ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክህነታዊ ሓላፍነት ጸጋ እምበር ዕማም ወይ ከኣ ናይ ስራሕ ውዕሊ ኣይኰ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክህነታዊ ሓላፍነት ጸጋ እምበር ዕማም ወይ ከኣ ናይ ስራሕ ውዕሊ ኣይኰ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ክህነታዊ ሓላፍነት ጸጋ እምበር ዕማም ወይ ከኣ ናይ ስራሕ ውዕሊ ኣይኰ

ክህነት ካብቲ ጸጋ ካብ ምስትንታን ዝምንጭው ኣፍልጦ ጸጋነቱ ከነደብን እንኰሎና እቶም እንፈልጦም ዝንባዔታት፡ ዝኸፍኤን ዘሰንብድን ኣዚዩ ሓደገይና ዝዀነ ካብቲ ዕለታዊ ምልምማድ

ሎሚ ዕለት 19  መስከረም 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡  ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ቀዳመይቲ መልኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 12 ክሳብ 16ን ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 36 ክሳብ 50 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ክህነትን ጵጵስናን ቕሽነትን ጸዋዕታ እምንበር ዕማም ወይ ከኣ ናይ ስራሕ ውዕሊ ከምዘይኰነ ብኣጽንዖት ከምዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማዕርገ ክህነት ካብቲ ጠሚቱን ሰዓበኒ ቢሉን ካብ ዝጽውዕ ጐይታ ዝጽገው ጸጋ እዩ፡ ቅድሚ ኣገልግሎት ምዃኑ፡ ስለዚህ ዕማም ወይ ውን ናይ ስራሕ ውዕሊ ኣይኰነን፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መበል 25 ዓመት ክህነቶም ዘብዕሉን ካልኦት ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስኦም ዝሓበሩ ካህናትን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ናብ መበል 80 ዓመት ዕድመኦም ዝሰጋገሩ ዘለዉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣንኰና ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኤድዋርዶ መኒከሊ ዘኪሮም፡ ኵሎም ኣብቲ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ንጢሞተዎስ ምዕ. 4፥ 12-16 ዝተነበ ምንባብ ከተኵሩ ዓዲሞም፡ እቲ ምንባብ ጸጋ ኣብ ዝብል ቃል ዝተማእከለ እዩ፡ ክህነት ጸዋዕታ ምዃኑ ምስትንታን፡ ጳውሎስ ንጢሞተዎስ፡ ነቲ ዝተቐበሎ ጸጋ ዕሽሽ ከይብሎ ይምዕዶ።

ክህነት ናይ ስራሕ ውዕሊ ኣይኰነን፡ ከምዚ ክገብር ኣሎኒ እትብሎሉ ኣይኰነን፡ ከምዚ ክገብር እየ ዝብል ስጉምቲ ዳሕረዋይ መደብ እዩ፡ ቅድም ቀዳድም ጸጋ ክቕበልን እቲ ዝተቐበልክዎ ጸጋ ክዕቅቦን ክከናኸኖን ምፍላጥ፡ ኩሉ ካልእ ካብዚ ምፍላጥ’ዚ ስዒቡ ዝመጽእ እዩ፡ ካብ ምስትንታን ኣብ ጸጋ እዩ ዝነቅል፡ ነዚ ምስ እንዝግዕ ግና ናይቲ ጸጋ ወነንቱ ኰይኑ ይስምዓናን ናብ ዕማም ንቕይሮ፡ ናይ ክህነታውነት ሕመረት ነጥፍእ፡ እቲ ጠሚቱን ሰዓበንን ቢሉ ብናጻ ዝጸወዓና ብኢየሱስ ምጥማትና ነጥፍእ።

እቲ ዓቢይ ስግኣት ክህነታውነት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምምእካል ዝብል እዩ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ካብ ዓቢይ ስግኣት ምጥቃቕ ከምዘድሊ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ክህነት ካብቲ ጸጋ ካብ ምስትንታን ዝምንጭው ኣፍልጦ ጸጋነቱ ከነደብን እንኰሎና እቶም እንፈልጦም ዝንባዔታት፡ ዝኸፍኤን ዘሰንብድን ኣዚዩ ሓደገይና ዝዀነ ካብቲ ዕለታዊ ምልምማድ፡ ነቲ እቲ ጸጋ ዝጸገወና፡ ጸጋ ክህነት ዝዓደለና ብናጻን ካብ ምፍቃሩን ዝለገሰልናን ወጻኢ ክህነታውነት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምምእካል የጓንፈና።

ብቐዳምነት እምበኣር፡ ምስትንታንን ምዕቃብን ጸዋዕታ ኣገዳሲ ይኸውን

ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ጳውሎስ ጠቒሶም፡ ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ፡ ምስ በሉ፡ እዚ ንጳጳሳትን ንዅሎም ማዕርገ ክህነት ንዝጠቐበሉ ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ ክህነት ከም ጸጋ ዝስትንተን እምበር ከም ዕማም ዝረአይ ኣይኰነ፡ ኣኽእሎትና ንግበር ብጽቡቕ ድላይን ብጥበብን ተመሪሕና ብብልሓት እውን ግን ወትሩ ክዕቀብ ዘለዎ ጸጋ እዩ።

ፈሪሳዊ ለውሃትን ምእንጋድን ዝዝንግዕ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸጋ ማእክልነት ምዝንጋዕ ሰብኣዊ ምዃኑ ሉቃስ ወንጌል ዘዘንትዎ ታሪኽ እቲ ኣብ ቤቱ ንኢየሱስ ዝተቐበለ ፈሪሳዊ፡ ምእንጋድ ዝምልከቱ ምግባራት ዘንጊዑን ንጸጋ ዕሽሽ ክብል እንከሎ፡ ምቕራብ ማይ ንመሕጸቢ ናይ ጋሻ እግርን ንእተንእግዶ ሓቝይፍካ ምስዓምን ርእሱ ብዘይቲ ምቕባእን ዝብሉ ኩሉ ክዝንግዕ እንከሎ እታ ሓጥእ ሰበይቲ ትፍጽሞ፡

እቲ ፈሪሳዊ ጨዋ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ይዅን ደኣ እምበር ናይ ለውሃትን ናይ ሓባር ናብራ ጸጋታት ዕሽሽ ዝበለ፡ እዚ ክገብር ደሓር እቲ ክፍጽም ዝብል ሸበድበድ ክበዝሕ እንከሎ ጸጋ ዕሽሽ ይበሃል፡ … እወ ከም ካህናት ብዙሕ ዝግበር ኣሎና፡ ቅድም ቀዳድም ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ፡ ናይቲ ጸዋዕታ ማእከል ዝዀነ፡ እቲ ተልእዀ ወንጌላውነት ዝፍልፍለሉ ምንጪ ጸዋዕታ ዝዀነ ብናጻን ካብ ጐይታ ዝተዓደለና ጸዋዕታ ዕሽሽ ክንብል ኣይግባእን።

ኣውፈርቲ (ርእሰ ማላውያ) ካህናት ከይንኸውን ጐይታ ይሓግዘና

ቅዱስነቶም ነቲ ዝለገስዎ ስብከት፡ ጐይታ ነቲ ዝተቐብልናዮ ጸጋ ንኽንዕቅብን ክህነትና ጸጋ ምዃኑ ንኸነስተውዕልን ካብዚ ምስትዓውል’ዚ ዝነቐለ ኣገልግሎት ንኸነቕርብ መታን ደግፈና ንበሎ፡ ነቲ ጸጋ ከይነመሽምሾ መታን፡ ኣውፈርቲ ወይ ውን ርእሰ ማላውያን ካህናት ንኸይንኸውን መታን፡ ጸዋዕታ ጸጋነቱ ካብ ምስትንትን ካብቲ ነቲ ጸጋ ዝዓደለና ጐይታን ዘብኵረና ብዙሕ ነገር ኣሎ፡ እሞ ንጐይታ ሓግዘና ንበሎ፡ ንዅሎም ብፍላይ ነቶም ኣብዚ መበል 25 ዓመት ክህነቶም ንዘብዕሉ ዘለዉ ካብ ጐይታ ጸጋ ንለምን፡ ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ክህነታዊ ሓላፍነት ጸጋ እምበር ዕማም ወይ ከኣ ናይ ስራሕ ውዕሊ ኣይኰነን
19 September 2019, 17:50