልላይ የድሊ፡ እዚ ንዅሉ ሕይወት ዝህብ ዝፍተት ህብስቲ -  ኢየሱስ ኵነት ህላዌ ምዃኑ ምስትውዓልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣሜን ክበሃል ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም፡ ፍቕርን መራኸቢ ድልድል ሃነጽቲ እምበር ምግምማዕን ጽልእን ዘራእቲ ካብ ምዃን ተቖጠቡ፡ ካብዚ ዘይጥንቀቕ ጳጳስ፡ ሓላፍነት ጵጵስና ዘለዎ ትርጉም ምቅዋም እዩ ዝኸውን ስለዚህ ጳጳስ ምዃን ነቲ ደረት ዘይብሉ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ምምሳል ይሓትት፡ ንድኻታት ሓለይትን ፍሉይ ቆላሕታ ዝገብሩን ናይቲ እግዚኣብሔር ጥራሕ ይኣኽለኒ ዝብል እውነተይና ሕይወት መስከርቲ፡ ንድኻታት ቀረባ ምዃን ክበሃል እንከሎ ብረቒቕነት ወይ ብህልዮኣውነት ዘይኰነ ብጭቡጥ ቀረባ ምዃን ማለት እዩ።

ናይ ዝክረ ነገር ግዙእ ዘይምዃን

ከም ሰብ መጠን ብርግጽ ዕለታዊ ዝክረ ነገር ዘላካ ምዃን ግብእ እውን እንተዀነ ነቲ መደባትና ብመደባቱ ንዝቕይር እግዚኣብሔር ስንድው ምዃን የድሊ፡ ምስ ሕዝቢ ምርኻብ ኖላዊ ዑደት ምክያድ ምስ ሕዝቢ ምርኻብ፡ ሕያዋይ ጓሳ ምዃን፡ ሕቑኡ ሂቡ ዘይሓልፍ፡ ቀረባ ንዅሉ፡ ብፍላይ ነቶም ዝቖሰሉን ዝተናዕቁን ድኻታትን ምዃን ናይ ጳጳስ መለለዪ እዩ እንክብሉ ብኣጽንዖት ከምዘዘኻኸሩ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡

ጳጳስ ንካህናቱ ቀረባ

ሓደ ጳጳስ ንካህናቱ ቀረባ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብቲ ናይ ሕዝቢ ኵነት ዝርከቡን ንሕዝቢ ቀረባ ኰዮም ዝነብሩ ብምዃኖም ብካህናቶም ኣቢሎም እውን ንሕዝቢ ቀረባ መታን ክዀኑ ንካህናቶም ግዜ ዘለዎምን ቀረባ ኰይኖም ጽን ዝብሉ ንኽዀኑ ሓደራ ቢሎም፡ ካህናት ንእግዚኣብሔር እቲ እነዅልካ ዝበለዎ ቃሎም መታን ብዕለታዊ ሕይወት ከይናወጽ ዘበራትዑን ድጋፍ ዝዀኑኑ ጳጳሳት ኵኑ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ጳጳሳት፥ ኣብ መንጐ ኢየሱን ሕዝብን መትረብ ኵኑ
13 September 2019, 19:17