ድለ

ናይ ቤተ ክርስቲያን እውነተይና መንነት ዳግም ንምልላይ ናብ ናዝሬት ዳግም ምምላስ ናይ ቤተ ክርስቲያን እውነተይና መንነት ዳግም ንምልላይ ናብ ናዝሬት ዳግም ምምላስ  ርእሰ ዓንቀጽ

ናይ ቤተ ክርስቲያን እውነተይና መንነት ዳግም ንምልላይ ናብ ናዝሬት ዳግም ምምላስ

ሳሕቲ ክህነታዊ ጸዋዕታ ምስ ውሱን ዕለታዊ ንጥፈታትን ማለት ምስ ዝተወሰነ ስርዓትን ብዝካየዱ ኣኼባታትን ርክባትን ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ዝወሃብ ስፍራን ኣብ መኣድን ወይ ኣብ ኣዳራሻት ዝወሃብ መቐመጥን መሰረት ክግለጽ ይራአይ፡ እዚ ካብ ንማርያም ምስ ዘካርያስ እዩ ዘመሳስል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢ ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ዕለት 5 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሰዓት ኣርባዕተን ርብዕን ኣብ ካቴድራል ንጽሕት ድግንግል ማርያም ምስ ናይ ሞዛምቢክ ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ዝለገስዎ ቃል ኣማእኪሎም ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli)  ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ዝረአይ ዘሎ ናይ ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን መንነታዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዝመርሕ መገዲ ናብ ናዝሬት ዳግም ምምላስ ዝብል እዩ፡ ማለት ናብቲ ጸዋዕታ ጽን ዝተበሃለሉን ናብቲ ጸዋዒ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝተፈለጠሉ ስፍራ፡ እቲ ስፍራ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ዘወፍይን ኣሕዋትን ኣሓትን ንኸገልግል ዝውፈይ ናይ መንነቱ መልሕቓዊ ስፍራ ምዃኑ የብርሁ። ቅዱስነቶም ነዚ ዘብርሁ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ዘዘንትዎ ኣብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ካህን ወላዲ ዮሓንስ መጥምቕ፡ ዘካርያስን ኣብታ ከተማ ኣዚዩ ዝተቐደሰ ስፍራ ዘገልግል ዝነበረን እታ ተራ ዓለማዊት ምእመን ማርያም ኣብቲ ዘይፍሉጥ ኣዚዩ ርሑቕ ኣብ ዝዀነ ኣብ ገሊላ እትርከብ ከተማ ዝነበረት ጠቒሶም ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ክልተ ዘካርያሳውን ማርያማውን ስፍራ ብምንጽጻር ዘመላኸትዎ ሓሳብ እዩ።

ሳሕቲ ክህነታዊ ጸዋዕታ ምስ ውሱን ዕለታዊ ንጥፈታትን ማለት ምስ ዝተወሰነ ስርዓትን ብዝካየዱ ኣኼባታትን ርክባትን ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ዝወሃብ ስፍራን ኣብ መኣድን ወይ ኣብ ኣዳራሻት ዝወሃብ መቐመጥን መሰረት ክግለጽ ይራአይ፡ እዚ ካብ ንማርያም ምስ ዘካርያስ እዩ ዘመሳስል። እቲ ክትመዝኖ ዘይከኣል ዓቢይ ዝተወሃበካ ጸጋ ጸዋዕታዊ ክህነት ምስቶም ትሑታትን ዝተናዕቑን ዘመሳስል እዩ፡ ከምቲ እቲ ሕያዋይ ጓስ ኣብ ማእከል መጓሰ ዘሐየሎ፡ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ብትዕግስቱ ቀስ እናበለ ዝሃነጾ ካብ ኵሎም ሰባት ኣዚዩ ደንደ ዝነበረ እዩ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ካብ ዝተኣማመን ካህን እዚዩ ዝተሓተ ማንም ካልእ የሎም።

ካብ ቅልውላው መንነት ክውጻእ ዝከኣል ድኻምና ካብ ዘሎና ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ናይ ምክፋል ሓልዮትን ትውሳኤን ዝነቕል ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ፡ ማለት ናይ ሕዝቢ ዕለታዊ ሕይወትን ልብና ስለ ሓልዮትን ንቕድሚት ክብልን ክዋሳእን ካብ ዝገብረና ኣገልግሎት ዝነቕል ምስ ዝኸውን። በዚ ኣገባብ’ዚ እዚ ጥራሕ እዩ እቲ ጐደና ኣገልግሎት ዝዀነ መገዲ ናዝሬት ዳግም ዝልለይ። ማለት ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ወይ ውን ኣብ ናይ መዋቕራትን ኣብ ናይ ውልቅኻ መንፋዕትን መደባትን ሓይሊ ዘይኰነ ኣብቲ ንሓያላትን ዓበይታ እዛ ዓለምን ካብ ዝፋኖም ዝገልበጠን ንትሑታት ካብ ዝወደቕሉ ክብ ካብ ዘበለ ኣብ እግዚኣብሔር ምስ ዝኸውን ጥራሕ ምዃኑ ቅዱስ ከምዘብርሁ ገሊጾም ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

ናይ ቤተ ክርስቲያን እውነተይና መንነት ዳግም ንምልላይ ናብ ናዝሬት ድግም ምምላስ
06 September 2019, 17:27