ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እተቕርብዎ ሓበሬታ ቅጽል ዘይኰነ ክርስትና ዘራኽብ ይዅን

ናይ ስራሕኵም ብጋሴ ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ሓላፍነትን ዘይኵነ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ምዃናውነት ተራኽቦነት ብምቕባል በይንኻ ንኸይትተርፍ ንኣኡ ናብ ካልእ ምብጻሕ ዝብል እዩ

ዕለት 23 መስከረም 2019 ዓ.ም.  ሰዓት ትሽዓተ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕዋይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብዘካይዶ ካልኣይ ምሉእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምኽንያት ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኽቢ ብዙሓን ጋዜጠይናታትን ሰራሕተይናታትን ሰብ ሙያ ዕደ ጥበብን ተቐቢሎም ድሕሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ንመላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ምስ ቅዱስነቶም ንምልላይ ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ ሰላምታ ቃል፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ብጽሑፍ ከቕርብዎ ዝነበረ ቃለ ምዕዳን ሓዲጐም፡ ቅድም ቀዳድም ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንኽዀኑ ብቕዱስነቶም ንዝተሰምዩ ቀዳምይ ዓለማዊ ምእመን ዶክተር ፓውሎ ሪፉኒ ስለ እቲ ብስም ኩሎም ሰራሕተይናታት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታት ልባዊም ምስጋና ኣቕሪቦም፡

ናይ ዝዀነ ይዅን ምርኻብ ኣናስር እግዚኣብሔር እዩ

ኣባላትን ሰራሕተይናታት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣናስር ናይ ኵሉ ምርኻብን ርክብን እግዚኣብሔር ከምዝዀነን ናይ እግዚኣብሔር ድላይን፡ እዚ ዘለዎም ድላይ ዘራኽቡ እያቶም፡ እቲ ኣብ ምልኡ ንሱነቱ ዝራከበና ምርኻብ፡

ናይ ስራሕኵም ብጋሴ ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ሓላፍነትን ዘይኵነ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ምዃናውነት ተራኽቦነት ብምቕባል በይንኻ ንኸይትተርፍ ንኣኡ ናብ ካልእ ምብጻሕ ዝብል እዩ፡ እቲ ሓቅን ቅኑዕን ውህበትን ውበትን ለውሃትን ምርኻብ እዩ።

ገዛእ ርእስኻ ትውሳኤ ከይሃለወካ ምርኻብ ኢተኻኣሊ እዩ

ኣገልግሎት ምርኻብ ዝፍጸም ብነፍስን ብስጋን እዩ፡ ብቀልብን ልብን፡ ብመላእ ኣካላትን እዩ፡ እውነተይና ሰራሕተይና መራኸቢ ብዙሓን ገዛእ ርእሱ ዘራኽብ ዘይኰነ ኣብ ምራኻብ ከይበቐቐ ኵለንተናኡ ብምልኣት ዘዋስእ እዩ፡ ስለዚህ እቲ እተራኽቦ ዓቢይ ነገር ፍቕሪ እዩ፡ ኣላለይቲ ወይ ኣፋለጥቲ ኣይኰንኩምን ኣራኸብቲ ኢዅም፡ መስዳዕቲ ሃይማኖት ዘይኰንኩም እቲ ናይ ምርኻብ ዕዮኹም ክርስቲያናዊ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበለዎ ሃይማኖት ብምስዳዕ እትዓቢይ ዘይከነስ ብምምራኽ እዩ፡ ኣብ ማራኽነታ እያ እትዓብይ፡ ምስክርነት ማለት እዩ ኣግልግሎትኩም ምስክርነት እዩ፡ ናትኩም ምርኻብ ትርጉሙ ንሱ እዩ፡

ብዘይ ሓልዮትን ርህራሔን ጽባቔን ሓቂ ንከተበስሩ እትፍትኑ እንተድኣ ኴይንኵም ይትረፈኵም ኣቋርጽዎ፡ ገዛእ ርእሱኽም ትዉስኣት ዘይኰንኩምሉ ሓቂ ምብሳር ይትረፈኵም፡ ምስክርነት ዝተላበሰ ሓቂ፡ ክርስቲያን ማለት ምስክር ማለት እዩ፡ ከም ሰማዕታት ናይ እምነት፡ ናይ ኣገልግሎትኵም ሓደ ማዕቅን ሰማዕትነት ዝብል እዩ፡

ኣተሓሒዞም ኣብዚ ኣሰናዳእቲ መደብ ቋንቋ ትግርይና ጋዜጠይናታት ንዝርከብዎም ንናይ መላእ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን፥  

ውሑዳት ግና ንዅሉ ወንጌል ዘቕርቡ

ድሕሪ ምስክርነትን ሰማዕትነትን ማዕቅን መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር እቲ ካልእይ እቲ ኣብ ብዙሓት ክርስቲያን ልቢ ዝኣቱ ምርኰ ናይ ምዃን፡ ኢድካ ምሃብ ዝብል ጉዳይ ጠቒሶም፡ ኢኣማንነትን ከምኡ እውን ኣረመነነትን ዝነበረ እዩ ሓድሽ ኣይኰነን፡ ዓለምነት ሓድሽ ኣይኰነን፡ ዓለምነት ንቤተ ክርስቲያን ናይ ወትሩ ሓደጋ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ ዓለምነት’ዚ ቤተ ክርስቲያን በባዅዕትን ጨውን ኰይና እያ ክትርከብ ዘለዋ፡ ውሑዳት ኢና እንገብሮ ነገር የብልና ካብ ዝብል ናይ ምርኰ መንፈስ ሓደራ ንጠንቀቕ፥

ኢድካ ሂብካ ምንባር ካብ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ካብ መንፈስ ክፍኣት እዩ ዝነቕል፡ ኢድካ ንምሃብ ዝድርኽ ጓሂን ዒሚም ምባልን፡ ውሑዳት ኢና ዝብል ፍርሒ ኣይሃልዅም ወይ ከኣ ውሑዳት ስለ ዝዀንኩም ኣይትተክዙ፡ ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝብሎ፡ ወንጌል ኣበስሩ ኣድላዪ እንተደኣ ኰይኑ ከኣ ብቓል ኣበስሩ ይብል፡ ክርስቲያናዊ ምስክርነት ንሱ እዩ፡ ብተግባር ዝምስክር፡

ምርኻብ፥ ጭቡጥ ኵነት ከየቃመምካ ምቕራብ

ብሳልሳይ ደረጃ ይብሉ፡ ብዙሕ እዋን ብዙሓት ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስም ናይ ባህርይ ቃል ኣወጊደን ቅጽል ስም ይጥቀማ፡ ስም ወይ ናይ ባህርይ ቃል ንጭቡጥ ኩነት ብጉቡእ እዩ ዘቕርቦ፡ ስለዚህ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ቅጽል ስም ናብ ናይ ባህርይ ቃል ቲዮሎጊያ ክሰጋገር እዩ ዘለዎ ቢሎም፡

ዕዩዅም ዕቱብ እውን እንተዀነ ጽባቔ እውን እዩ፡ ናይ ስነ ቅብኢ ውበት ማለት ኣይኰነን፡ ገዛእ ርእሱ ኣብ ጽባቄ እዩ ዝገልጽ፡ ናይ ባህርይ ቃል እዩ፡ ስለዚህ ምርኻብ ብምስክርነት፡ ብሰማዕትነት፡ ሰማዕታት መሰካኽር ክርስቶስ

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ንነፍሲ ወከፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታት ሓደ ብሓደ ሰላምታ ተለዋዊጦም ተፋኒዮም።

ር.ሊ.ጳ.፥ እተቕርብዎ ሓበሬታ ቅጽል ዘይኰነ ክርስትና ዘራኽብ ይዅን
23 September 2019, 16:56