ድለ

2019.09.05 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ኩለን ሃይማኖታት ሞዛምቢክ ምስ ዝተኣከቡ መንእሰያት 2019.09.05 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ኩለን ሃይማኖታት ሞዛምቢክ ምስ ዝተኣከቡ መንእሰያት  

ምፍልላይን ጽልእን ስለዘዕኑ ንሞዛንቢክ ክትብሉ ሕበሩ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ኩለን ሃይማኖታት ሞዛምቢክ ምስ ዝተኣከቡ መንእሰያት ኣብ ዝተራኸቡሉ ‘ክንዮ ፍልልያትኩም ምስ ካልኦት ሓቢርኩም ሕለሙ እምበር ተጻይ ማንም ኣይትኹኑ። ንታሪኽ ክትልውጥ እትኽእል እንኮ መጋበሪት ምድግጋፍ ትበሃል ኣምር ኮይና ነቲ ክመቓቕል ሒዅ ዝብል ከም ጸረመርዚ ኮይና ተገልግል ከኣ ታሕጓስ እያ።’ እንክብሉ ነቶም ካብ ክርስትና ምስልምና ሂንዱን ዝኽተሉ መንእሰያት ምዒዶም። ንሕልምታቶም ሕያው ዝገብር ሓደ ኣብነት እስፖርት ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ኤውዘብዮ ዳ ሲልቫን ማርያ ሙቶላን ዝበሃሉ ኣትለታት ሞዛምቢክ አብነቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቀንዲ መለለዪ ናይቲ ርክብ ዝተፈላለየ እምነታት ዝኽተሉ መንእሰያት ታሕጓስ ምንባሩ ነዚ ከኣ ብዝተፈለለየ ዜማታትን ሳዕስዒትን ምስ ገሊጾሞ። ቅዱስነቶም እውን ‘ኣብዚ ብዙሕ ጸገማት ኣብ ተሕልፉሉ ግዜ ከምዚ ኢልኩም ክትዝምሩን ክትስሕቁን ክትስዕስዑን ክርእየኩም እንከሎ ሓቂ ብሓቂ ናይዛ ምድሪ እዚኣ ዝበለጽኩም ምልክት ታሕጓስ ኢኹም። ንስኹም ኣድለይቲ ኢኹም። ተስፋና ኢኹም` ክብሉ ገሊጾሞም።

ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ንመንእሰያት ሞዛምቢክ እውን ‘ታሕጓስኩም ክሰርቑ ኣይተፍቅዱሎም’ ትብል ነራ።

ብሕይወት ምህላው ዝህቦ ታሕጓስ ምስትምቃር ካብተን ቀንዲ መለለዪ ጠባያትኩም ኰይና ከምዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ብሕይወት ምህላው ብሕልፊ ንመንእሰይ ዓቢ ሓጐስ እዩ። ምስ ካልኦት እትካፈሎ ሓጐስን ብዕርቂ ምስ ካልኦት እተብዕላን ነቶም ክመቓቕሉ ዝደልዩ ዓባይ ጸረ መርዚ መድሓኒት እያ። ነቶም ክጐዛዝዩ ከዕንው ዝደልዩ መድሓኒቶም እዚኣ እያ። ኣብ ገገሊኡ ክፋላት ዓለምና ከም እንሰምዖ ከምዚ ሓጐስኩም ተሳኢኑ ኣሎ። ከምኡ እውን ሓጐስ ሕብረት ተሳኢኑ ብሓባር ክንዲ ምንባር ደቂ ሓንቲ መሬት ክንሶም ብእምነታት ተፈላለዮም ክትርኢ የሕዝን።

መንእሰያት ተስፋ ሕይወት

ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ብኩሉ ኩሉ ኣመስጊኖም። ልዕሊ ፍርቂ ሕዝቢ ሞዛምቢክ ባህላዊ እምነት እንክኽተሉ 28% ካቶሊካውያን ሓድ ሕምሲት ዝኾኑ ከኣ ኣስላም እዮም። ኣብቲ ጉባኤ ኩሎም ምስ መራሕቶም እዮም ተረኺቦም።

ቅዱስነቶም ከምቲ ንሲኖዶስ መንእሰያት ስዒባ ዝወጸት ክሪስቱስ ቪቪት ክርስቶስ ሕያው እዩ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳኖም ዝበልዎ ‘ኩልና ኣድለይቲ ኢና ንስኹም መንእሰያት ከኣ ህርመት ልቢ ሕዝቢ ኢኹም። ኣብቲ እንኮ ናይ ፍጥረት መደብ ዝተጸዋዕኩም ስለዝኾንኩም ሓዲስ ገጽ ተስፋን ሰላምን ዕርቅን ክትጽሕፉ ኢኹም እውን ተጸዊዕኩም’ መንእሰያት ሞዛምቢክ ተስፋ ሕይወትን ተስፋ እታ ሃገርን ምዃኖም ገሊጾምሎም። እዚ ግን ቀሊል  ከምዘይኮነን ቀንዲ ተጻባእቲ ሕይወት ዝበልዎም ከኣ ጭንቀትን ኢድካ ምሃብን ምዃነን እውን ገሊጾም።

ጭንቀትን ኢድካ ምሃብን ጸላእቲ ሕይወት

ከም መንእሰያት ክሓልሙን ክሕጐሱን ዝዓደሙ ቅዱስነቶም ንሕልሚ መንእሰይ ከቅህሙ ዝኽእሉ ክልተ ዓበይቲ ጸላእቲ ሕይወት ዝበልወን ጭንቀትን ኢድካ ምሃብን እየን ኢሎም። እዘን ጒዳያት እዚአን ንተስፋ ይሰርቃ።  ነተን ጽቡቃት ሕልምታትኩም ንክትረኽቡ ተስፋ ትዕግሥቲ ግዜ ሂብካ ጸኒዕካ ንቅድሚት ምስጓም ብዘይ ፍርህን ምጥርጣርን ምጒዓዝ የድሊ። ኣብነት ዝኾኑኹም እስፖርታውያን ኤውዘብዮን ኣለውኹም። እስፖርት ኣብ ሕልምታትና ጽኑዓት ክንከውን ካብ ዝምህሩና ሓደ ስለዝኾነ ከምዞም ኣብነት ዝኾኑ እስፖርታውያን ተቃለሱ።

ብካልእ ወገን ንወዲሰብን ሕብረተሰብን ዘዕኑ ጽልእን ምምቅቃልን ስለዝኾነ ብሓድነት ክትነብሩን ክትሰርሑን ኣሎኩም ኢሎምዎም።

ሎሚ ዝተፈቶኹም ኣዕሩኽተይ ከመይ ገርና ክንሰርሕ ከምዘሎና ንስኹም ኣብነትን መሰኻኽርን ኢኹም። መሰኻኽር ሓድነትን ዕርቅን ተስፋን ኢኹም። ከም ሓንቲ ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ንሃገርና ብከመይ ክነገልግላ ኢልኪም ሕሰቡ። ካልእ ምሥጢር የለን ከምዛ ሕጂ ትገብርዋ ዘሎኹም ክንዮ ኩሉ ፍልልያትኩም ብሓደ ኩኑ ምስ ካልኦት ብሓባር ደኣ ሕለሙ እምበር ተጻይ ማንም ኣይትስርሑ። ሡር መሰረትኩም ሽማገልታትኩም ስለዝኾነ ቀጥ ኣቢልኩም ሓዝዎም። ንታሪኽ ክትልውጥ እትኽእል እንኮ መጋበሪት ምድግጋፍ ትበሃል ኣምር ስለዝኾነት ተደጋገፉ።

ዝተዘርገሐት ናይ ዓርኪ ኢድ ንምዃን ምምሃር ክሳብ ክንደይ ከምዘድሊ ፍለጡ! ወላ ምስቶም በተሓሳስባ ካባኹም ፍልይ ዘለዎም ብዕርክነት ንበሩ። በዚ ከኣ ምድግጋፍ ኣብ ማእከልኩም ይዓቢ ንታሪኽ ዝልውጥ መጋበሪ ኸኣ ይኸውን። ድሕሪ ቢሎም ኣብ መወዳእታ ነዛ ናይ ሓባር ገዛና እንብላ ዓለምና ኣከባቢና ክከላኸሉላ ሓደራ ኢሎም። እግዚአብሔር ከምዘፍቅሮም እዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ዕርቂ ስለዘምጽእ በዚ ክነብሩ ሓደራ እንክብሉ ብቡራኬ ቃሎም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 September 2019, 16:44