ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ምሕዝነት፥ ድኽነት ጽሕፍቶ ኣይኰነን

ከተማ ኣካማሶኣ ህላዌ እግዚኣብሔር ሓሓሊፉ ዝረኣየሉን ከከም እዋኑ ዝብል ዘይኰነ ናይቲ ኣብ መንጐ ሕዝቡ ንኽኸውን ናይ ዝሓረየ እግዚኣብሔር መግለጺት ከተማ እያ

ከተማ ኣካኣሶኣ ነቶም ኣብ ሕሱን ድኽነት ንዝርከቡ ናይ ወንጌላዊ ምትሕልላይን ፍቕርን ምስክርነት ኣብነት ምዃና ዝንገረላ፡ ቅድሚ 30 ዓመት ብኣርጀቲናዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፐድሮ ኦፐካ ንድኻታት ርእሶም ዘዕርፍሉ ስፍራ ንምፍጣር ብዝብል ዕላማ ኣብ 1989 ዓ.ም. ናብ ዘቖምዎ ማእከል ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ገዓርኵም ንዅሎም ነቶም ዝጥምትኹም እትምስክርዎ ናብ ናይ ተስፋ መዝሙርን ዝልወጠሉ ስፍራ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ምርኻበይ ንዓይ ዓቢይ ሓጐስ እዩ፡ ኣካማሶኣ፡ እዛ ከተማ እዚኣ እግዚኣብሔር ኣብ መንጐ እቲ ድኻ ሕዝቡ ከምዝዀነ መግለጺት እያ፡ እቲ ህላዌ እግዚኣብሔር ሓሓሊፉ ዝረኣየሉን ከከም እዋኑ ዝብል ዘይኰነ ናይቲ ኣብ መንጐ ሕዝቡ ንኽኸውን ናይ ዝሓረየ እግዚኣብሔር መግለጺት ከተማ እያ ቢሎም፡ ናይ ትብዓትን ናይ ምትሕልላይን ተመክሮ ዝንበራላ። ብተግባር ዘይግልጸ እምነት ዝሞተ እምነት እዩ፡ ስለዚህ ንስኻትኩም ኣብቲ ዘይምርግጋእን ዘይውሕስን ኵነት ናይ ዝንበር እምነት መስከርቲ ኢኻትኵም ቢሎም፡

ናይ ተስፋ መብራህቲ ዘምጥፋእን

ነቶም መንእሰያት፥ ስድራ ቤታውን ሕውነታውን ሓልዮትን ምትሕብባርን ኣብ ዝብሉ ምትእስሳር ኣተባቢዖም። ማሕበራዊ ሕይወት ኣተባብዑ፡ ካብ ተነጺልካ ምንባር ምጥንቃቕ፡ ነኣሽቱ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝኽስቱ ተኣምራት ንኸነለልይ ዘብቅዕ ምትስሳር እዩ፡ ከምቲ ማርያም ብዘይ ቃላት ምብዛሕ እነኹልካ ቢላ ናይ ተስፋ ብርሃን ዝተቐበለት፡ ልክዕ ከምኣ ሰብ ተስፋ ብምዃን ማዳጋስካር ናይ ጐይታ ሃገር መታን ክትከውን ትጉሃት ኩኑ ምስ በሉ፡ እምነትን ትርጉም ስድራ ቤትን ማሕበረሰብን ሕንጸት ኣብ ዕሴታን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ዓቢይ ሕርኵት ተግባር ስርዓትን ቅንዕናን ገዛእ ርእስኻን ካልኦት ምኽባርን ዝብል ክኸውንን እዚ ናይ ኣካማሶኣ ተመክሮ ንመጻኢ ትውልዲ ጥራሕ ዝመሓላለፍ ምስርክነት ዘይኰነ ህልው ምስክርነት በቢ ዕለቱ ዝንበር ክኸውን ሓደራ፡ ጸረ ድኽነትን ማሕበራዊ ተነጽሎን ዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ማዳጋስካርን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎ ባህሊ ንውጋድን ንናይ ሰብኣዊ ክብሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ካብ ምትእምማን ሕንጸትን ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ኣብ ዝብል ምርጫ ዝግበር ጻዕሪ ክበራታዕ ተላብዮም ከምእተፋነዉ ካፓኒለ ሓቢረን።

09 September 2019, 16:36