ድለ

2019.08.20 መንፈሳዊ ንግደት ስለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ 2019.08.20 መንፈሳዊ ንግደት ስለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ 

ሕዝቢ ሞዛቢክ ነቶም ናይ ሰላም መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ዝበጽሖም ር.ሊ.ጳ ብዓቢ ሃንቀውታ ይጽበዩ!

ንዝመጽእ ዕለት 4 መስከረም 2019 ዓምፈ ናብ ማፑቶ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ክበጽሑ ብመርሓ ግብር ሓውጾቶ ኖልዎኦም ካብ ዝግለጽ ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ዝተፈላለየ ጸሎታትን ምስናዳኣትን ይግበር ከምዘሎ ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 6 መስከረም ኣብ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ 11 መዓልቲ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ብዛዕባ ኩነታት ሞዛምቢክን ዝግበር ምስንዳኣትን ዝምልከት ናይ ሞዛምቢክ ረኪበ ጳጳሳት መራኸቢ ብዙሓን ሓላፊ ኣብ ጆርጅ ኣውጉስቶ ምስ ረድዮ ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ኩሉጽቡቅ ይሰላሰል ከምዘሎ ገሊጾም።

ናይ ቀረባ ታሪኽ ሞዛምቢክ

ሃገረ ሞዛምቢክ ካብተን ድሒረን ካብ ገዛእቲ ሓራ ዝወጻ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኰይና ብ1975 ዓም እያ ካብ ፖርቱጋል ነጻነታ ዝረኸበት። ኰይኑ ግን ብኡ ንብኡ ውግእ ሓድሕድን ምምቅቃልን ስለዝተኸስተ ንዓሠርተ ሓሙሽተ ዓመታት ብውግእ ሓድሕድ ተቈልያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቊጸሩ ሕይወቶም ክስእኒ ልዕሊ አርባዕተ ሚልዮን ከኣ ኣደዳ ስደትን ምፍንቃልን ኰይኖም። ብ1992 ዓም ረናሞ ዝበሃል ሃገራዊ ተቃዋሚ ሓይሊ ናብ ፖሎቲካዊ ፓርቲ ተለዊጡ። ብዕለት 4 ጥቅምቲ 1992 ዓም ከኣ ኣብ ሮማ ታሪኻዊ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ መንጎ ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ሃገረ ሞዛምቢክ ጀኣኪም ቺሳኖን ናይ ረናሞ መራሒ ኣፎንሶ ድላካማ ተኸቲሙ። እዚ ፍጻሜ እዚ ነቲ ን17 ዓመት ነታ ሃገር ዘድመየ ውግእ ሓድሕድ ኣኽቲ ብሓገዝ ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ብ1994 ዓም ኣብ ነጻ ምርጫ ተበጺሑስ ብዓወት ተዛዚሙ ማሕበራውን ቁጠባውን ዕብየት እውን ምሳኡ ክስጉም ጀሚሩ።

ኣብ መንጎ 2013ን አ016 ዓም ግን ሰላም ተዘሪጉ ኣብ 214 ዝተገብረ ምርጫ ብርቱዕ ምስሕሓብ ተላዒሉ። ምስሕሓብን ግጭትን እናገደደ መጺኡ። ድሕሪ ብዙሕ ዘተ ከኣ ዝሓለፈ 7 ነሐሰ ኣብ መንጎ ፕረሲደንት ሞዛምቢክ ፊሊፕ ንዩሱን መራሒ ረናሞ ኦሱፎ ሞማድን ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈሪሙስ ኣጽዋር ናብ ምውራድ ገጹ ዘምቢሉ ንዝመጽእ ዕለት 15 ጥቅምቲ ብሰላማዊ መንገዲ ምርጫ ፕረሲደንትን ኣባላት ፓርላመንትን ዞባታትን ክካየድ ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ሕዝቢ ሞዛምቢክ 30 ሚልዮን ኰይኑ ካብተን ድኻታት ዝበሃላ ሃገራት ዓለምና ሓንቲ እያ። ቊጠባኣ ኣብ ሕርሻ ኰይኑ ካብ ሕዝቢ 15%% ጥራይ ኤለክትሪክ ክጥቀም ይኽእል። ብማዕድንን ባህርያዊ ጋዝን ካልእ ክቡር ዕንቁን ኰይና ምናባት ኣውን ኣብ 2025 ባህርያዊ ጋዝ ብምሻጥ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዓለምና ክትሕዝ ትኽእል።  

ምስዚ ማዕረ ማዕረ ግን ዝሓለፈ ወርሓት 13 መጋቢትን 25 ሚያዝያን ዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስን ዕልቅልቅ ማይን ብዘስዓቦ ባህርያዊ ሓደጋ ልዕሊ 600 እንክሞቱ ብዙሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዓንዩ ብዙሕ ንብረት እውን ከምዝጠፍአ እንክምልከት በቲ ሓደ ወገን ኣብ ገገሊኡ ክፍሊ እታ ሃገር ዝረኤ ግጭታትን ውግኣትን ስግኣት ከምእተሕድር ይገብር። ምትእትታው ናይ ኣኽረርቲ ምስልምና እውን ይረኤ እዩ።

ቤተክርስትያን ሞዛምቢክ

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሞዛምቢ 28%% ኮይና 6 ሚልዮን ዝኾኑ ኣባላት ኣለውዋ። ጻዕቂ ብዝሒ ካቶሊካውያን ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ኰይኑ ብሰለስተ መንበረ ሊቀ ጵጵስናን ብትሽዓተ መንበረ ጵጵስናን ቈይማ ብሓደ ሃገራዊ ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳት እውን ትመሓደር። ናይ ሰካም ዝበሃል ሲሞስዩም ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ከምኡ እውን ናይ ኢምቢሳ ዝበሃል ዞባዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኣባል እያ።

ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዓቢ ሃንቀውታ እትጽበ ቤተክርስትያን ሞዛምቢክስ ነዚ ትመስል። ኩሎም ከኣ ነቲ መሪሕ ቃል ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ተስፋ ሰላምን ዕርቅን ዝብላ ቃላት ከኣ ብሓቂ ሕይወት ክለብሳ ምሉእ እምነት ኣለዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 August 2019, 16:46