ድለ

ነቲ ልዑል ዝኾነ መባዂዕቲ ሕውነትን ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ወንጌል ከብጽሕ ኣብ ኣፍሪቃ በጺሔ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 11 መስከረም 2019 ዓምፈ ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቅራብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኸቡ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምሃብን ብዛዕባ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ተንቲኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዜናታትና ክትከታተልዎ ከምዝቀነኹም ካብ ዝሓለፈ ዕለት 4 መስከረም ክሳብ ትማሊ ዕለት 10 መስከረም ኣብ ሠለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞዛቢቅን ማዳጋስካርን ማውሪሽየስን መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ፈጺሞም።

ቅዱስነቶም እዚ ጒዕዞ ከም ሓዋርያ ወንጌል ተስፋን ሰላምን ዕርቅን ክዘርኡ ከምዝኸዱ እንክምልከት ‘ወንጌል ኢየሱስ ዝለዓለ መባዂዕቲ ሕወነትን ነጻነትን ፍትሕን ሰላምን ናይ ሕዝብታት ስለዝኾነ ብዝተኻእለኒ መጠን ነዚ መባዅዕቲ ኢየሱስ ናብ ሕዝብታት ሞዛምቢቅን ማዳጋስካርን ማውሪሽየስን ከብጽሕ ጽዒረ’ ኢሎም።

ኣብቲ ዘቅረብዎ ሰፊሕ ትንተና ቅዱስነቶም ነቲ ዘስተማቀርዎ ፍሽኽታን ፍሕሽው ገጻትን ዝኽርታትን ዝቀረበ ምርኢታትን ጸሎታትን ኩሉ በብሓደ እናዘከሩ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ዝፈጥር ጽዑቅ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝነበረ ተንቲኖም።

ቀዳማይ ምዕራፍ ብሞዛምቢቅ ከምዝጀመሩን እዛ ሃገር ኣብ ቀረባ ሕሉፍ ታሪኻ ብዙሕ ዝተሳቀየት ምናዳ ብውግእ ሓድሕድ ብዙሕ ዝቆሰለት ምዃና ገሊጾም። ቤተክርስትያን ንጒዕዞ ሰላም ኣሰንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ነቲ ብ1992 ዝተገብረ ስዒቡ ምዕባለ ዘርኣየ ምናዳ ኣብዚ ብዙሕ ንዘበርከተ ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ኣመስጊኖም።

እዚ ጥራይ ከይኣክል ከኣ ዝሓለፈ ወርሓት ኢዳይን ከነንዝን ዝተባህሉ ህቦብላዊ ዝናምን ንፋስን ብዙሕ መጒዳእቲ ከምዘብጸሔን ብምዝካር ከኣ ንሰበስልጣን ኣታ ሃገር ሓደራ ዝበልዎ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ክሠርሑን ንኩሉ በዲሆም ዳግም ሃገሮም ንከሃንጹን ከምዝተላበው ምናዳ ኣብቲ ተከተልቲ ኩለን ሃይማኖታት ዝኾኑ መንእሰያት ዝገበርዎ ርክብ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም። ንጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ኣብ ዝሃብዎ ማዕዳ እውን ንቅልውላው ጸዋዕታ ንክሰግሩ ኣብ ጸዋዕታ ማርያም ናብ ናዝሬት ተመሊሶም ከስተንትኑ  ድሕሪ ምዒዶም ኣብ ሆስፒታል ዚምፐቶ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ቀዳምነት ዝወሃቦ ሕሙም ኰይኑ ኩሎም ስለሕሙማት ክሰርሑ ምርኣይ ብጣዕሚ ከምዝሐጐሶም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብዘይ ምንም ኣፈላላይ ሃይማኖትን ዕድመን ጾታን ኩሉ ብማዕርነት ዝተሓጋግዘሉ ምዃኑ ገሊጾም።

መዛዘሚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሞዛምቢቅ ኣብ ሜዳ ዘዕረጕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኰይኑ ንኩሉ ዜማታትን መንፈሳዊ ሳዕስዒትን ታሕጓስን ወላውን ምስ ዝናም ዘገርም ምንባሩ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ዝብል ብምንባሩ እዚ ከኣ ንኩሉ ዝልውጥ ነቲ ሓቀኛ ዕርቅን ምሕረትን ዝሕብር መንገዲ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብድሕሪ ሞዛምቢቅ ጒዕዞኦም ንመዳጋስካር ከምዝቀጸለን ሃብትን ጽባቀን ናይቲ ሃገር የድንቁ ኰይኑ ግን ስግንጢር ዝኾነ ምስ እዚ ኩሉ ሃብትን ጽባቀን ዓቢ ድኽነት ምህላው ኣይሓብኡን። ኣብ ዝለገስዎ ማዕዳ ከኣ ሕዝቢ ማዳጋስካር ብሓባር ንመጽኢኡ ክሃንጽ ነዚ ከኣ ንተፈጥሮን ከባብን እናሓለው ማሕበራዊ ፍትሒ ከንግሱ እናተቃለሱ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢረ ይብሉ እሞ ኣብ ልቦም ዝተረፎም ግን ኣብ ከተማ ኣካማሶዋ ብኣብ ፐድሮ ኦፐካ ዝተደኰነት ናይ ዕርክነት ከተማ ኰይኑ ልዕሊ 25 ሺሕ ሰባት ዝነብሩላ ካብዚኦም ልዕሊ 60% ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኑ ልቦም ከምዝተንከፎም ገሊጾም።

ኣብዚ እውን እንተኾነ ከም መዛዘሚ ሓዋርያዊ ጒዕዞኦም ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ኰይኑ ብቀንዱ ኣብ ልቦም ተሳኢሉ ዝተረፈ ግን እቲ ብድሮኡ መንእሰያት ወጋሕ ትበል ለይቲ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝገበርዎ ኰይኑ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ከምዘሎ ኣይሓብኡን።

ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ምዕራፍ ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ማውሪሽየስ ከምዝነበረን እዛ ደሴት እዚኣ ብሓቀ ናይ ዝተፈላለዩ ብሔራትን ባህልታትን ውህደት ዝረኣየላ ኣብነታዊት ናይ ሓድነት ቦታ ምዃና ገሊጾም። እዚ ኸኣ ኩሎም ኣብታ ደሴት ዝርከቡ ሕዝብታት ካብ ዝተፈላለየ ቦታት ዝመጹ ምዃኖም ኣሚኖም ብስኒት ክነብሩ ምኽኣሎም ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተስ ይኹን ዕርክነት ኣብ መንጎ መራሕቲ ናይተን ዝተፈላለያ እምነታት ብሓቂ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።

ኣብዚ እውን መዛዘሚ ሓዋርያዊ ጒዕዞኦም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝነበረ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ፖር ልዊ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሓደ ክርስትያን መንነት ዝገልጽ ቃል ወንጌል መንገዲ ብፅዕና ከምዝኾነ ነዚ ከም መንነት ወረቀት ሒዝካ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕል ክርስትና ሕይወት ታሕጓስ ምዃኑ ከምዝገለጹን ዕውት ዝኾነ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ፈጺሞም ከምዝተመልሱን ብምብርራህ ትምህርቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 September 2019, 18:11