ድለ

2019.09.07 Viaggio Apostolico in Mozambico Madagascar Mauritio Visita di cortesia al Presidente della Repubblica del Madagascar sig. Andry Rajoelina 2019.09.07 Viaggio Apostolico in Mozambico Madagascar Mauritio Visita di cortesia al Presidente della Repubblica del Madagascar sig. Andry Rajoelina  ርእሰ ዓንቀጽ

ዓውሎማነትን ብድሆ ዓብላሊ ባህሊ

ናይቲ ምግልጋልን ዜጋታት ብፍላይ ናይ ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎምን ምግልጋል ናይ ፖለቲካ ተልእዀን ሓላፍነትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ሰብ ክብሪ ሚዛን ዝገበረ ቅኑዕ ማለት ኤኮኖሚያዊ ጥራሕ ዘይኰነ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘመላኽት ሓላፍነት ብምዃኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማዳጋስካር ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ዕለት 7 መስከረም 2019 ዓ.ም. ንኽብሪ ሃገረ ማዳጋስካርን ርእሰ ብሔር ኣንድረ ራጆኤሊናን ሕዝብን ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ሓለፍትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት መራሕትን ኣብ ማዳጋስካር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓላፍነትን ብዛዕባ ድኽነትን ከምኡ እውን ፍጥረትን ናይ ኣሕዛብ ፍሉይ ባህልታት ክብሪ ምኽባርን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli)  ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቃል ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርትን ኣብቲ ንሶም ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን ዘሀብተምዎ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ መሰረታዊ ትምህርቲ ዘማእከለ ከምዝነበረን፡ ኣብ ማዳጋስካር ዘሎ ድኽነትን ናይ ድኻታት ሻውላይን ሕጻናት ኣብ ናይ ጡብ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነብርዎ ጽንኵር ሕይወትን ብጠቕላላ ናይ ማዳጋስካር ህልውን ጭቡጥን ኵነታት ዝድህስስ ከምዝነበረ፡ ቶርኒየሊ ገሊጾም፡ ካብዚ ክንየው እውን ናይቲ ብናይ ምዕራባዊ ኣህላኽነት መሰረት ዝገበረ ናይ ጭቡጥ ኩነት ብኣሃዝ ብዘቕርብ ጸብጻብ ዘይብጻሕን ክግለጽ ዘይከኣልን ናይ ሕዝቢ ሓሴት ብቐረባ ከምእተዓዘቡ ዘመላኽት እውን ምንባሩ ይሕብሩ።

ነዚ ዅሉ ኣብ ዘጠቓልል ቃሎም ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ምግልጋልን ዜጋታት ብፍላይ ናይ ድኻታትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎምን ምግልጋል ናይ ፖለቲካ ተልእዀን ሓላፍነትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ሰብ ክብሪ ሚዛን ዝገበረ ቅኑዕ ማለት ኤኮኖሚያዊ ጥራሕ ዘይኰነ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘመላኽት ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ኢሰብኣዊ ድኽነት ዘስፍሕ ናይ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ባህሊ ኣብ ምውጋዱ ክትግሁ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ማዳጋስካር ዝተዓደለቶ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔን ጸጋታትን ኵሉ ዘኪሮም ካብቲ ዘጋጥማ ዘሎ ምቅትታልን ምብዳም ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ሓደጋ ክትላቐቕ የተሓሳስቡ። ማሕበራዊ ቅልውላውን ምህዳራዊ ቅልውላውን ተጸላላውን ተሟራዃስን ካብኡ ሓሊፉ እውን ከምቲ ኣብ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዝብልዎ ሓደ ክምዝዀነ የብርሁ። ብዘይ ናይ ሓባር መሰልን ክብርን ትዕድልቲ ንናይ ሓባር ተጠቃምነት ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ማሕበራዊ ፍትሒ ውሑስ ምግባር ሕልሚ እዩ። ተፈጥሮ ናይ ምክልኻል ፖለቲካ ዝጠልቦ ዋጋ ተዓደይቲ ድኻታት ክዀኑ የብሎምን ግብኡ እውን ከምዘይኰነ ቅዱስነቶም ብሰፊሕ የመላኽቱ።

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ዓቢይ ቆላሕታ ዝገበሩሉ ነጥቢ ዓውሎማነት ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ከም ማዳጋስካር ዝኣመሰላ ሃገራት ሓደ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕዝቢ ውርሻ ዘስተናዕቕን ዝቐብርን ዝጭፍልቕን ብስም “ኵላዊ ባህሊ” ግምት ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ሓገዝ ዝቐርበለን ኵለን፡ እቲ ከም ሃገር ውልቃውን እንኰን መለለይኤን ዝዀነ ናይ ሕይወትን ባህልን ኣገባብ ኣልዩ ናብ ሓደ ዓይነታውነት ወይ ውጹእነት ኣብ ምእታው እዩ ዝጠቓለል። በንጻሩ ናይ ኣሕዛብ ፍሉይ ናይ ሕይወት ኣገባባ ቀዳምነት ዝህብን ዘኽብርን ሕዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕጫ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ዝገብር ከይዲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርሁ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኔይሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የጠቓልሉ።

(Andrea Tornieli)

ዓውሎማነትን ብድሆ ዓብላሊ ባህሊ
07 September 2019, 18:58