ድለ

በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ “ህያብ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጻዕሪ ወሳኒ እዩ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ “ህያብ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጻዕሪ ወሳኒ እዩ 

በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ “ህያብ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጻዕሪ ወሳኒ እዩ

ልዕሊ 50 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ጉዕዞ፡ ይዅን ደኣ እምበር ብዙሕ ዝተጓዓዝና እውን እንተዀንና እቲ ሱታኤኣዊ ምትእስሳር ሰረታዊ ክኸውን ብዙሕ ይተርፈና፡ እቲ ፍጹም ሕውነታውነት ዘይቕበል ተግባር ብዙሕ እዩ ዘሳቕይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝለገስዎ ጭራም ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮ ኣብ ዘሎ ናይ መቓብር ስፍራ ካብ ዝተዓቀበ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ምእንቲ ንውህደት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ናብ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝሓበሩን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎት ዜና ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡

ስምዖን ተ. ኣራኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ገጸ በረኸት ይብሉ ናይ ቅዱስ እንድሪያስ ተኸታሊ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፡ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጉዕዞ ዓንድን ወሳኒን እዩ ከምዝበሉን፡ ውህደት ንእዋናዊ ዓለም ንዝቐርብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘበራትዕን ኣብነታዊ ፍኖት እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ብዛዕባ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስን ከምኡ እውን ኣብ ኣማዞን ዝተኸስተ ባርዕ ሓውን ዝፍጸም ኣግራብ ናይ ምዕናው ተግባር ዝምልከት ነቲ ኣብ ከቢድ ስግኣት ዝርከብ ተፈጥሮ ንምክልኻል መንፈሳውን ቲዮሎጊያውን ኣመክንዮታቱ ዝሕብር ውሳኔ እዩ ኢሎም።

ቅዱስነትኩም እቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተወሃበኩም ገጸ በረት ምስ በጸሓኩም እንታይ ተሰሚዑኽም?

ሓው ቅዱስነቶም ፍራንቸስኮ እቲ ህያብ ምስ ኣቕረቡልና ብሓቂ ተደኒቕና፡ ማንም ዘይተጸበዮ እዩ፡ እዚ ወስታ ቅዱስነቶም ካብቲ ተራ ዘተን ጉባኤታትን ዝሰገረ፡ እቲ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ዘሕብር እውነተይና ሕውነታዊ ፍቕሪ መግለጺ እዩ።

ናይዚ ህያብ ትርጉሙ እንታይ እዩ ትብሉ?

ቅድም ቀዳድም እቲ ናይ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መንበር ከም ገጸ በረከት ምልጋስ ቡራኬ እዩ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስና ማእከልን ንኹሉ ክርስቲያን ቀረባ ዝዀነ ናይ ኑዛዜ ሓዋርያ እዩ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኣብ መንጐ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ እንድሪያስን ዘሎ ሕውነታዊ ምትእስሳር ዘዘኻኽርን፡ እቲ ዘለዎም ናይ ደም ሕውነት፡ ናይቲ ኣብ መንጐ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቁስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ሕውነት ትእምርቲ እውን እዩ፡ ሳልሳይ ትርጉሙ ከኣ፡ ናብ ውህደት ኣሚቱ ንዝግበር ጉዕዞ መሰረት እዩ፡ ስለዚህ ንናይ ውህደት ዓንድን ዘቐራርብን ወሳንን ምዃኑ የብርሁ። እቲ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ጴጥሮስ ምዕ. 1 ፍቕዲ 22 ዘሎ፥ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ነፍስኹም ስለ ዘጽሬዅም ብንጹሕ ልቢ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ ዝብል ቃል ብፍሉይ ዝገልጽ ተግባር ልግሲ ምዃኑ የመላኽቱ።

ቅድሚ 50 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ኢየሩሳኤም ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሳድሻይን ቅድመኹም ዝነበሩ ኣተናጎራን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣተናጐራ ንጳውሎስ ሻድሻይ ቅዱስ ጴጥሮስን እንድሪያስን ተዓቛቝይፎን ዘርእይ ቅዱስ ምስሊ ከምዝለገሱን፡ ነዚ ህያብ’ዚ ሎሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ፡ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ኣቢያተ ክርስቲያን ጭቡጥ ሱታፌ ዳግማይ ሕንጸት ዝብል ነቢያዊ ምልክታ እንክብሉ ይገልጽዎ፡ እቲ ናብ ውህደት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ ኣብይ ደረጃ በጺሑ ትብሉ?

ኣገዳሲ ዓቢይ ሕቶ! ኣበይ ደረጃኸ በጺሑ? ልዕሊ 50 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ጉዕዞ፡ ይዅን ደኣ እምበር ብዙሕ ዝተጓዓዝና እውን እንተዀንና እቲ ሱታኤኣዊ ምትእስሳር ሰረታዊ ክኸውን ብዙሕ ይተርፈና፡ እቲ ፍጹም ሕውነታውነት ዘይቕበል ተግባር ብዙሕ እዩ ዘሳቕይ፡ ምግምማዕ ክርስቲያን፡ ንቤተ ክርስቲያንን ንእውነተይና ምስክርነት ወንጌል ዕንቅፋት እዩ፡ ብሓቂ እቲ ሓው ፍራቸስኮ ዝለገሱልና ህያብ ዓቢይ ነቲ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንእተበርክቶ ዓቢይን ህርኩትን ኣስተዋጽኦ ዘረጋግጽ እዩ፡ እቲ ቅዱስ ጴጥሮን እንድርያስን ተሓቋቝይፎም ዘርእይ ቅዱስ ምስሊ ንኽንነብሮ ዝዕድም እዩ፡ ናይቲ ናይ ሓባር ዘተ ቀዳማይ ወጅሁ ናይ ፍቕሪ ዘተ ዝብል፡ ኣብ 1964 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይን ኣተናጎራን ኣብ ኢየሩሳኤም ዘቐራረበ እዩ፡ እቲ ካልኣይ ቲዮሎጊያዊ ፍኖት እዩ፡ ቅንዕናን ምክብባርን ብዝዓሰሎ ኣገባብ ብዝምልከቶ ናይ ሓባር ድርገት ዝግበር መጽናዕቲ እዩ፡ ነዞም ክልተ መገድታት እዚኣቶም፡ ዘራኽብ ሳልሳይ መገዲ፡ ነቢያውነት እዩ፡ እዚ በቲ ፍራንቸስኮ ብዝለገስዎ ህያብ ዝተመስከረ እዩ።

እቲ ቅድም ክብል ዝተወሃበ ህያብ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ዘሰንይ መእኽቲ ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎን፡ ዕለቱ ድማ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ዝነበረ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት እዩ፡ እዚ ቅዱስ’ዚ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ሊቅ ቤተ ክርስቲያንን ዝብል መጸውዕ ብኽልቲኣተን ቤተ ክርስቲያን ቅብሉ ዝዀነ ስያመ ዘለዎን ናይ ሓባር ቅዱስ እውን እዩ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ናይ ኢየሱስ ኣካል ከተኽብር ትድልይ ዶ? ዝብል ሕቶ ብምቕራብ፡ ኣብ ዕርቃኑ ሸለል ዘይምባል፡ ኣብ ቁርን ኣስሓይታን ጥራሕ ዝባኑ ክሳቕይ እንከሎ ሸለል ትብሎ እንተድኣ ኰይንካ ኣብ ኣባይቲ መቕደስ ዘማዕርግ ልብሲ ለቢሱ እንኰሎ ንኸተኽብሮን ክትውድሶን ኣይትፈትን  ይብል፡ ካብዚ ናይዚ ቅዱስ ቃል’ዚ ተበጊስና ሎሚ ኣብ እዋናዊ ዓለም ወንጌል ብኸመይ እዩ ዝስበኽ ዘሎ?

እቲ ከም ክርስቲያን መጠን ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያ እንነብሮ መንፍሳውነት ካብቲ ንዓለምን ናብ ዓለምን ከነቕርቦ ዝግብኣና ኣገልግሎት ክፈልየና ኣይግባእን፡ ድሕሪ ፍጻሜ ስርዓት ሊጡርጊያ ብሰላም ኪዱ ዝብል ካህን ዝደግሞ ቃል ኣሎ፡ እዚ ቃል’ዚ እቲ ዝተወሃበኩም ሰላም ዓቅብዎ ዝብልን ምስ ወጻእኩም ከኣ ኣካፍልዋ ዝብል እዩ፡ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ቤተ ክርስቲያን ኣካለ ክርስቶስ እንክብል ይገልጻ፡ እዚ ኸኣ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዲያኮኒያ - ብምግልጋል ዝብል ምዃኑ የተሓሳስበና፡ ኣብዚ ምግልጋል’ዚ ነቲ ብዘይ ምንም ንዓይነት ከምቲ ክርስቶስ ምሉእነቱ ዘወፈየ ተወፋይነት ኣብ ኣገልግሎት ዝብል እዩ፡ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ብሉጽ ዝኸውን ወይ ዝገብሮ ማሕበረ ክርስቲያን ምሉእ ውህደት ኣብ ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ዝነብርዎ እዩ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መላእ ሃገራት ኣማዞን ሲኖዶስ ንኸተብዕል ትቐራረብ ኣላ፡ ንስዅም ብዛዕባ ክንክን ፍጥረን ተፈጥሮን ጥብሉሕ ኢዅም፡ እዚ ጦብላሕታ እዚ ንኽሰፍሕን ኣብ ግብሪ ክውዕልን እዚ ጉዕዞ እዚ ብጭቡጥ ትግብሩ ንኸውን ማሕበረ ክርስቲያን ብሓባር እንታይ ክገብር ኣለዎ ትብሉ?

ዕቃበ እንነብረሉ ምህዳር ምክንኻን ንፓትሪያርካዊ ቁስጥንጥንያ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝገብሮ ጻዕሪ ዝጸንሔን ናይ ነዊሕ ታሪኽን እዩ፡ ናይዚ ጻዕሪ’ዚ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ሓደ ስነ ምህዳራዊ እዩ፡ ምስ እዚ ዝተተሓሓዘ ከኣ ቲዮሎጊያዊ ኣመክንዮ ዘለዎ እዩ፡ ፍጥረት ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ፡ ኣብቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝዋሳኣሉ ተፈጥሮ ንናይ ዓለም ድሕነት ዝተጸገወ ምድሓን እግዚኣብሔርን ዝኽወነሉ ስፍራ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ማህሰይትን ዕንወትን ቅድም ቀዳድም መንፈሳዊ ሕቶ እዩ፡ ስለዚህ ንዕቃበን ክንክንን ተፈጥሮ ምጽላይን፡ እዚ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ መስከረም 1 ዝፍጸም  መደብ ጸሎት እዩ፡ ጸሎት ኣገዳሲ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ቀዳማይ ስጉምት’ዚ ምልዋጥ ኣብ ዝብል ቁዉም ሓሳብ ዝሰረተ ምህዳራዊ መንፈሳውነት ንምምዕባል ማሕበረ ክርስቲያን ህርኩት ጻዕሪ ከካይዱ ኣለዎ፡ ምልዋጥ ክበሃል እንከሎ ምስጢረ ንስሓ ዘጣመረ እዩ፡ ምልዋጥ ኵለንተናዊ ምዃናውነት ይምልከት፡ ገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ኣብ ተፈጥሮ ተዋስኦ ዝምልከት እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ማህሰይትን መጉዳእትን ሓጢኣት እዩ፡ ስለዚህ ምክንኻን ተፈጥሮ ብዘይ ምልዋጥ ከምዘይህሉ ነስተውዕል። ኣብ ምልዋጥ ልቢ ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮ ኣስትውዕሎ ሓላፍነትና ንጽገው፡ ኣነባብራና ንምልዋጥ ክርስቲያናዊ ባህሊ ኵነታት ንምስትውዓልን ንምጽላውን ዘኽእል መጋበርያ ኣለዎ፡ ኣምልዀን ስግደትን ሰገርነትን ጾምን ናይ ፍቕሪ ስራሕን ዝኣመስሉ መጋበርያታት ንምጥቃስ ይከኣል።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሓምላይ ሃብቲ ኣማዞን ዝወረደ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ዘስዓቦ ከቢድ ውድመት  

ምእንቲ ኣማዞን ብልቢ ንጽልይ፡ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ውርደት እውን እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ከቢድን ዓቢይን መጉዳእቲ ንመጻኢ ትውልዲ ሳዕቤን ኣለዎ፡ እቲ ፍጥረን ተፈጥሮን ዘዕድይ ከይድ ኣገባባት ሕይወትና ኣነባብራናን ምቕያር የድሊ። እንክብሉ ዘካይድዎቃለ መሕትት ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ “ህያብ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ሓድነት ንዝግበር ጻዕሪ ወሳኒ እዩ”
16 September 2019, 18:11