ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይቲ እንእውጆ ፍቅሪ ህያዋን ምልክት ምዃን

ብዙሕ እዋን ቤተ ክርስቲያን ብእዋናዊ ሰብ ዝሑል ተዘክሮ ኰይና ትጥመት፡ ልክዕ ከም ካብ ድቀ መዝሙር ኤማሁስ ንኢየሱስ ዘጋጠሞ፡

ናይ እዋንና ሰብ ልቢ ተጓዓዚ ክኸውን ንምንቕቓሕ ብድሆና እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መስከረም 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶምምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ክኡል ድዩ? ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል መገድታት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕትን ስነ ምርምርን ናይ ዝተፈላለያ ምንቅስቓሳትን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተቕዋማትን ኣባይቲ ትምህርትን ልኡካን ዝዓደመ ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝተዳለወ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ ንዘለዉ 300 ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ክኡል ድዩ? ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል መገድታት ዝብል ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዋና ርእሰ ጉዳይ ጠቒሶም፡ እዚ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ህላዌ ኣብ ዝጋርድ ኩነት ዓለም ከመይ ገይርካ እቲ ኣብ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ እግዚኣብሔር ናይ ምድላይን ምንፋቕን ባህርያዊ ጠባይ ሰብኣዊ ፍጥረት ምብርባር ይከኣል፡ ልክዕ ከምቲ ንደቀ መዝሙር ኤማሁስ ዘጓነፎም ኣብ መገድታትካ ንህላዌ እግዚኣብሔር ዘይምልላይ ብቐጻልነት ኣብ ዝንበረሉ እዋናዊ ዓለም፡ ናይ እግዚኣብሔር እጹብን ድንቅን ዝዀነ ህላዌ ህልው ምግባር ንዓና እቲ ዓቢይ ብድሆ እዩ ቢሎም፡  እዚ ብድሆ እዚ ምስ ብዙሕ መሰናኽል ግጥም ዘካይድ እዩ።

ብዙሕ እዋን ቤተ ክርስቲያን ንእዋናዊ ሰብ ዝሑል ተዘክሮ ኰይና ትጥመት፡ ልክዕ ከም ካብ ድቀ መዝሙር ኤማሁስ ንኢየሱስ ዘጋጠሞ፡ ኣብ ምዕራብ ዓለም ቤተ ክርስቲያ ካብ ድላይ ሕዝቢ ርሕቕትን ዘይትርዳእን ተገይራ ከምእትሕሰቦ፡ ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ወንጌላዊ ግልጸት ብናይ ድልዮቶም ናይ ምርዋይ ኣመክንዮ ክምልከቱ ዝደልዩ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ዓለም ድኽምቲ ቢሎም ዝሓስቡ፡ ገሊኣቶም እውን ካብቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ድኽነት ኣዚያ ዝረሓቐት ቢሎም የንብብዋ

ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ርእሰ እወጃ ኣይኰነትን፡ ኣብ ኣዋናዊ ዓለም ናይ ወንጌል ቅንኣትን ተምሳጥን ዝስምዓ እያ ክትከውን ዘለዋል፡ ኩሉ ኣብ ዘቕመጥካዮ ዝቕመጠሉ ቤተ መዘክር ካብ ምዃን ፈተና ክትላቐቕ ኣለዋል።

ብጣዕሚ ዝተኸበ ሕይወት ደጋውነት ጥራሕ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ

እግዚኣብሔር ርባጼን ድኻምን ኣብ ውሽጦን ዓቝይሮም ዝነብሩ ብጣዕሚ ዝተኸቡ ደጋውነት ዝዀነ ሕይወት ዝነብሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን በይተይና ኰይኑ ክስምዖን ዝደልዮም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሓት እያቶም ጣዕሚ ሕይወት… ርኹብነት ምልኣት ሓጐስ ኣይህብን፡

እቲ ቀንዲ ዘድልይ፡ ምፍቃርን ተፈቃርነት እዩ

ኣብ ሕይወት እቲ ቀንዲ ዘድልይ፡ ምፍቃርን ተፈቃርነትን እዩ፡ ከም ዝዀንካዮ ቅቡለት ረኺብካ ምንባር፡ ናይ ልቢ ሰላምን ነባሪ ሓጐስን ምርካብ እዩ፡ እዚ ዅሉ ምልኣት ኣብ ኢየሱስ ረኺብናዮ ኢና፡ ተልእዀና እምብኣርከስ ነዚ ዝተራኸብናዮን ምልኣት ሕይወት ዝዀነና ንዝተራኸበና ፍቕሩ ምክፋልን ምብጻሕን እዩ፡ ናይ ጉዕዞ ተኻፋሊ ብምዃን።

… እግዚኣብሔር ምምስካር ማለት ብዛዕባ እግዚኣብሔር ምዝራብ ማለት ኣይኰነን፡ ዲያብሎስ እውን ህላዌ እግዚኣብሔር ይፈልጦ እዩ፡ ነቲ ዝፈለጥካዮ እግዚኣብሔር ዝጽግዎ ሓሴት ናይ ሕዝቢ ዕለታዊ ስቓይን መከራን ተኻፋሊ ብምዃን ምምስካርን ኣብ ምርኻቡ ዘሎ ጽባቔ ክልለይ ምድጋፍ ማለት እዩ

ምስ ህያው እግዚኣብሔር ምርኻብ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ እዩ ዝኸውን

ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይቲ ዘይጽንቀቕ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ ዝኸውን ጸዋዕታ ፍቕሪ ተመክሮ ምግባር ማለት እዩ፡ ንቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ዝተወሃባ ተልእዀ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ኢየሱስ የፍቅረካ ንኸድሕነካ ሕይወቱ ምእንታኻ ኣወፈየ ሎሚ ኣብ ጐድንኻ ህያው እዩ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ ብስራት’ዚ እዩ ኣብ ሕይወት ክርስትና ዝምዕብል ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን።

ነፍሲ ወከፍ ምርኻብ ምስ ኣሕዋት እምነት የዕብይ

ናይ እምነት ሕይወት ዝድንፍዕ ምስ ኢየሱስ ኣብ ምርኻብ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ስለዚህ ኩሉ ኣብ ሕይወት ምርኻብ ዝብል እምነት ዘዕብይ ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፡

ንስኡን ቀረባ ምዃን ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ፡ ንዝሳቐይ ምግልጋል፡ ንድኻታት ምክንኻን ነቲ ቀረባና ዝዀነ ብትዕግስቲ ምቕባእ፡ ተስፋ ንዝቖረጸ ምጽንናዕ ሕማቕካ ንዝገብር ምብራኽ … በዚ ዓገባብ እዚ ጥራሕ እዩ ኣብ እዋንና ናይቲ እነበስሮ ፍቕሪ ህያው ምልክት ንኸውን

ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይቲ እንእውጆ ፍቅሪ ህያዋን ምልክት ምዃን
21 September 2019, 18:42