ድለ

ሰማዕታትሲ ፍሉያት ፍጥረት ኣይኮኑን ከማና ሰባት ኰይኖም ዝተዓወቱ እዮም! ር.ሊ.ጳ

ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ - ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጀመርዎ ብዛዕባ መጽሓፈ ግብረ ሐዋርያት ዝድህስስ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ምስ በሉን ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ዓደሉን ካብ ግብረ ሐዋርያት 6,8-10,15 እዚ ዝስዕብ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተነቢቡ።

ቃል ኣምላኽ፡ -  ‘እስጢፋኖስ  ጸጋን ኃይልን መሊእዎ፡ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ዓቢይ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ሽዑ ገሊኦም ኣባላት ናይታ ‘ውጹኣት ሓራ’ እትበሃል ምዅራብ ሰብ ቄሬኔዎን  እስክንድርያን ቂልቅያን እስያን ተላዒሎም ምስ እስጢፋኖስ ኪከራኸሩ ጀመሩ። ግን ነቲ ዚናገሮ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ኪቃወምዎ ኣይከኣሉን።  . . .እቶም ኣብ መጋባእያ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት ዂሎም ኣተኲሮም ምስ ጠመትዎ ድማ ገጽ መልኣኽ መሲሉ ተራእዮም።’ (ግሐ 6.8-10.15)

ብድሕር’ዚ ቅዱነቶም ነዚ ዚስዕብ ሰፊሕ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅረቡ።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!  ኣብ ዙርያ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት እንገብሮ ዘሎና ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ነቲ ወንጌል ኣብ ዙርያ ዓለም ዝገበሮ ጒዕዞ ንከታተል ኣሎና። ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ዓበይቲ ሓቅታት ተመስሪቱ ምዕንባብ ወንጌልን ኣብ ማሕጸን ማሕበረ ክርስትያን ዝረኣዩ ዝነበሩ ጸገማትን የዘንቱ። ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ጸገማት ነሮም እዮም። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረ ክርስትያን ንዝኽሰቱ ዝነበሩ ጸገማት ከመይ ገቢርካ ብዘይ ምስሕሓብን ምግምማዕን ክትፈትሖ ይከኣል! ንዝብል ሕቶ ይምልስ።

እታ ቀዳመይቲ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ሕጽና ኣይሁድ ጥራይ ትሓቚፍ ኣይነበረትን እንታይ ደኣ ካብ ስደት ዝምለሱ ዝነበሩ ግሪኻውያን ማለት ዕብራውያን ዘይኮኑ ምስ ፍልይ ዝበለ ባህሎምን ስምዒታቶምን ከምኡ እውን ካልእ እምነት ዝነበሮም ትቅበል ነይራ። እዞም ሎሚ ንሕና ኣሕዛብ ኣረሜን እንብሎም ማለት ኮይኑ ነዚኦም እውን ይቅበሉ ነሮም። እዚ ጒዕዞ እዚ ግን ተኣፈፍትን ተነቀፍትን ኣብ መንጎ ዝኾኑ ጉዳያት ሚዛን ምሕላውን ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዘጋጥም ክርዳድ ክንብሎ እንኽእል ምጉርምራምን ክትሕን ምጽዓር ነበረ። እቲ ዝሓሰመ ክርስዳድ ከኣ ንማሕበር ፋሕ ብትን ኣቢሉ ዘዕኑ እዩ ሕሜታን በላበለውን ይበሃል። እቲ ቀንዲ ጸገምከስ እቶም ግሪኻውያን ማዕረ ዝኾነ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘይነበሩ ምናዳ መበለታቶም ማዕረ እተን ካልኦት ሓገዝ ይረኽባ ከምዘይነበራ የጒረምርሙ።

ሓዋርያት ነቲ ጉዳይ ንምልላይ መንፈስ ቅዱስ ከብርሃሎምን ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ግዜ ፈለዩ ፍታሕ እውን ብሓንሳእ ኣናደዩ። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዝወፍሩ ሰባት ንምምዛዝ ከኣ ነቲ ሥራሕ ክመቃቅልዎ ግድን ኮኖም ቀንዲ ግን እቲ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ከይባዀር ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ኣገልግሎት ድኻታት ከይጉዳእ ብማለት ንክልቲኡ ፈልዩ።

ሓዋርያት ቀዳማይ ጸዋዕታኦም ንቃል ኣምላኽ ምዃኑ ማለት ኣገልግሎቶም ቃል ኣምላኽ ምስባኽን ጸሎትን  ምዃኑ ኣዳዕዲዕም ይፈልጡ ነበሩ ስለዚ ኸኣ ንሶም ኣብኡ ጥራይ ምእንቲ ከተኩሩ ‘መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰባት ምረጹ’ (ግሐ 6.3) ይብልዎም። እዞም ሾብዓተ ሰባት ምስ ተመርጹ ብሓባር ጸልዮም ኣንብሮ እድ ገሮምሎም ኣብ ኣገልግሎት ድኻታት መግቢ ምዕዳል ተዋፊሮም። ዲያቆናት ከኣ ተባሂሎም። ብዛዕባ ዲያቆናት እንክዝረብ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዝተወዩ ኣዮም። ዲያቆን ክንብል እንከሎና ድሕሪ ካህን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ማለትና ኣይኮነን ካልእ ጉዳይ እዩ። ንኣገልግሎት መንበረ ታቦት ዘይኮነ ንእገልግሎት ድኻታት እዩ። ዲያቆን ክንብል ኣንከሎና ሓላዊ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን እዩ። ሓደ ዲያቆን ኣብ መንበረ ታቦት ምድያብ ጥራይ ደስ ዝብሎ እንተዀይኑ ይጋገ መንገዱ እዚ ኣይኮነን ኣገልግሎት እዩ። እዚ ኣብ መንጎ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ድኻታት ማለት ፍቅሪ ሥራሕን ዝተገብረ ውህደት ከስ መባዅዕቲ ኰይኑ ነታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነ ቤተክርስትያን ከም እትዓቢ ይገብራ።

ሓዋርያት ከስ ሾብዓተ ዲያቆናት ይሾሙ። ኣብ መንጎ እዞም ሾብዓተ ዲያቆናት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ እስጢፋኖስን ፍሊጶስን ይልለዩ። እስጢፋኖ ንጹር ብዝኾነ መንገድን ብዓቢ ሓይልን ንወንጌል ይሰብኽ ኰይኑ ግን ቃላቱ ብርቱዕ ተቋውሞ የጋጥሞ። ዝቃወሙሉ መንገዲ ምስ ሰኣኑ እንታያ ይገብሩ ይመስለኩም! እቶም ጸላእቱ መስኪን ዝኾነ ፍታሕ ይመርጹ እዚ ኸኣ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንክኣልይዎ ማለት እዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ ጠቀነን ናይ ሓሶት መሰኻኽርን የሰናድው። ጠቀነ ንሰብ ከምዝቀትል ከኣ ኣጸቢቅና ንፈልጥ ኢና። እዚ ዲያብሎሳዊ ዝኾነ መንሽሮ እዚ ንሓደ ሰብ ስሙ ንምጥፋእን ንምዕናውን ዘገልግል ኮይኑ ንመላእ ኣካል ቤተክርስትያን እውን የዕኑ ብዓቢኡ ከኣ ንዘይጠቅም ረብሓን ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕመቅ ንክትሽፍንን ክትብል ነዚ ውርደተኛ መንገዲ እንክትመርጽ ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ ንሓደ ሰብ ኣብ ምእላይ ምቅታል የብጽሕ።

እስጢፋኖስ ብሓሰውቲ ምስክራት ተኸሲሱ ኣብ መጋባእያ ይቀርብ። ንኢየሱስ እውን ትኽክል ከምዚ እዮም ገሮም ምስቶም ዝስዕቡ ኩሎም ሰማዕታት እውን ብሓሰውቲ ምስክራትን ስም ብምጽላምን ወትሩ ከምኡ ምስ ገበሩ እዮም። እስጢፋኖስ ነታ ክርስቶስ ዝማእከላ ቅዱስ ታሪኽ ብሓዲስ ብምቅራብ ንገዛእ ርእሱ ክከላኸል ይጅምር።  እዚ ከኣ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምልከት ኮይኑ ካብ ኣብርሃም ጀሚሩ ክሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ታሪኽ ዕብራውያን ይትንክፍ። ታሪኽ ድሕነት ኣብ ምሉእ ፍጽምናኡ በቲ ንሶም ዝሰቀልዎ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝበጽሐ! ፋሲካ ክርስቶስ ክርስቶስ ከኣ ናይ ኪዳን ድሕነት ትርጉም ከምዝኾነ ገለጸ። ኣብዚ ግዜ እዚ እስጢፋኖስ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተሸሊሙ ትብዓት ተቀኒቱ ንግብዝነቶም ክኹንን ንነብያት ከምኡ እውን ንክርስቶስ እንታይ ከምዝገበሩ ንከዘኻኽሮም ‘ ‘ኣየናይ እዩኸ ኻብ ነቢያት ኣቦታትኩም ዘየሳደድዎ! ንሳቶም ነቶም ምጽኣት ወዮ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሠሩ ቐተልዎም ንስኻትኩም እውን ሔዚ ኸሓድቱን ቀተልቱን ኮይንኩም ኣሎኹም’ (ግሐ 7,52) ይብሎም። ቃል ዓለም ኣይገብርን እንታይ ደኣ ኣነጺሩ ነታ ሓቂ ቶግ የብላ።

እዚ ኣገባብ እዚ ከኣ ነቲ ዓማጺ ግብረ መልሲ ሰማዕቲ የገንፍል ንሞት ከኣ ይፍረድ ብኣእማን ተወጊሩ ክመውት ይውሰነሉ። ንሱ እንከ ነታ ሓቀኛ ልብሲ ሓዋርያ ክርስቶስ ይገልጽ። ዕጻይ ምጻይ ኣይብልን ክሃድም ኣይፍትንን ከድሕንዎ ናብ ዝኽእሉ ይግባይ ኣይብልን እንታይ ደኣ ንነፍሱ ኣብ ኢድ ኣምላኹ የወፍያ ነታ ጽብቅቲ ጸሎት ከኣ ከምዚ ክብል ይደግማ ‘ኦ ጐይታ ኢየሱስ ንነፍሰይ ተቀበል’ (ግሐ 7.59)።  ከም ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ከኣ እናመሓረ ይመውት። ‘ኦ ጐይታ ሓጢኣቶም ኣይተሓዘሎም’ (ግሐ 7,60) ከአ ይብል።

እዘን ቃላት እስጢፋኖስ ደቂ እግዚኣአብሔር ምዃና መንነትና ዝገልጻ ዝተወራረቀ ቃላት ዘይኮነ ንሕይወትካ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ኣቦ ምውዳቑን ነቶም ዝበደሉና ይቅረ ምባልን ምዃኑ ክብሪ እምነት ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ይገልጸልና።

ሎሚ እውን እንተኾነ ካብቲ ኣብ መጀመርያ ዘመናት ዝነበረት ቤተክርስትያን ንላዕሊ ሰማዕታት ኣለውና እዚኦም ከኣ ኣብ ኩሉ ቦታ ይርከቡ። ናይ ሎሚ ቤተክርስትያንና ብሰማዕታት ሃብታም እያ ደም ሰማዕታት ከኣ የስትያ። ስለዝኾነ እዩ ተርትልያን ‘ዘርኢ ሓደስቲ ክርስትያን ደም ሰማዕታት እዩ’ ዝበለ። እዚ ደም ኣዚ ከኣ ንዕብየትን ምዕንባብን ሕዝበ እግዚኣአብሔር የረጋግጽ። ሰማዕታት ፍሉያት ፍጥረት ቅዱሳት ፍጥረት ኣይኮኑን እንታይ ደኣ ከማና ብሥጋን ዓጽምን ዝቆሙ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እዮም። ከምቲ ራእዩ ለዮሓንስ ዝብሎ ከኣ ‘ንክዳውንቶም ጻዕዳ ክሳብ ዝኸውን ብደም እቲ ገንሸል ዝሓጸቡ እዮም’ (7,14)። ንሶም ሓቀኛ ዓወት ዝተጐናጸፉ ዕውታት እዮም።

ንሕና እውን ንሰማዕታት ትማልን ሰማዕታት ሎምን እናጠመትና ዕለታዊ እምነት ወንጌል ዘቅርበልና ሰማዕትነት እናተቀበልና ምስ ክርስቶስ ክንወሃሃድ ከ ክንክእል በዚ ምልኣት ዘለዎ ሕይወት ምንባር ምእንቲ ክንክእል ንጐይታ ንለምኖ ኣንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 September 2019, 16:46