ድለ

ፍትሓውን ነባርን ናይ ሰላም ፍታሕ ንካመሩን ንጽውዕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንዝኽረ መበል 105 ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ንሰኑይ ዕለት 30 መስከረም ኣብ ካመሩን ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ርክብ ኣህጉገራዊ ዘተ ፍረ ምእንቲ ክርከቡ ክንጽሊ ብምዝኽኻር ፍትሓውን ነባርን ናይ ሰላም ፍታሕ ንካመሩን ንጽውዕ! እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብዙሓት መራሕቲ ፖሎቲካውያንን ናይ ዝተፈላለያ እምነታትን ብዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ካመሩን ንዝካየድ ጉባኤ ኣመልኪቶም ፍረ ዘለዎ ምእንቲ ክኸውን ብጸሎት ንክንድግፎ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ጽባሕ ሰኑይ ዕለት 30 መስከረም ኣብ ካመሩን ነታ ሃገር ካብ ዓመታት ዘሳዊ ንዘሎ ከቢድ ቅልውላው ፍታሕ ንምንዳይ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ እዩ። ነቲ ዝሳቀ ዘሎ ፍቁር ሕዝቢ ካመሩን ተስፋታቶምን ቅርበተይ ኣንክገልጽ እዚ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ዕውት ክኸውን ኩልኹም ክትጽልዩ እምሕጸን። ንግሥተ ሰላም ዝኾነት ድንግል ማርያም ተማልደልና ኢሎም።

ጠንቒ ቅልውላው ካመሩን!

እቲ ቀንዲ ጸገም ካመሩን ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረቡ ክፍሊ እታ ሃገር ናይ በይንና ነጻነት ይግበኣና ኢሎም ኣብ ምንቅስቃስ ዘለው ምስ ማእከላይ መንግሥቲ ዘካይድዎ ግጭት እዩ። ካብ ጸደይ 2017 ዓምፈ ጀሚሩ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ምንቅስቃስ ሓራ ሪፓብሊክ ኣምባዞንያ መሥሪትና ኢና ኢሎም ምስ ኣወጁ ከኣ ኣብ ጥርዙ በጺሑ። ብዙሕ ዘተ እኳ እንተተኻየደ ነቲ ብረታዊ ጐነጽ ግን ደው ከብሎ ኣይከኣለን። ውግእ ሓድሕድ ከይባራዕ እውን ዘፍርህ እዩ።

ህልው ኩነታት ካመሩን!

እዚ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ግጭታት ኣብ ልዕሊ ሰላምዊ ሕዝቢ ሰፍ ዘይብል ምዝንባል እከኸትል ልዕሊ 2000 እንክሞቱ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ከኣ ቈሲሎም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ካብ 5000 ሺሕ ንላዕሊ ቤትንብረቶም ገዲፎም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተዓቊቦም ከምዝርከቡ ይግለጽ። ልዕሊ 3 ሚልዮን ካብ ነበርቲ ካመሩን ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝረከቡ ውሕስነት መግብን መሠረታውያን ነገራትን ስለዘይሎ ብዙሓት ሕጻንት ይሓሙን ይሞቱን ከምዘለው እውን ይምልከት። ኣብ ርእሲ እዚ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝበሀል መሰል ደቂ ሰባት ዝቈጻጸር ትካል ከምዘመልክቶን ከምዝኸሶን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስቃይን ግህሰት ሰባዊ መሰላትን ከምዘሎ ይገልጹ።

መንጎኝነት ቤተክርስትያን!

ኣብዚ ዓመጽን ቅልውላውን ዕለት ዕለት ዚዓብየሉ ዘሎ ቤተክርስትያን መንጎኛ ኰይና ዕርቅን ሰላምን ክነግሥ እናተቃለሰት ነቲ ውጹዕ ሕዝቢ እውን ትሕግዝ ኣላ። ኣብዚ ብፕረሲደት ፖል ቢያ ዝተኣወጀ ናይ ሰላም ዘተ ካብ ዕለት 30 መስከረም ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክግበር ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ከም መራሒት እምነት ክትሳተፍን እያ። ናይ ዱኣላ ሊቀ ጳጳስ ነበር ብፁዕ ካርዲናል ክርስትያን ዊይጋን ቱሚ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝሳተፍ እንክምልከት ንፊደስ ዝበሃል ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከኣ ‘ዝከኣል ዘበለ ኩሉ ክንገብር ትሑዛት ኢና ናብ ካመሩን ሰላም ንክምለስ ሕይወትና እውን ክንከፍል ስንድዋት ኢና’ እንክብሉ ክሳብ ክንደይ ነዚ ዘተ ተሰናድዮምሉ ከምዘለው ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

29 September 2019, 18:23