ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን፡ ሰረትን ባህልን ንውሑስ መጻኢ

ንእዋናዊ ሰብ ልቢ ንኽትዛረብ ጸሎትን ትዕግስትን ትሕትናን ዝስዋእ ፍቕሪ ዝጸንዔ እውነተያን ክርስቲያናዊ ምስክርነት ምቕራብ

ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ተቐቢሎም መንፈሳዊ መርሖን ኣብ እዋናዊ ዓለምን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘስተንትን ቃል መዕዳን ለጊሶም፡ እዋናዊ ንምዃን ቢልካ ካብ ሰረትካ ምስ እትርሕቕ ርእሰ ቅትለት እዩ ዝኸውን፡ ንናይ እዋንና ሰብኣዊ ፍጥረት እቲ እውነተይና ናይ ክርስትና ባህሊ ንኽትምስክር እቲ ክመሳስል ዘይብል ብዘይ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ውካሴ ብትሕትናን ብዝስዋእ ፍቕርን ምንባር እንኰ መገዲ ምዃኑ ከምዘብርሁ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዋናውያን ኰይንና ንኽንረኣይን ወይ ውን ንኽስምዓና ካብ ሰረትና ምርሓቕ ኣየድልን፡ ንእዋናዊ ሰብ ልቢ ንኽትዛረብ ጸሎትን ትዕግስትን ትሕትናን ዝስዋእ ፍቕሪ ዝጸንዔ እውነተያን ክርስቲያናዊ ምስክርነት ምቕራብ የድሊ፡ እዚ ክመሳሰል ዘይብል ጸረ-ዋሕዚ ዝዀነ ዓይነት ኣነባብራ ማለት ምዃኑ ነቶም ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ ኣብ ናይ ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ጠቕላሊ ጉባኤ ንዝሳተፉ 200 ኣጐስጢኖሳውያን ተቐቢሎም ኣብ ዝገለስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብሪሆም፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 13 መስከረም (ሎሚ ምዃኑ እዩ) ምስ ኣጐስጢኖሳውያን ኣሃው እውን ክራኸቡ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ተክለ ሰብነት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ዓመተ መንፈሳዊ መርሖ ኣጐስጢኖሳውያን ዓውደ መጽናዕቲ ዘኪሮም፡ ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ማሕበር ሰረት ሃይማኖታዊ ባህሊ፡ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምምራኽ ዘቃልሖ ሃረርታ ንእግዚኣብሔር ዘሕድር ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ምዃኑ የብርሁ።

ካብ ሰረት ገዛእ ርእስኻ ምቡቋስ ርእሰ ቅትለት እዩ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፡ ኣብ ምፍቃርን ነዚ ብሓድሽ መንፈስ ብዕምቆት ኣብ ምስትንታንን ኣተባቢዖም፡ ካብዚ እቲ ዘድሊ ውሽጣዊ ሓይሊ ብምርካብ ኣብ ጸሎትን ልልያ ብማሕበር ምንባርን ንኣጐስጢኖስውያን ኣብ ሎማዊት ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ሕይዉት ዕያገንዳ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ

ንኣስፍሆተ ወንጌላውነት ስንድው ብምዃን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይቲ  ማሕበር መስራቲ ዝተዓደሎ መንፈሳዊ መርሖ ዘመላኽቶ ማዕቅን ድኽነት፡ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ጥራሕ እምንቶ ይሃልኻ ዝብል እዩ፡ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝመርሕ፡ ንቕድሚት ንኸተብልን ንቤተ ክርስቲያንን ኣብ ጉዕዞ ኣስፍሆተ ወንጌል ይድርኽ።

ተልእዀ ናብ ኣሕዛብ

ካብ ትሕትና ንዘይንጸል ተልእዀ ወንጌል ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ንዝለዓዓሉ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ሌጣ እግር መስዋዕትነት እውን ዝሓትት እንተዀነ ንኽትግብርዎ ስንዳዋት ከምዝዀኑ ገሊጾም፡ ተልእዀ ወንጌል ኵለንተናውነት ይሓትት ምስ በሉ፡

ምስ ኢየሱስ ምጉዓዝ

ናይ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ዓመታዊ ዝኽሪ መንፈሳዊ መርሖ ዘኪሮም፡ መንፈሳዊ መርሖ ርእሰ ውከሳ ማለት ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ምስ ህያው ክርስቶስ ዝጓዓዝ ህያው ማሕበረሰብ ዝብል እዩ፡ ምስ ህያው ክርስቶስ ንምጉዓዝ ዝብል ጽኑዕ ድላይ ምንባር ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን፡ ሰረትን ባህልን ንውሑስ መጻኢ
13 September 2019, 19:03