ድለ

Vatican News
ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓባር ረብሓ ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ረብሓ ዝተነጸለ ክኸውን ኣይክእልን ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓባር ረብሓ ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ረብሓ ዝተነጸለ ክኸውን ኣይክእልን  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓባር ረብሓ ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ረብሓ ዝተነጸለ ክኸውን ኣይክእልን

ዝብጻሕ ዘሎ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ብሉጽ ዓለም ክኡል ኣብ ምግባር ዓቢይ ግደ ዝህልዎ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ዝብል ራእይ ምስ ዝጸንዕ ጥራሕ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ መዋዕል ስነ ኣሓዛዊ ምጥቀት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንኽመክር ኣብ ዘዳለውዎ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ዘለዉ ተጋባእያን ዕለት 27 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሰዓት 10.30 ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብኣዊ ፍጥረት ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዚዩ ፈጣን ዝዀነ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ምስ ዘቕርቦ ዘሎ ብድሆታት ይገጥም፡ እዚ ምዕባለ’ዚ መጠን ብስነ ምግባር ኣገባብ ዝተመርሐ ምስ ዝኸውን ረብሓ የርክብ፡ ዝብል ኣብቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወኪሶም፡

ዝብጻሕ ዘሎ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ብሉጽ ዓለም ክኡል ኣብ ምግባር ዓቢይ ግደ ዝህልዎ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ዝብል ራእይ ምስ ዝጸንዕ ጥራሕ እዩ፡ ናጽነትን ሓላፍነትን ሕውነትን ሰብ ኣብቲ ምስ ካልእን ፈጣርን ዘለዎ ናይ ምርኻብ ዓቕሙ ኣብ ዝድግፍ ስነ ምግባር ምስ ዝቐውም እዩ፡

ከምዝበሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ኣብቲ ዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝተጀመረ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ሊቃውንትን ናይቲ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ምዕባለ ሊቃውንቲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ቀልብዊ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣሞርኵይዙ እውን ሰፊሕ ናይ ምንጽጻርን ዘተን መደባት ዘጠቓለለ ከምዝዀነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ካምፓኒለ ኣስዒበን፡

ሓደስቲ መፍትሒ ንሓደስቲ ብድሆታት

እዋናዊ ሰብ ኣብ ቅድሚ ተራእዮም ዘይፈልጡ ሓደስቲ ብድሆታት ፊት ይርከብ ከምዘሎን እዞም ሓደስቲ ብድሆታት ናብ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝሰፍሕ ኣብ ሓደ እሙን ኣብ ዝዀነ ናይ ምሕዞ ብቕዓት ዝተደገፉ ሓደስቲ መፍትሒ ከምዘድልዮም ቅዱስነቶም ከምዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጠን።

ክልተ ገጻት ናይ ዕደ ጥበብ ምዕባለ

ናይ ሓባር ረብሓ ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ረብሓ ዝተነጸለ ኣይኵነን ኣብ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ምቛም ከምዘድሊ ገሊጾም፡ ንኣብነት ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ናብራ ተግባራዊ ምስ ዝኸውን ንናይ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ሓደጋ ኰይኑ ክርከብ ከምዝኽእል ምስትውዓል የድሊ።

ሮቦት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም

ሮቦታዊ ምዕባለ ብሓደ ሸነኽ ነድካሚ ስራሕን ሓደገይና ተደጋጋሚ ዕዮ ከብቕዕ ዝገብር ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ መዳይ ግና መኽሰብ ጥራሕ ብዝብል ኣመለኻኽታ ዝምራሕ ጠገለ ንዘይብሉ ጥቅውነትን ስልጠትን መጋበርያ ምስ ዝኸውን ብዙሓት ናብ ስእነት ስራሕ የውድቕን ሰብኣዊ ክብሮን ንሓደጋ ዘቃልዕ ይኸውን፡ ስለዚህ እውነተይና ጥቕሙ ንናይ ኵሉ ረብሓ ዝብል ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ሰብ ሰርሖ ቀልቢ ኣብ ማሕበረሰብኣዊ ሕቶታት

ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ኩሉ እሙን ንዝዀነ ሓበሬታ እትወት ክህልዎ ዝገብር እንተድኣ ኰይኑ ቕኑዕ ትንተና ዝውሕስ ይኸውን፡ ካብዚ ወጻኢ ንናይ ሓሶት ሓበሬታን ሓቅነት ንዘይብሉ ሓበሬታን ፖለቲካን ርእዮቶታትን መጋበርያ ክኸውን ከምዝኽእል ምዝካሩ የድሊ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ናይ ሚሊዮናት ርእይቶ ጸላዊ ይኸውን ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክውሕስ ዝግብኦ ተቕዋም ንሓደጋ የቃልዕ።

ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝበሃል መዓዝ እዩ?

ደረት ኣልቦ ምዕባለ ቃል ብዝኣትው ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሓደጋ ዝዀነ መርኣያ እደ ጥበባዊ ስርዓት ኢማዕርነት እዩ ዝወልድ፡ ስለዚህ ንፍጥረት ሰብ ኵሉ ዘይሓቑፍን ንናይ ኵሉ ረብሓ ዝብል ብዘይምዃኑ ምዕባለ ቢልካ ክትገልጾ ምዕባለ ዝብል ቃል ንዘለዎ ትኽለይና ትርጉሙ ምቅዋም እዩ ዝኽውን፡ ስለዚህ ናይ ሓደ ስልጣነ መምዘኒ ኤኮኖሚያውን ሕንጸታውን እደ ጥበባውን ማሕበራውን ባህላውን ኢማዕርነት ኣብ ምውጋድ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ ትግቡር ንኽኸውን ንእተካይድዎ ጻዕሪ አመስግን ኢሎም።

ናይ ሓባር ረብሓ ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ረብሓ ዝተነጸለ ኣይኰነን ኣብ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዝቖመ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ንምክልኻል ዝድግፍ ስነ ምግባራዊ መርገጺ ንምዝርጋሕ ንእተሳልጥልዎ ዕዮ አመስግን ቢሎም ንዅሎም ተጋባእያን ኣብዚ ጻዕሪ’ዚ ኣበራቲዖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሓባር ረብሓ ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ረብሓ ዝተነጸለ ክኸውን ኣይክእልን
27 September 2019, 17:39